ድለ

ፍቕሪ ንግርጭታት ስለዝቕይሮ ንክፍኣተ ግብሪ ብግብረ ሠናይ ምምላሽ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 19 ለካቲት 2023 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ነጋድያንን ምእመናን ሮማን ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም፣ ‘ንፍቕሪ ብሚዛን ግበረለይ ክገብረልካን ምቹእነትን ኣይትዕቀኖ፡ እንታይ ደኣ ስነ-መጎት ነጻነት ተኸተል። ፍቕሪ ኣምላኽ ፍሉይ እዩ፣ ካብቲ ሰብ ንዝምድናታቱ ዘቀምጦ መዐቀኒታት ንላዕሊ እዩ። ኢየሱስ ሓለፈ ተረፈ ኣላፊ ሒሳብ ኣይኮነን" እንክብሉ ግብረ መልሲ ዘይጽበ ሓቀኛ ፍቅሪ ክርስትና ክነዘውትር ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ደቂሰባት ኣብ ዕለታዊ መነባብሮኦም ኣመክንዮ ዓለም ተኸቲሎም ንዝዝምሮ ኣምር ፍቅሪ ንምንቃፍን ሓቀኛ ፍቅሪ ክርስትና እንታይ ምዃኑ ንምግላጽን ‘ኪኖ ስነ-መጐት ውሕስነትን ግበረለይ ክገብረልካን፡ ኪኖ ከይፈሽል ዝብል ፍርሒ ዘስዕቦ ተስፋ ምቑራጽን ሰጊርካ ከም ኣምላኽ ምፍቃር እዩ’ እንክብሉ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምኽሮም ንምስማዕን ምሳኦም ሓቢሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ንምድጋምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንክሳተፉን ተጋቢኦም ዝነበሩ ኣስታት 20,000 ዝኾኑ ምእመናንን ነጋድያንን ኣስተምሂሮም። ናይ ዕለቱ ወንጌል ማቴ 5.40 ዝተወስደ ኰይኑ ‘ዓይኒ ኽንዲ ዓይኒ፣ ስኒ ኽንዲ ስኒ’ ከም ዝተብሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፤ ንኽፉእ ብኽፉእ ኣይትቃወምዎ። . . . ንዝለመነካ ሃቦ፤ ካባኻ ኽልቃሕ ንዝደልውን ኣይትኽልኣዮ። ‘ብጻይካ ኣፍቅር ጸላኢኻ ጽላእ’ ከም ዝተባሃለ ሰሚዕኹም ኣለኹም። ኣነ ግና ጸላእትኹም ፍተዉ፤ ንዝረግሙኹም መርቑ ። ውሉድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኽትኮኑ፣ ንሱ ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ፀሓይ የብርቕ፣ ንጻድቃንን ንኃጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ እሞ፣ ንዝጸልኡኹም ጽቡቕ ግበሩ፤ ስለ እቶም ዝጸርፉኹምን ዘሳጕጉኹምን ጸልዩ! እብለኩም ኣለኹ’ ዝብል ዝርከቦ ነበረ።

ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ እንከስተምህሩ ‘ኣብዚ ቃላት ኢየሱስ ፍሉይ ጠለብ ኣለው፣ እንተኾነ ዳርጋ "ተጋራጫዊ" ይመስል: ንዝጸፍዓካብ ነታ ካልአይቲ ምዕጉርቲ ክትመልሰሉ ይሓትት፣ ነቶም ምሳና ዕርክነት ዘለዎም ጥራይ ብምፍቃር ፍሉይ ነገር ከም ዘይንገብር ብምርዳእ ከኣ ንጸላእትና ክነፍቅር ይዕድም። እዚ ግን ዘይተለምደ እዩ’ ይብሉ እሞ  ‘ክርስቶስ ዝምህሮ ፍቅሪ ካብቲ ንሕና ብልማድ፡ ንጥቕማዊ ምኽንያትን ናብቶም ጽቡቓት ዝኾኑና ጥራይ ክነማዕዱን ንኣኣቶም ጥራይ ጽቡቕ ክንገብርን ዝድርኸናን ስምዒት ክንሰግር ዝእዝዝ እዩ። ከመይ እዚ እኹል ኣይኮነን ይብለና። ምናልባት ኣምላኽ ነዚ ስነ-መጐት እዚ እንተ ዚኽተል፡ ናይ ድሕነት ተስፋ እምበይምሃለወናን! ኢየሱስ ጠፊእና ርሒቕና ከለና ክረኽበና ኣይምመጸን፡ ንዓና መስቀል ኣይምሓቖፈን፡ እዚ ኩሉ ዘይግብኦ መቕጻዕቲ ኣይምተቀበለን! እንተኾነ ግን፡ ንዓና ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ "ዘይተለምደ" እዩ፡ ማለት ካብቲ ንሕና ደቂ ሰባት ዝምድናታትና እንነብረሉ ልሙድ መዐቀኒታት ዝሓልፍ እዩ። ኢየሱስ ተረፈ ሓለፈ ቢሉ ዝጸባጸብ ንፉዕ ሓላፊ ሕሳብ ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ባዕሉ ነቲ ሚዛን እንተዘየልዕሎ ፈጺምና ኣይምደሓናን ኔርና። ክርስቶስ ከኣ ነዚ ዘይምዕሩይነት ፍቕሪ ከነስተማቕሮ የነቓቕሓና’ ብማለት ከምዚ ክብሉ ገልጽዎ።

“እነሆ እምበኣር! እግዚኣብሔር ሓጥኣን እናሃለና እዩ ዘፍቅረና እምበር ንሕና ሕያዎት ስለ ዝኾንና ወይ ዝኾነ ነገር ክንመልሶ ስለ እንኽእል ኣይኮነን። ፍቕሪ ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ፡ ኩሉ ግዜ ካብ ምሕሳብ ወጻኢ ዝኾነ፡ ኩሉ ግዜ ዘይመጣጠን ፍቕሪ እዩ። ሎሚ እውን በዚ መንገዲ ክንነብር ይሓትት ኣሎ፣ ምኽንያቱ በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ኢና ብሓቂ ክንምስክረሉ።”

ሕኸኸኒ ክሓከካ ዝብል ኣምር ኣይፋል ንበሎ!

ቅዱስነቶም ኣብ ስምዒታትናን እምንቶታት መነባብሮናን ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ‘ኩሉ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ይኹን’  ከምኡ'ውን ‘ኩሉ በብመሥሩዑ ይኹን’ ዝብል ዝንባለና ክንሰግሮ እሞ ብኣንጻሩ፡ ‘ነቲ ጎይታ ናይ ርእሰ-ረብሓ ስነ-መጎት ገዲፍና ንፍቕሪ ብሚዛን ሕኸኸኒ ክሓከካን ምቹእነትን ዘይኮነ ብናቱ ሚዛን ክንመዝኖ ሓሳብ የቕርብ" እንክብሉ ብከምዚ ይገልጽዎ።

“ንኽፍኣት ብኽፍኣት ከይንምልሶ፡ እኳ ደኣ ጽቡቕ ንምግባር ክንደፍር፡ ዋላ’ውን ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ እኳ ክንከስበሉ ኣብ ዘይንኽእል ኩነታት፡ ኣብ ዓይንና ኣዓሚትና ክንህብ ይዕድመና። ምኽንያቱ ቀስ ብቐስ ንግርጭታት ዝቕይር፡ ርሕቐት ዘሕጽር፡ ንጽልኢ ዝስዕርን ቁስሊ ጽልኢ ዝፍውስን እዚ ፍቕሪ እዚ እዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
20 Feb 2023, 13:53

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >