ር.ሊ.ጳ ኣብ ዲ.ሪ.ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን! ‘ኢድምሃብ’ ኣይፋል ‘ንተስፋ’ እሺሓራይ!
“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን!ደሓንዶ ሓዲርኩም! ዝሓለፈ ሰሙን ክልተ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ማለት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን በጺሐ ነይረ። ነዚ ንነዊሕ እዋን ሃረር ዝበልክዎ ጉዕዞ ክፍጽምር ንዝፈቐደለይ እግዚአብሔር አመስግኖ። ብሓቂ ጋህዲ ዝኾኑለይ ክልተ ዓበይቲ ሕልምታት፡ ማለት ንሓለውቲ ዓባይ ሃገር ኣፍሪቃን ኣብ ዓለምና ምስ ኣማዞን ሓቢረን ክልተ ሰናቡእ ዓለምና እተቊውም ሓምላይ ሳምቡእ ኣፍሪቃን ዓለምን ንዝኾኑ ሕዝቢ ኮንጎ ምብጻሕ ነበረ። ብባህርያዊ ሃብቲ ዝሃብተመ መሬት እኳ እንተወነኑ ብዘይውዳእ ኩናት ዝደመየ ህዝቢ እዩ፣ ምኽንያቱ ከኣ እዚ ሓዊ ንኩሉ ግዜ ንከይጠፍእ ዘምበድብዶን ዝምግቦን ሰብ ስለዘሎ እዩ። ከምኡ’ውን ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ንምብጻሕ፡ ምስ ሊቀ ጳጳስ ካንተርበርይ ጃስቲን ዌልቢን ዋና ኣካያዲ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድ ኢያን ግሪንሺልድስን ብሓባር ናይ ሰላም መንፈሳዊ ንግደት ንምፍጻም: በዚ ድማ ብብዙሕነት ምትሕብባር ከም ዝከኣልን ኣድላዪን ምዃኑ ንምምስካር፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ክርስቶስ ንዝግበር እምነት ብሓደ ንሳተፍ እንተኾይና ብርኣብ ክርስቶስ እንተኾይኑ ብሓባር ከይድና። እተን ቀዳሞት ሰለስተ መዓልታት ኣብታ ርእሰ ከተማ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾነት ኪንሻሳ እየ ነይረ። ንፕረዚደንትን ንኻልኦት ሰበስልጣን ሃገርን ንዝቅረቡለይ ድሙቅ ኣቀባብላ ምስጋናይ እንደገና አሐድስ። ኣባኡ ድሕሪ ምብጻሐይ ብኡንብኡ፡ ኣብ ኣደራሽ ቤተ መንግሥቲ ፕረዚደንት፡ ንመላእ ሃገር ዝኸውን መልእኽቲ ከቕርብ ክኢለ። ኮንጎ ብባህርያታ፡ ብጸጋታታ፡ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ብህዝባ ከም ዕንቚ ኣልማዝ እያ። እዚ ኣልማዝ እዚ ግን ንህዝቢ ምንጪ ግጭትን ዓመጽን ብምዃን ብስግንጢራዊ ምኽንያት ድኽነት እቲ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ካልኦት ዞባታት ኣፍሪቃ እውን ዝረኤ፡ ሓፈሻዊ ተርእዮ ኮይኑ፣ ንምሉእ ኣህጉር ኣፍሪቃ በቲ ዝወረዳ መግዛእቲ፡ ዝተመዝመዘትን፡ ዝተዘመተትን ኣህጉር ዘጋጥም ኩነት እዩ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ኣደራዕ ክልተ ቃላት ጥራይ ተዛሪበ: እታ ቀዳመይቲ ኣሉታዊት እያ: "ይኣክል!" ትብል ኮይና ንኣፍሪቃ ንምምዝማዝ ይኣክል!ኢለ። ነዛ ቃል እዚኣ ኣብ ካልእ ኣጋጥሚታት እውን ተጠቂመላ ነረ። እዚ ከኣ ኣፍሪቃ ክትምዝመዝ ዘለዋ ሃገር እያ ዝብል ሓፈሻዊ ኣተሓሳስባ ኣሎ! ነዚ ሓሳብ በቃ ይኣክል ክንብል ኣሎና ቢለ ነረ። ነዚ እየ ደጊመ። እታ ካልኣይቲ ኣወንታዊት ነበረት። ብሓባር፡ ትብል ኮይና ኩልና ብሓባር ከክብረትና ሓሊና ነንሕድሕድና ክንከባብር በቲ ተስፋና ዝኾነ ብስም ክርስቶስ ንቅድሚት ንገስግስ ኢለ። ዘይምምዝማዝ ብሓባር ንቅድሚት ምግስጋስ ዝብላ ነበራ። ብስም ክርስቶስ ድማ ኣብ ዙርያ እቲ ዓቢ ሥርዓት ቁርባን ተጋቢእና መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕረግና። ብድሕሪኡ ዝተፈላለየ ርክባት ኣብ ከተማ ኪንሻሳ ኣካየድና። ብመጀመርታ እቲ ምስ ግዳያት ዓመጽ ኣብ ምብራቕ ናይታ ሃገር፡ ብሰንኪ እቲ ንዓመታት ኣብ መንጎ እቶም ብቑጠባውን ፖለቲካውን ረብሓታት ተደሪኾም ውግእ ዘካይዱ ዕጡቓት ጉጅለታት ተበታቲኖም ነበርቲ እቲ ዞባ ተራኺብና። ናብቲ ዞባ ማለት ዞባ ጎማ ክኸይድ ኣይከኣልኩን። ሰባት ኣብ መሰውኢ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተሰዊኦም ኣብ ፍርሕን ዘይውሕስነትን ይነብሩ። ልብኻ ዝስንጥቅ ምስክርነት ግፍዒ ናይ ገለ ግዳያት ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እግሪ መስቀል ኣጽዋርን ካልእ መሳርሒ ሞትን ዘቐመጣ ብሓቂ ዘሰንብድ ምስክርነት ሰሚዐ። ምስኦም ንዓመጽን ኢድ ምሃብን "ኣይፋልን"፡ ንዕርቅን ተስፋን ከኣ "እወ" በልኩ። እዞም ሰባት እዚኦም ብዙሕ ተሳቅዮም እዮም ገና ይሳቀዩ ኣለው። ቀጺለ ምስቶም ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ትካላት ግብረ ሰናይ ንከመስግኖምን ንከተባብዖምን ተቀቢለ ኣዘራሪበዮም። ምስ ድኻታትን ንድኻታትን ዝሰርሕዎ ስራሕ ብዙሕ ድምጺ ዘየስምዕ፡ መዓልቲ መዓልቲ ግን ናይ ሓባር ሠናይ ጉዳይ ከም ዝዓቢ ይገብሮ። ናይ ግብረ ሰናይ ተበግሶታት ኩሉ ግዜ ቅድሚ ዝኣገረ ንምዕባለ ውልቀሰባትን ማሕበረሰባትን እምበር ንምሕጋዝ ጥራይ ክኾኑ የብሎምን እንታይ ደኣ ዘይኮነስ ምትብባዕ ክኸውን ከምዘለዎ ኣዘኻኺረ። ካብቲ ርክባት ሓደ መሳጢ ህሞት ምስ መንእሰያትን መማህራን ትምህርተ ክርስቶስን ኣብ እስታድዩም ኮንጎ ዝገበርናዮ ነበረ። ከምቲ ናብ መጻኢ ኣብ ዘተኮረ ህሉው ኩነታት ምጥሓል እዩ ነይሩ። እቲ ብሓጐስ ወንጌል ዝቖመን ህያው ዝኾነን ሓድሽ ወለዶ ክርስትያን ከምጽኦ ዝኽእል ሓይሊ ምሕዳስ እሞ ንሕሰብ! ነቶም መንሰያት መሪሕ ዝኾና ሓሙሽተ መንገድታት ኣመልኪተሎም፣ እዚኤን ከኣ፡ ጸሎት፡ ማሕበረሰብ፡ ቅንዕና፡ ይቕሬታን ኣገልግሎትን እየን። ንመንእሰያት ኮንጎ መንገድኹም መንገዲ ጸሎትን፡ ማሕበረሰብኣዊ መንባብሮን፡ ቅንዕናን፡ ይቕሬታን ኣገልግሎትን እዩ ኢለዮም።ጐይታ ነቲ ሰላምን ፍትሕን ዝምህለል ኣውያቶም ይሰምዓዮም። ብድሕርዚ ኣብ ካቴድራል ኪንሻሳ ምስ ካህናትን ዲያቆናትን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ተራኺበ። ብዙሓት እዮም መንእሰያት ድማ እዮም፣ ምኽንያቱ እቲ ጸዋዕታታት ብዙሕ እዩ። እዚ ከኣ ዓቢ ጸጋ እግዚአብሔር እዩ።ሰለስተ ፈተናታት ማለት መንፈሳዊ ላንጋላንጋነትን፡ ዓለማዊ ምቾትን ኣፍኣውነትን እናሰዓሩ፡ መሰኻኽር ፍቕሪ ክርስቶስ ኮይኖም ኣገልገልቲ ህዝቢ ክኾኑ ኣማኸርኩዎም። እዘን ፈተናታት እዚአን ሓፈሻዊ ፈተናታት ናይ ተመሃሮ ዘርኣክህነትን ካህናትን እየን ምበልኩ። ብርግጽ ሓደ ካህን ኣብ መንፈሳዊ ላንጋላንጋነት፡ ክወድቕ ከሎ፡ ዘሕዝን እዩ፤ ዓለማዊ ምቾት ከኣ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ከጋጥም ዝኽእል ዝኸፍአ ክፍኣት እዩ፤ ከምኡ’ውን ኣፍኣውነት።ኣብ መወዳእታ ምስ ጳጳሳት ኮንጎ ሓጐስን ጻዕርን ጉስነት ተኻፊለ። ከምቲ ጐይታ ንዓና ዝገብሮ ብናይ እግዚኣብሔር ቅርበት ክጸናንዑን ንህዝቢ ነብያት ክኾኑን፡ ብሓይሊ ቃል ኣምላኽ፡ ምልክት ርህራሄኡ፡ ምቅርራቡ፡ ለውሃቱ ክኾኑን ዓዲመዮም። እዘን ሰለስተ ባህርያት ማለት ቅርበት፣ ብርሕራሔን ብለውሃቱን ዝገብሮ ቅርበት እዩ። ካህናትን ጳጳሳትን ኮንጎ ክገብርዎ ሓደራ ዝበልክዎም ከኣ እዚ ነበረ። እቲ ካልኣይ ክፋል ናይቲ ጉዕዞ ኣብታ ብ2011ዓም ዝተወልደት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ዝኾነት ከተማ ጁባ እዩ ተኻይዱ።እዚ ምብጻሕ እዚ ኣዝዩ ፍሉይ ተርእዮ ዝነበሮ ኮይኑ፡ ካብተን "ኩሎም ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እጽሊ ኣሎኹ" ዝብላ ቃላት ኢየሱስ ብዝተወስደ መሪሕ ቃል ዝተገልጸ እዩ (ዮሓ 17፡21)። ብሓቂ ምስቶም ብታሪኽ ኣብታ ሃገር ዝነበራ ክልተ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያን መራሕቲ፡ ማለት ሕብረት ኣንግሊካውያንን ቤተ ክርስቲያን እስኮትላንድን ብሓባር ዝተፈጸመ ኢኩመነካዊ ንግደት ሰላም ነበረ። እዚ ናይቲ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝጀመረ ጉዕዞ መዕለቢ ነበረ። እዚ ጒዕዞ እዚ ብ2019ዓም ኣብ ሮማ ተኣኪብና፡ ምስ ሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን፡ ነቲ ግጭት ሰጊርና ሰላም ንምህናጽ ቃል ብምእታው ዝጀመርናዮ ጉዕዞ እዩ። ብ2029ዓም ኣብዚ ኣብ ኩርያ ሮማና ናይ ክልተ መዓልቲ መንፈሳዊ ሱባኤ ብሓባር ምስ ኩሎም መራሕቲ ፖሎቲካን ባህጊ ፖሎቲካዊ ምሕደራ ዝነበሮም ናይቲ ዓዲ ገሊኦም ነንሕድሕዶም ዝጻልኡ እኳ እንተነበሩ ኩሎም ግን ኣብቲ ሱባኤ ነበሩ። እዚ ሱባኤ እዚ ከኣ ንቅድሚት ክንግስግስ ሓይሊ ኰይኑና። እቲ ዘሕዝን ግን እቲ መስርሕ ዕርቂ ከምቲ ዝድለ ስለዘይሰጎመን፡ እታ ሓዳስ ዝተወልደት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ግዳይ ናይቲ ኣረጊት ስነ-መጐት ስልጣንን ንሕንሕን ኮይና፡ ኲናትን፡ ዓመጽን፡ ስደተኛታትን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን የፍሪ ኣሎ። ንክቡር ፕረሲደንት እታ ስለቲ እቲ ዝገበሩልና ተቅባልን አመስግን፣ እዚ ከኣ ነዚ ቀሊል ዘይኮነ ጒዕዞ ንቅድሚት ንከነሰጉም ሓጊዙና። ንብልሽውናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን ብጽኑዕ "ኣይፋል" ክብሉን፡ ንርክብን ዘተን "እወ" ክብሉ ዓዲመዮም። ብልሽውናን ንግድ ኣጽዋር ውግእን ዘሕፍር እዩ: ከመይ ብዙሓት ስልጡናት ዝበሃላ ሃገራት ንደቡብ ሱዳን ሓገዝ የቕርባ: እቲ ሓገዝ ድማ ኣጽዋርን: ኣጽዋርን: ኮይኑ ኲናት ንምልዕዓል ዝሕግዝ ኣጽዋር እዩ። እዚ ነውሪ እዩ። ንብልሽውናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ኣጽዋርን "ኣይፋልን" ንርክብን ዘተን "እወ" ብምባል ንቕድሚት ንኺድ። በዚ መንገዲ ጥራሕ እዩ ልምዓት ክህሉ ዝኽእል፣ ሰባት ብሰላም ክሰርሑ ይኽእሉ፣ ዝሓመሙ ሕክምና ይረኽቡ፣ ቆልዑ ናብ ቤት ትምህርቲ ይኸዱ። እቲ ናብ ደቡብ ሱዳን ዝተኻየደ ዑደት ኢኩመኒካዊ ባህርያቱ ብፍላይ ኣብቲ ምስ ኣንግሊካውያን ኣሕዋትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ስኮትላንድን ብሓባር ኣብ ዝተኻየደ ህሞት ጸሎት ተራእዩ። ብሓባር ቃል ኣምላኽ ሰሚዕና፣ ብሓባር ናይ ምስጋናን፣ ልመናን ኣማላድነትን ጸሎት ኣቕሪብና። ኣብ ከም ናይ በዓል ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰለ ኣዝዩ ግርጭት ዘለዎ ክውንነት እዚ ምልክት እዚ መሰረታዊ እዩ፣ ብቀሊል ዝርከብ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ንዓመጽን ግህሰትን ንምምኽናይ ስም ኣምላኽ ብዘይግቡእ ዝጥቀሙ ስለዘለዉ እዩ። ኣሕዋትን ኣሓትን! ደቡብ ሱዳን ኣስታት 11 ሚልዮን ነበርቲ ዝነብሩላ ንእሽቶ ሃገር ኮይና፡ ካብዚኣቶም፡ ብሰንኪ ዕጥቃዊ ግጭታት፡ ክልተ ሚልዮን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉን ብተመሳሳሊ ቁጽሪ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከም ዝሃደሙን ይፍለጥ። ነዚ እየ ድማ ምስ ሓደ ዓቢ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝተመዛበሉ ሰባት ክራኸብን ክሰምዖምን ቅርበት ቤተ ክርስቲያን ክስምዖምን ዝደለኹ። ብርግጽ ኣብያተ ክርስቲያናትን ብክርስትያናዊ መንፈስ ዝኲስኰሳ ትካላትን ጎኒ ጎኒ እዞም ንዓመታት ኣብ መዓስከራት ተመዛቢሎም ዝነብሩ ዘለዉ ድኻታት ሰባት ኣብ ቅድመ ግንባር ይርከባ። ብፍላይ ነተን ሃገር ክቕይራ ዝኽእላ ሓይሊ ዝኾና ንደቂ ኣንስትዮ፣ ከምኡ’ውን ንኩሉ ሰብ ዘርኢ ሓዳስ ደቡብ ሱዳን፡ ብዘይ ዓመጽ፡ ዝተዓርቐን ዝተረጋግአን ክኸውን ኣተባቢዐ። ብድሕሪ ኣብቲ ምስ ጓሶት ነፍሳትን ሰብ ውፉይ ሕይወት ናይታ ክልላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝገበርናዮ ርክብ፡ ንሙሴ ከም ኣብነት ናይ ተኣዛዝነት ኣምላኽን ናይ ጽንዓት ኣማላድነትን ጌርና ተመልክተናዮ። ኣብቲ ከም ናይ መወዳእታ ተግባር ናይቲ ዑደት ናብ ደቡብ ሱዳን ከምኡ’ውን ናይቲ ምሉእ ጉዕዞ፡ ዘዕረግናዮ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ፡ ክርስትያን ኣብታ ብዙሕ ሽግር ዘለዋ መሬት "ጨውን ብርሃንን" ክኾኑ ብምትብባዕ ንወንጌል ኣጋዊሔ። እግዚኣብሔር ተስፋኡ ኣብቶም ዓበይትን ሓያላትን ዘይኮነስ ኣብቶም ንኣሽቱን ትሑታትን እዩ ዘንብር። ኣገባብ እግዚአብሔር ከኣ እዚ እዩ። ንሰበስልጣን ደቡብ ሱዳን፣ ንክቡር ፕረዚደንትን፣ ኣዳለውቲ እቲ መገሻታትን ንኹሎም እቶም እዚ መገሻ እዚ ብጽቡቅ ንክፍጸም ጻዕሮምን፣ ስርሖምን ዘወፈዩ ኣመስግን። ኣብዚ ኢኩመኒካዊ ጉዕዞ ንዘሰነዩኒ ኣሕዋተይ ጃስቲን ዌልቢን ኢያን ግሪንሺልድስን አመስግኖም።”
