ድለ

ምስ ዲያብሎስ ፈጺምካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘይምውራድ፡ ንፈተናታቱ ብቃል እግዚኣብሔር ተቃወሞ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 26 ለካቲት 2023 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ‘ኣብዚ ብዓሚቊን ቀጻልን መንፈሳዊ ቃልስታት ዝተለለየሉ ዘመነ ዓቢይ ጾም፡ ንሕማቅ ልማዳታናን ተደጋጋሚ ውድቀት ሓጢኣትናን ክነሸንፈሉ እንኽእል ቅዱስ መጽሓፍ ብምንባብን መልእኽቱ ብእምነት ብምስዓብን እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ጥራይ ካብ መጥቃዕቲ እቲ እኩይ ዝኾነ ምፍልላይ ምስ ኣምላኽን ኣብ ነንሓድሕድኩምን ዘሎ ሓድነት ተኸላኸሉ’ እንክብሉ ካብቲ መርዚ ዝበልዎ ናይ ምፍልላይ ፈተና ዲያብሎስ ክንሕሎ ብምምሕጻን ነዚ ዚስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ናይዛ ቀዳመይቲ ሰንበት ዓቢይ ጾም ወንጌል ኢየሱስ ኣብ ምድረበዳ ብዲያብሎስ ከምዝተፈተነ የቕርበልና (ማቴ 4፡1-11)። ድያብሎስ ማለት ፋሕፋሕ ዘብል ዝመቃቅል ማለት እዩ። ዲያብሎስ ሥራሑ ኩሉ ግዜ ምፍልላይ ምፍጣር እዩ። ንኢየሱስ ኣብ ዝፈተነሉ ግዜ እውን ነዚ እዩ ዘቅርበሉ፣ እንተኾነ ንኢየሱስ ካብ መን እዩ ክፈላልዮ ዝደሊ ብኸመይ ከ እዩ ዝፍትኖ ቢልና ምስ እንሓትት ወንጌል ዝብለና ንመልከት። ዲያብሎስ ንኢየሱስ ካብ መን እዩ ክፈላልዮ ዝደሊ? ኢየሱስ ብዮሓንስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ጥምቀት ምስ ተቐበለ ብእግዚአብሔር ኣቦ "ፍቑር ወደይ" ተባሂሉ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ብመልክዕ ርግቢ ኣብ ልዕሊኡ ወረደ (ማቴ 3፡16-17) ። በዚ ኸኣ ወንጌል ነቶም ብፍቕሪ ዝተጠርነፉ ሰለስተ መለኮታውያን ኣካላት ቅድስት ሥላሴ ብሓደ የቕርበልና። በዚ ከኣ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብቲ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ እግዚአብሔርን ኣብን ዘሎ ሓድነት ተኻፈልቲ ክገብረና ናብ ዓለም ከምዝመጸ ይገልጸልና (ዮሓ 17፡11)። ዲያብሎስ ግና ብኣንጻሩ እዩ ዝገብር: ንኢየሱስ ካብ ኣቦ ክፈላልዮን ካብቲ ምእንታና ዘለዎ ናይ ሓድነት ተልእኾ ከዘናግዖን ሥራሑ ይጅምር። ሥራሕ ዲያብሎስከስ ኩሉ ግዜ ምክፍፋል እዩ። ሕጂ እምበኣር ከመይ ጌሩ ክመቓቐል ከም ዝፍትን ክንምልከት ኢና። ዲያብሎስ ነቲ ኣርብዓ መዓልቲ ጾይሙ ዝጠመየ ኢየሱስ ሰብኣዊ ኩነታት ክጥቀመሉ ይውስን (ማቴ 4፡2 )። እቲ እኩይ ድሕሪኡ ሰለስተ ሓያላት እኳ መርዛማት ዝኾኑ ሰላሕታዊ ሓሳባት ከስርጸሉ ይፍትን፣ እዚ ከኣ ነቲ ናይ ሓድነት ተልእኾኡ ንምልማስ ነበረ። እዞም መርዛማት ሰላሕታዊ ፈተናታት ድማ ምትእስሳርን ሥልጣን ዝብትኑን ዘይምትእምማን ስልጣን ዘስዕቡ እዮም። ነዚ ንምግባር ከኣ በታ ቀዳመይቲ መርዚ ገቢሩ ምትእስሳር ምስ ነገራት፣ ምትእስሳር ምስ ድሌታት ክፈጥር ቢሉ፤ ድያብሎስ ብዘእምን መርትዖ ንኢየሱስ ሓሳብ ክህቦ ይፍትን። ‘ጠመኻ ኣለኻ: ስለምንታይ ትጸውም፧ ስምዒት ጥሜትካ ጽን ቢልካ ስማዕ እሞ ኣዕግቦ፣ መሰል ኣለካ ሓይሊ እውን ኣለካ: ንኣእማን ናብ እንጀራ ናይ ምቕያር ተኣምር ክትገብር ንኣኻ ቀሊል እዩ’ ይብሎ። እዚ እቲ ቀዳማይ ፈተና እዩ። በዚ ከምዘይዕወት ምስ ረኣየ ጽንሕ ቢሉ ነቲ ካልኣይ መርዚ ማለት መርዚ ዘይምትእምማን ከምዚ ክብል ይቅርበሉ። ‘ንምዃኑ እግዚአብሔር ኣቦ ጽቡቕካ ከም ዝደሊ ርግጸኛ ዲኻ? ክብል ከደናግሮ ፈተነ። እስኪ ነዚ ካብቲ ዝለዓለ ጫፍ ቤተ መቕደስ ንታሕቲ ገጽካ ተነቈት እሞ ዝደለኻዮ ብምግባር ፈትኖ’ በሎ። ኣብ መወዳእታ ሥልጣን ሓይሊ ዝምልከት ፈተና: “እግዚኣብሔር ኣቦኻ ኣየድልየካን እዩ! ንምንታይ ህያባቱ ትጽበ? ናይ ዓለም መዐቀኒ ተኸተል እሞ ኩሉ ክህበካ እየ፡ ኩሉ ባዕልኻ ውሰዶ ሓያል ከኣ ክትከውን ኢኻ!’ ይብሎ። ሰለስተ ፈተናታት ኢየሱስከስ እዚአን ነበራ።ንሕና እውን በዘን ፈተናታት እዚአን ኩሉ ግዜ እናተፈተና ኢና እንነብር። እንክትሓስቦ ዘፍርህን ዘስካሕክሕን እዩ፣ እንተኾነ ልክዕ ከምኡ እዩ፣ ማለት ንዓና እውን: ፈተናታት ምትእስሳር ምስ ነገራትን: ዘይምትእምማንን ጽምኢ ስልጣንን ኣሎና:: ምስ ነገራት ምትእስሳርን፡ ዘይምትእምማንን ጽምኢ ስልጣንን ሰለስተ ሰፋሕትን ሓደገኛታትን ፈተናታት ኮይኖም ዲያብሎስ ካብ እግዚአብሔር ኣቦና ክፈላልየና ዝጥቀመሉን ከም ሳዕቤኑ ከኣ ነንሕድሕድና ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ኮይኑ ከም ዘይስምዓናን፡ ናብ ጽምዋን ተስፋ ምቑራጽን ክመርሓናን ይጥቀመሉ። ዲያብሎስ ንኢየሱስ ክገብሮ ዝደለየኸስ እዚ እዩ ዝነበረ፣ ንዓና እውን ነዚ እዩ ክገብረና ዝደሊ: ናብ ተስፋ ምቑራጽ ክመርሓና ሒዂ ይብል! ኢየሱስ ግና ንኩሉ ፈተናታት ይስዕሮ። ብኸመይከ ይዕወተሉ? ቢልና ምስ እንሓንትት ብቀንዱ ምስ ዲያብሎስ ካብ ምክታዕን ምምጓትን ምዝታይን ብኣቋራጭ ብቃል እግዚኣብሔር ምላሽ ምሃብን ብቅልጡፍ ምውጋዱን እዩ። እዚ ኣገዳሲ እዩ። ምስ ዲያብሎስ ምክታዕ ምዝርራብ የለን። ኢየሱስ ብቃል እግዚኣብሔር እዩ ዝገጠሞ። ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ሰለስተ ጥቅስታት ጠቒሱ ብዛዕባ ካብ ነገራት ሓራ እንኾነሉ (ዘዳ 8፡3)፡ ብዛዕባ ምትእምማን (ዘዳ 6፡16) ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣገልግሎት ንኣምላኽ (ዘዳ 6፡13) መልሲ ይህቦ። እዘን ሰለስተ ሓረጋት እዚኤን ንፈተናታት ዝጻረራ እየን። ምስ ዲያብሎስ ብምንም ተኣምር ምዝርራብን ምዝታይን ኣየድልን። ኢየሱስ ንዲያብሎስ ብምዝራራብ ብምድርዳርን ወይውን ብምምጓትን ብምዝታይን ኣይኮነን ዘሸነፎ፣ እንታይ ደኣ በቲ ጠቓሚ ዝኾነ ቃላት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ገቢሩ ነቲ ምትላሉ ይነጽጎ። እዚ ንዓና እውን ዝቀርብ ዕድመ እዩ። ምስ ዲያብሎስ ምጉት የለን! ድርድር የለን፣ ዘተ የለን፤ ምስኡ ብምግጣም ክንስዕሮ ኣይንኽልን ከመይ መልአኽ ዝነበረ ስለዝኾነ ካባና ይሕይል። ንዲያብሎስ ንምስዓር ነቲ መለኮታዊ ቃል ኣምላኽ ብተኣማንነት ብምጥቃም እዩ። በዚ መንገዲ እዚ ገቢሩኸስ ኢየሱስ ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ ነንሕድሕድናን ንዘሎና ሓድነት ካብ መጥቃዕቲ ከፋፋሊ ዲያብሎስ ንክንከላኸል ይምህረና። እቲ ኢየሱስ ንፈተና ዲያብሎስ ዝሃቦ መልሲኸስ መለኮታዊ ቃል ኣምላኽ እዩ። እስኪ ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና ንርእስና ነዘን ዝስዕባ ንሕትት፡- ቃል ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ ኣየናይ ቦታ ኣለዎ? ኣብ መንፈሳዊ ቃልሰይ ቃል ኣምላኽ እጥቀምዶ፧ ደጋጊመ ዝወድቀሉ ሕማቅ አመል ወይ ፈተና እንተሎኒ፡ ስለምንታይ ብሓገዝ፡ ነቲ ሕማቅ ልማድ ዝልውጥ ጥቕሲ ካብ ቃል ኣምላኽ ዘይደሊ? ብድሕሪኡ እቲ ፈተና ምስ መጸኒ መታን ክዝክሮኸ፡ ብጸጋ ክርስቶስ ተኣሚነ ክጽሊ እሓስብዶ! እስኪ ንፈትን፣- እዚ ኣብ ፈተና ክሕግዘና እዩ፡ እኳ ደኣ ብዙሕ ክሕግዘና እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እቲ ሕያው ድምጺ ቃል ኣምላኽ ኣብ መንጎ ኣብ ውሽጥና ዘንቀጥቅጥ ድምጽታት ከም እንሰምዕ ክገብረና እዩ። እታ ቃል ኣምላኽ ዝተቐበለትን ብትሕትናኣ ንኩሉ ትምክሕቲ ዕቡያት ዝሰዓረትን ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም፣ ኣብ ዘመነ ጾመ ኣርባዓ እንገብሮ መንፈሳዊ ቃልሲ ተሰንየና።”

 

ብድምጺ ንምክትታል!
27 Feb 2023, 13:15

ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ነቲ ዘለዓለማዊ ምሥጢረ ሥጋዌ ብምዝካር ሠለስተ ግዜ ኣብ መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 6 ፍርቂ መዓልትን ምሸት ሰዓት ሽድሽተን ዝድገም ኮይኑ ኣብዘን ሰዓታት እዚኤን ደወል ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ይድወል፣ እቲ መልአከ እግዚብሔር ዝብል ስም ካብቲ ነቲ ጸሎት ክተዕርግ እንከሎኻ ዝበሃል ‘መልአከ እግዚብሔር ኣብሰራ ለማርያም` ካብ ዝብል ዝተወስደ ኮይኑ እቲ ጸሎት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስዳ ሰለስተ ሓጸርቲ ጥቅሳት ብዛዕባ ትስብእቲ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝናገር ኮይኑ ብሰለስተ ሰላመ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ ይስነ፣ እዛ ጸሎት እዚኣ ኣብ ሰናብትን ዓበይቲ በዓላትን ብር.ሊ.ጳ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ትድገም፣ ቅድሚ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ር.ሊ.ጳ ካብ ናይ ዕለቱ ንባባት ብምውሳድ ሓጺር ኣስተምህሮ የቅርቡ፣ ድሕሪ ጸሎት ከም ልማድ ነቶም ኣብኡ ዝተረኽቡ ነጋድያን ሰላምታ የቅርቡ፣ ካብ ትንሣኤ ክሳብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ይድገም፣ እዚ ጸሎት እዚ ከኣ ንዝኽሪ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምዝካር ኮይኑ ኣብ ፍጻሜ ነፍሲወከፍ ጸሎታት ሠለስተ ግዜ ስብሓት ለኣብ ይድገም፣

ንኩሉ ኣንብብ >