ፍቕሪ ንግርጭታት ስለዝቕይሮ ንክፍኣተ ግብሪ ብግብረ ሠናይ ምምላሽ የድሊ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ደቂሰባት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣመክንዮ ዓለም ተኸቲሎም ንዝዝምሮ ኣምር ፍቅሪ ንምንቃፍን ሓቀኛ ፍቅሪ ክርስትና እንታይ ምዃኑ ንምግላጽን ‘ኪኖ ስነ-መጐት ውሕስነትን ግበረለይ ክገብረልካን፡ ኪኖ ከይፈሽል ዝብል ፍርሒ ዘስዕቦ ተስፋ ምቑራጽን ሰጊርካ ከም ኣምላኽ ምፍቃር እዩ’ እንክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽሮም ንምስማዕን ምሳኦም ሓቢሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምድጋምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንክሳተፉን ተጋቢኦም ዝነበሩ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ምእመናንን ነጋድያንን ኣስተምሂሮም። ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 5.40 ዝተወስደ ኰይኑ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፣ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ ብኽፉእ ኣይትቃወምዎ። . . . ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደልውን ኣይትኽልኣዮ። ‘ብጻይካ ኣፍቅር ጸላኢኻ ጽላእ’ ከም ዝተባሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም። ኣነ ግና ጸላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፣ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፣ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፣ ንዝጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝጸርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ጸልዩ! እብለኩም ኣለኹ’ ዝብል ዝርከቦ ነበረ።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ እንከስተምህሩ ‘ኣብዚ ቃላት ኢየሱስ ፍሉይ ጠለብ ኣለው፣ እንተኾነ ዳርጋ "ተጋራጫዊ" ይመስል: ንዝጸፍዓካብ ነታ ካልአይቲ ምዕጉርቲ ክትመልሰሉ ይሓትት፣ ነቶም ምሳና ዕርክነት ዘለዎም ጥራይ ብምፍቃር ፍሉይ ነገር ከም ዘይንገብር ብምርዳእ ከኣ ንጸላእትና ክነፍቅር ይዕድም። እዚ ግን ዘይተለምደ እዩ’ ይብሉ እሞ ‘ክርስቶስ ዝምህሮ ፍቅሪ ካብቲ ንሕና ብልማድ፡ ንጥቕማዊ ምኽንያትን ናብቶም ጽቡቓት ዝኾኑና ጥራይ ክነማዕዱን ንኣኣቶም ጥራይ ጽቡቕ ክንገብርን ዝድርኸናን ስምዒት ክንሰግር ዝእዝዝ እዩ። ከመይ እዚ እኹል ኣይኮነን ይብለና። ምናልባት ኣምላኽ ነዚ ስነ-መጐት እዚ እንተ ዚኽተል፡ ናይ ድሕነት ተስፋ እምበይምሃለወናን! ኢየሱስ ጠፊእና ርሒቕና ከለና ክረኽበና ኣይምመጸን፡ ንዓና መስቀል ኣይምሓቖፈን፡ እዚ ኩሉ ዘይግብኦ መቕጻዕቲ ኣይምተቀበለን! እንተኾነ ግን፡ ንዓና ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ "ዘይተለምደ" እዩ፡ ማለት ካብቲ ንሕና ደቂ ሰባት ዝምድናታትና እንነብረሉ ልሙድ መዐቀኒታት ዝሓልፍ እዩ። ኢየሱስ ተረፈ ሓለፈ ቢሉ ዝጸባጸብ ንፉዕ ሓላፊ ሕሳብ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ባዕሉ ነቲ ሚዛን እንተዘየልዕሎ ፈጺምና ኣይምደሓናን ኔርና። ክርስቶስ ከኣ ነዚ ዘይምዕሩይነት ፍቕሪ ከነስተማቕሮ የነቓቕሓና’ ብማለት ከምዚ ክብሉ ገልጽዎ።
ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝብል ኣምር ኣይፋል ንበሎ!
ቅዱስነቶም ኣብ ስምዒታትናን እምንቶታት መነባብሮናን ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ‘ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይኹን’ ከምኡ'ውን ‘ኩሉ በብመሥሩዑ ይኹን’ ዝብል ዝንባለና ክንሰግሮ እሞ ብኣንጻሩ፡ ‘ነቲ ጎይታ ናይ ርእሰ-ረብሓ ስነ-መጎት ገዲፍና ንፍቕሪ ብሚዛን ሕኸኸኒ ክሓከካን ምቹእነትን ዘይኮነ ብናቱ ሚዛን ክንመዝኖ ሓሳብ የቕርብ" እንክብሉ ብከምዚ ይገልጽዎ።