ድለ

ቃል ኣምላኽ ንለውጢ ይጽውዕ፡ ይፍውስ፡ የተንሥእ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 22 ጥሪ 2022 ዓም ሰንበት ቃለ እግዚኣብሔር ንምብዓል ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ቃል እግዚኣብሔር ንኩሉ ሰብ ምዃኑን ናብ ምልዋጥ ዝመርሓናን ናይ እግዚኣብሔር ደረት ኣልቦ ፍቕሪ ንኹሉ እነበስር ይገብረና’ እንክብሉ ሰቢኾም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ሰንበት ቃል ኣምላኽ ንምዝካር ከም መሪሕ ቃል ካብ ቀዳመይቲ  መልእኽቲ ዮሓንስ “እቲ ዝረኣናዮ ንነግረኩም ኣሎና” (1ዮሃ 1፡3) ዝብል ኣርእስቲ ኮይኑ ሰንበት 22 ጥሪ ከኣ ነቲ በዓል ከኣ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መሥዋዕተ ቅዳሴ ብምዕራግ ከምዘካየድዎ ተመልኪቱ። ካብ መላእ ዓለም ብዝመጹ ነጋድያን ደሚቊ ኣብ ዝተዘከረ በዓል ቃለ እግዚአብሔር ካብ ሃገራት ኢጣልያ፡ ኮንጎ፡ ፊሊፒንስ፡ ሜክሲኮን ዓባይ ብሪጣንያን ካብ ካብ ዝመጹ ምእመናን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተልእኮ ኣገልግሎት ኣንባቤ መጻሕፍትን መማህራን ትምህርተክርስቶስን ምሃብ ዘጠቓለለ እውን ነበረ። ቅዱስነቶም ነዚ በዓል ብ2019 ዓ.ም. ኣብ ሣልሳይ ሰንበት መደበኛ ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ላቲን ክዝከር እቲ ግዜ ከኣ ንመጽናዕትን ዝርጋሔን ቃለ እግዚአብሔር ክውፈ ከምዝሰርዕዎ ዝዝከር እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ቅዳሴ ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ኣብቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናዝሬት ህዱእ ሕይወት ድሕሪ ምሕላፉ ናብ ህዝባዊ ኣገልግሎቱ ከመይ ከም ዝኣቱ ዘመልክት ክፍሊ ወንጌል ተመርኲሶም ነቲ ጐይታ ንኹሉ ሰብ ናብ ምልዋጥ ዝዓድሞን፥ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቱ ዝጸውዓሉን፥ ብስራት ናይቲ እግዚኣብሔር ደረት ኣልቦ ፍቅሪ እግዚአብሔር ናብ ኩሉ ከምዝባጻሕ ብምግባር ከም ሳዕቤኑ ከኣ ዝተቀበልዎ ዘበሉ ብግዲኦም ኣበሰርቲ ከምዝኾኑ ዝገለልጽ ክፍሊ ወንጌል ሎሚ ንዓና እውን ንለውጢ ከምዝዕድመና ከምዝፍውሰናን ኣበሰርቲ ንክንከውን ኣተንሲኡ ከምዘበግሰናን ከምዚ ክብሉ ገለጹ። 

ኢየሱስ ነቲ ህዱእን ሕቡእን ህይወት ናዝሬት ገዲፉ ናብታ ኣብ ጐድኒ ባሕሪ ገሊላ እትርከብ መራኸቢት ዝተፈላለዩ ህዝብታትን ባህልታትን ዝኾነት ወደባዊት ከተማ ቅፍርናሆም ይጐዓዘ። ኣብዚ ግዜ እዚ ቀንዲ ውራይ ኮይኑ ዝድርኾ ዝነበረ ህጹጽነት ድማ ነቲ ናብ ኩሉ ክበጽሕ ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ምእዋጅ ነበረ። ብርግጽ ጐይታ ንዅሎም ናብ ምልዋጥ ከም ዝዕድምን ነቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ ከም ዝጽውዖምን ንሳቶም እውን ብርሃን ቃል ናብ ካልኦት ምእንቲ ኺዝርግሑ ከም ዝጽውዖም ኣብ ወንጌል ንምልከት (ማቴ 4፡12-23)። ነዚ ሓይሊ ዝመልኦ ምንቅስቃስ እዚ ንቀበሎን ዋጋ ንሃቦን፣ ከምዚ ብምግባርና ድማ ንሰንበት ቃለ እግዚአብሔር ብፍሉይ መንፈስ ንምብዓላ ክሕግዘና እዩ። ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ኮይኑ: ንኹሉ ሰብ ናብ ምልዋጥ ይጽውዕ: ኣበሰርቱ ከኣ ይገብረና።

ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ እዩ! ወንጌል እንክንግንጽል ኢየሱስ ወትሩ ኣብ ምንቅስቓስ፣ ንካልኦት ክረክብ ኣብ መንገዲ ኣብ ጒዕዞ ከምዝነበረ የዘንትወልና። ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ኣብ ህዝባዊ ህይወቱ መንበር ሒዙ ኮፍ ቢሉ ዝጽበ መምህር ኣየቅርበልናን፤ እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ክዞር ንርእዮ፡ ከም ማንም ፈላሲ፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን እናተጓዕዘ፡ ዝተፈላለዩ ሰባትን እናረኸበን ዛንታታቶም እንሰምዔን ንርእዮ። ኣእጋሩ ናይቲ ብስራት ፍቕሪ ኣምላኽ ዘበስር ልኡኽ እዩ (ኢሳ 52፡7-8)። ኣብታ ኢየሱስ ዝሰብከላ፡  ምድሪ ኣህዛብ ዝኾነት ገሊላ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ፡ ስግር ርባ ዮርዳኖስ ብዝምልከት ኣብ ጽሑፍ፣ ‘ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን መንገዲ ባሕሪ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኣሕዛብ ዝነብሩሉ ገሊላ  ኣብ ጸልማት ዝነብር ሕዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፤ ነቶም ኣብ ጸልማትን ኣብ ጽላሎት ሞትን ዝነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም ዝተብሃለ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ’ (ማቴ 4.15-16) ዝብል ንረክብ። ትርጉሙ ከኣ ካብ ዝተፈላለየ ዞባታትን ባህልታትን ዝመጹ ወጻእተኛታት፡ ኣረማውያን፡ ደቂ ኣንስዮን ደቂ ተባዕትዮን ማለት እዩ። ሕጂ ንሳቶም እውን ነቲ ብርሃን ክርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ ኢየሱስ “ዶባት የስፍሕ”: እቲ ዝፍውስን ዘተንስእን ቃል ኣምላኽ ንጻድቃን እስራኤል ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ዝተመደበ ምዃኑ የረጋግጽ። ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ክበጽሕ ይነቅል፡ ንሕሙማት ክፍውስ፡ ንሓጥኣን ከድሕን፡ ነተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ኣኪቡ ነቶም ልቦም ዝደኸመን ውጹዕን ከልዕለን ይብገስ። ብሓጺሩ፡ ኢየሱስ ምሕረት ኣምላኽ ንዅሉ ሰብ ምዃኑ ምእንቲ ኪነግረና ‘ኢዱ ዘርጊሑ’ የርእየና። ነዚ ኣይንረስዕ፡ ምሕረት ኣምላኽ ንዅሉ ሰብእዩ፣ ንነፍሲ ​​ወከፍና እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ምሕረት ኣምላኽ ንዓይ እዩ” ክብል ይኽእል እዩ።

እዚ ጉዳይ እዚ ንዓና እውን መሰረታዊ እዩ። ቃል ናብ ነፍስወከፍና ዝተላእከ  ህያብ ምዃኑ የዘኻኽረና፤ ክንዮ ግምታትናን ትጽቢታትናን ሰጊሩ ብባዕሉ ብዘይተጸበናዮን ብዘይተገመተን መንገዲ ይምንጩ! (ማር 4፡26-28)፡ መንፈስ ቅዱስ ብዝፈልጦ መገድታትን ግዜታትን ስለ ዝፍልፍል ድማ፡ ዓውዲ ስርሑ ፈጺምና ክንድርቶ ኣይንኽእልን ኢና። ብተወሳኺ ምድሓን ንኹሉ ዝተመደበ ካብ ኮነ ዋላ እቶም ዝረሓቁን ዝጠፍኡን ቢልካ ዝሕሰቡ ከይተረፉ ስለዘመልክት ስብከት  ቃል ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ግዜ ኢየሱስ ዝነበረ ሎሚ እውን ቀንዲ ውራይ ቤተ ክርስቲያናዊ ክርስትያን ኮይኑ ማሕበረክርስትያን ቀዳምነት ክህቦ ኣለዎ። ብሰፊሕ ልቦና ኣብ ኣምላኽ ዘሎና እምነት እናመስከርና፡ ገና ዕጹው ልቢ እትውንን ቤተ ክርስቲያን ከይንኸውን ምጥንቃቅ የድሊ። እዚ፡ መርገም ምኾነ ክብል እደፍር፤ ድሕነት ንኹሉ ክንሰብኽ፡ እንተደኣ ኮይኑ ግን እቲ እንቕበሎ መንገዲ ዘይግብራዊ ክንገብሮ ኣይግባእን፤ መንግስቲ ክንእውጅ ከም ዝተጸዋዕና እንተተገንዚብና፡ እንተኾነ ግን ንቃል ኣምላኽ ሸለል ምስ እንብልን፡ ኣብ ብዙሕ ካልኣዊ ንጥፈታት ወይ ዘተታት ጊዜና ነባኽን እንተኾና ኣይግድን። ቃል ኣምላኽ ብሓሳብ ጥራይ ወይውን ኣስተሪሕካ ኰፍ ቢልካ እተቃምሞ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ብኣካልን ፍጻሜታትን፣ ቃላትን ተግባራትን፣ ምዕባለታትን ወጥርታትን ዝቖመ ዘንቀሳቅስ ሓይሊ ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ንቓል ኣምላኽ ሕመረት ኩሉ ተግባርና ገቢርና፡ ዶባትና ከነስፍሕ፡ ንሰባት ክፉታት ክንከውን፡ ከምኡ’ውን ምስ ጐይታ ናይ ምርኻብ ተመክሮታትና ንክነዕቢ ካብ ኢየሱስ ንመሃር።

ናብቲ ካልኣይ ጉዳይ ምስ እንሰጋገር፡ እቲ ናብ ኹልና ዝተላእከ ቃል ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ናብ ምልዋጥ ይጽውዕ። ነዚ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ምጅማር ስብከቱ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ ተነስሑ” (ማቴ 4፡17) እንክብል ይደግሞ። እዚ ማለት ቅርበት ኣምላኽ ምንም ሳዕቤን ዘይብሉ ኣይኮነን፣ ህላወኡ ከአ ንነገራትን ኩነታትን ከም ዘለዉዎ ኣይገድፎምን፣ ህዱእ ህይወት ክህሉ ኣየረጋግጽን። እኳ ደኣ ብኣንጻሩ ቃሉ የናውጸና፣ ይርብሸና፣ ንንስሓ፣ ናብ ምልዋጥ የለዓዕለና። ናብ ቅልውላው የውርደና ምኽንያቱ ከኣ ከምቲ መልእኽቲ ዕብራውያን ዝብሎ “ቃል እግዚኣብሔር ሕያውን ዝሠርሕን እዩ፤ ነፍስን መንፈስን መገጣጠምን ኣንጕዕን ክሳዕ ዝፈላሊ ዝቖርጽ ካብ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊ ዝበልሕ እዩ። ኣብ ልቢ ዝተሰወረ ሓሳብን ድልየትንውን ፈልዩ ዝምርምር እዩ’(ዕብ 4፡12)። እቲ ቃል ከም ሰይፊ ናብ ህይወት ይኣቱ፣ ብመመያ ስምዒታትን ሓሳባትን ልቢ ከነለሊ የኽእለና፣ ማለት ብርሃን ሠናይነት ኣየናይ ቦታ ክወሃቦ ከም ዘለዎን ከማኡ እውን እቲ ክንቋወሞ ዘሎና ድቅድቅ ጸልማት ክፍኣትን ሓጢኣትን ኣበይ ከም ዘሎ ክንርኢ የኽእለና። ቃል ኣምላኽ ምስ ኣተወና ንልብናን ኣእምሮናን ይቕይሮ፤ ይቕይረና ሕይወትና ናብ ጎይታ ንክነቕንዕ እውን ይመርሓና።

ዕድመ ኢየሱስከስ እንሆ፡ ኣምላኽ ቀሪቡካ ኣሎ፤ ህላወኡ ኣለሊ፡ ንቃሉ ቦታ ሃብ፡ ኣብ ህይወት ዘለካ ኣረኣእያ ድማ ክትቅይር ኢኻ ይብለና ኣሎ። ብኸምዚ እውን ክንገልጾ ንኽእል፡ ንህይወትካ ኣብ ትሕቲ ቃል ኣምላኽ ኣቐምጣ። ቤተ ክርስቲያን እተርእየና መንገዲኸስ እዚ እዩ። ኩላትና እንኮላይ ጓሶት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ቃል ኣምላኽ ኢና ዘለና። ኣብ ትሕቲ ጣዕምናን ዝንባለናን ምርጫናን ዘይኮነስ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝቐርጸናን ዝልውጠናን ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ክርስቶስ ክንጥርነፍ ዝጽውዓናን ሓደ ቃል ኣምላኽ ኢና ዘሎና። ስለዚ ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ሕልናና ምልስ ቢልና ንነብስና ከምዚ ቢልና ብምሕታት ነስተንትን። ህይወተይ ኣንፈታ ካበይ እያ እትረክብ! ካበይ እያ መምርሒታት ኣንፈታ ትስሕብ? ካብቲ ዝሰምዖ ብዙሕ “ቃላት”፡ ካብ ስነ-ሓሳባት፡ ወይስ ካብቲ ዝመርሓኒን ዘጽርየኒን ቃል ኣምላኽ? ኣባይ ለውጥን ምልዋጥን ዝጠልቡ ጉዳያት ኣየኖት እዮም? ቢልና ነስተንትን።

ኣብ መወዳእታ ናብ ሳልሳይ ደረጃ ስጉምቲ ጉዳይ ቃል ኣምላኽ ምስ እንሰግር፣ እቲ ናብ ኹሉ ዝተላእከን ንለውጢ ዝጽውዓናን ቃል ኣምላኽ፡ ብግደና ኣበሰርቲ ከም እንኸውን ይገብረና። ስለዝኾነ ከኣ ኢየሱስ ኣብ ገምገም ባሕሪ ገሊላ እናተጓዕዘ እንከሎ ገፈፍቲ ዓሳ ንዝነበሩ ክልተ ኣሕዋት ንስምዖንን እንድርያስን ይጽውዖም። ብቃሉ ንክስዕብዎ ይዕድሞም “ገፈፍቲ ሰብ” ከም ዝገብሮም ድማ ይነግሮም (ማቴ 4,19): ድሕሪ ደጊም ክኢላታት ጀላቡን መርበብን ዓሳን ጥራይ ዘይኮኑስ ኣብ ምድላይ ካልኦት ድሕነት ዝደልዩ ሰባት ክኢላታት ክኾኑ እዮም። ከምቲ ኣብ ምዝዋር መርከብን ምግፋፍ ዓሳን ካብ ገማግም ባሕሪ ወጺኦም መርበቦም ናብ መዓሙቕ ምድርባይ ዝተማህሩ፡ ብተመሳሳሊ መንገዲ ድማ ኣብ ክፉት ባሕርታት ዓለም ክጓዓዙ እሞ፡ ንኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ክረኽብዎም ዝኽእሉን ሓጐስ ወንጌል ዝሰብኩን ሓዋርያት ክኾኑ እዮም። እዚ እዩ እምበኣር ዘንቀሳቅስ ሓይሊ ናይቲ ቃል። ናብ “መርበብ” ፍቕሪ ኣቦ ይስሕበናን ንኹሎም ዘጋጥሙና ናብ መርከብ መንግስቲ ንምእታው ወትሩ ብዘይሕለል ወኒ ሓዋርያነት ከም እንድረኽ ይገብረና። ናብዚ ዝጽውዓና ናይ ባዕልና ቃል ዘይኮነስ ቃል ኣምላኽ ስለዝኾነ ከምዚ ምግባር ንክተስድዕ ዝግበር ስብከት ኣይኮነን።

ሎሚ ንሕና እውን ገፈፍቲ ደቂ ሰባት ክንከውን ንዝቀርበልና ዕድመ ጽን ቢልና ንስማዕ። ኢየሱስ ብኣካሉ ቃሉ ክንእውጅ: ኣብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንምስክረሉ: ብፍትሕን ግብረሠናይን ክንነብሮ: ንዝሣቀዩ ብለውሃት እናተኸናኸና ነቲ ቃል ሥጋ ክነልብሶ ይጽውዓና ከምዘሎ ይሰመዓና።  እዚ እዩ ተልእኾና: ደለይቲ ዝጠፍኡን ውጹዓትን ተስፋ ዝቖረጹን ክንከውን ነዚ ከኣ ባዕልና ከነምጽኦም ዘይኮነስ ምጽንናዕ እቲ ቃል ዝኾነ: ንህይወት ዝቕይር ኣባኡ ክሳብ እትበጽሕ ከኣ ቅሳነት ዘይህብ ኣዋጅ እግዚኣብሔር: ነቲ እግዚአብሔር ኣቦና ምዃኑ ብምፍላጥ ዝርከብ ሓጎስ ክንህቦምን..ጣዕሚ ናይቲ፣ ሓወይ! ሓፍተይ ኣምላኽ ቀረባኻ/ኺ ኣሎ፣ ስምዑዎ እሞ ኣብ ቃሉ ዘደንቕ ህያብ ክትረኽቡ ኢኹም! ዝብል ክነብጸሓሎም ንነፍሲ ወከፍና ይዛረበና ኣሎ።

ኣሕዋትን ኣሓትን ነቶም ቃል እግዚኣብሔር ናብ ኩሎም ክበጽሕ ወትሩ ክስበኽን ማእከል ሕይወትና ንክኸውን ንምርግጋጽ ንዝሰርሑ ሰባት ብምምስጋን ክዛዝም እፈቱ። ነቶም ንቃል ኣምላኽ ዝጽንዑን ኣብ ሃብቲ እቲ ቃል ዝጥሕሉን ኣመስግን። ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ጒስነት ተዋፊርኩም ዘሎኹም ኣብ ምስማዕን ምስፋሕን ቃል ኣምላኽ እትሠርሑ ምናዳ ከኣ ንኣንበብቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን መማህራን ትምህርተ ክርስቶስን ብልቢ ኣመስግን። ሎሚ ነዘን ክልተ ኣግልግሎታት ንገለኹም ተልእኾ ከልብስኩም እየ። ነቶም ምሕጽንታይ ሰሚዖም ወንጌል ኣብ ኩሉ ቦታ ምሳታቶም ክወስዱን መዓልታዊ ከንብብዎን ብምውሳን ብግብሪ ዝመስከርኩም እውን ብልቢ ኣመስግነኩም። ኣብ መወዳእታ ድማ ንዲያቆናትናን ካህናትናን አመስግኖም። ዝኸበርኩም ኣሕዋት ቅዱስ ህዝበ እግዚአብሔር ምምጋብ ቃል ኣምላኽ ከይጐድሎም ብእትገርዎ ጻዕሪ አመስግነኩም። ንነብስኹም ከተስተንትንዎን ብሕይወት እናነበርኩም ክተበስርዎን ብእትገብርዎ ተወፋይነት አመስግነኩም። ስለቲ ኣገልግሎትኩምን እትኸፍልዎ መስዋእትኹምን አመስግነኩም። እቲ ጥዑም ሓጎስ ብሥራት ቃል ድሕነት ምስባኽ ንኹላትና ምጽንናዕን ዓስብን ይኹነና።

ብድምጺ ንምክትታል!
23 January 2023, 13:41