ክርስትያን እየ ዝብል ኩሉ ነቲ ኣብ ደብረ ታቦር ዝተገልጸ ክቡር ብርሃን ፍቕሪ ኣምላኽ ከካፍል ኣለዎ! ር.ሊ.ጳ
“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ኣብዛ ካልኣይቲ ሰንበት ዘመነ ጾም ዝቀርበልና ወንጌል ኣብ ደብረ ታቦር ዝተፈጸመ ምልዋጥ ኢየሱስ ዝትርኽ እዩ።ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንጴጥሮስን ያዕቆብን ዮሓንስን ሒዙ ናብ እምባ ደብረ ታቦር ደየበ፡ ከም ወዲ ኣምላኽ ድማ ብኹሉ ጽባቐኡ ተገልጸሎም (ማቴ 17፡1- 9)። እስኪ ነዚ ትርኢት ደብረ ታቦት ብዓይነ ሕልናና ንሓጺር እዋን ደው ቢልና ነስተትኖ! ንነብስና ከኣ ነዘን ዝስዕባ ሕቶታት ነቅርበላ። እዚ ጽባቐ እዚ ካብ ምንታይ እዩ ዝቖመ? ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ እንታይ ይርእዩ፧ ዘድንቅ ተግባር ደቂሰባትዶ ይርእዩ? ኣይፋልን ከምኡ ኣይኮነን። ብርሃን ቅድስና ኣምላኽ ኣብ ገጽን ክዳንን ኢየሱስ እናኣንጸባረቀ ነቲ ፍጹም ምስሊ ኣቦ ክበርህ እንከሎ ይርእዩ። ግርማ ኣምላኽ፡ ጽባቐ ኣምላኽ ይግለጸሎም። ኣምላኽ ግን ፍቕሪ እዩ። ስለዚ ከኣ እዮም ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ብክርስቶስ ሥጋ ዝለበሰ መለኮታዊ ፍቕሪ ጽባቐኡን ግርማኡን ብዓይኖም ክዕዘቡ ክኢሎም። ጣዕሚ ገነት ኣቐዲሞም ኣስተማቂሮም። እዚ ፍጻሜ እዚ ንደቀ መዛሙርቲ ከመይ ዝበለ ድንቂ ኰን ነበረ! ሓዋርያት ምስ ኢየሱስ እንክነብሩ ገጹ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ምዃኑ ከይፈለጡ ንነዊሕ እዋን እዚ ገጽ ፍቕሪ ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እንክወዛወዝ ነንዊሕ እዋን ነቢሮም! እንተኾነ ኣብ ደብረ ታቦር ጥራይ እዮም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይን፡ ብዘይተኣደነን ሓጐስ ክግንዘብዎ ክኢሎም። ከም ሓቁ ኸኣ ኢየሱስ በዚ ተመክሮ እዚ ገቢሩ ንሓዋርያቱ ይኲስኩሶም ነበረ። እዚ ከኣ ንዝዝበለጸ ኣገዳሲ ስጉምቲ ንከዳልዎም ኢሉ እዩ። ድሕሪኡ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ ብሓቂ ኣብ መስቀል ክስቀልን ገጹ ክድወንን ከሎ ኣብ ውሽጡ ንዘሎ ጽባቐ ከለልዩ ንከሰናድዎም ቢሉ እዩ ነዚ ዝገበረ። ጴጥሮስ ነዚ ኩሉ ንምርዳእ ሒዂ ይብል! እንተዝኾነሉስ ነታ ሁመት እቲ ኣብ ዘላቶ ደው ከብላ: ኣብ ውሽጢ እቲ ትርኢት ንንውሕ ዝበለ ግዜ ክጸንሕ እሞ ነዚ ዘድንቅ ተመክሮ ከናውሖን ይደሊ። ንገዛእ ርእሱ ብጾቱን ረሲዑ ንኢየሱን ኤልያስን ሙሴን ሠለስተ ድንኳን ክተክልን ኣብኡ ክነብሩን ይልምን። ኢየሱስ ግና ኣይፈቅደሉን። ብርግጽ እዚ ብርሃን እዚ ናብ ምትሓታዊ ህሞት ክተውርዶ ኣይክእልን ነበረ! በዚ ኸምዚ ድማ ናይ ሓሶት ነገር፡ ሰብሰርሖ ኣርቲፊሻል ነገራት፡ ከም ዕንበባ ዝሓልፍ ስምዒት ሓላፊ ጉዳይ ምኾነ። ብኣንጻሩ ግን ክርስቶስ ንኩሉ ጉዕዞና ከምቲ ንሕዝበ እስራኤል ኣብ በረኻ ዘመርሐ ዓንዲ ሓዊ ኮይኑ ዝመርሕን ዘቕንዕን ብርሃን እዩ (ዘጸ 13፡21)። ጽባቐ ትርኢት ለውጢ ኢየሱስከስ ንደቀ መዛሙርቱ ካብ ክውንነት ህይወት ዘርሕቖም ዘይኮነስ ክሳብ ኢየሩሳሌም ማለት ክሳዕ መስቀል ክስዕብዎ ሓይሊ ዝህቦም ፍጻሜ እዩ። ጽባቐ ገጽ ኢየሱስ ክርስቶስ ናባኡ ዝስሕብ እምበር ካባኡ ዘርሕቕ ኣይኮነን። ኩሉ ግዜ ንቕድሚት እዩ ዘሰጒመካን ኣብ ዕላማኻ ዘብጽሓካን። ካብ መስቀል ከም እትሕባእ ኣይገብረካን እዩ። ሃየኸስ ምስ ኢየሱስ ንቕድሚት ንገስግስ! ኣሕዋትን ኣሓትን እዚ ወንጌል ንዓና እውን ክንክተሎ ዘሎና መንገዲ ይሕንፀልና። ንኹሉ ዝዛረቦን ዝገብረልናን ክንርድኦ ቀሊል ኣብ ዘይኮነሉ እዋን እውን እንተኾነ ምስ ኢየሱስ ምጽናሕ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ይምህረና። ግደ ሓቂ ምስኡ ብምጽናሕ ኢና ነቲ ዝህበና ብርሃናዊ ጽባቐ ፍቕሪ ዋላ እውን ምልክት መስቀል ኣብ ዝስከመሉ እዋን ኣብ ገጹ ከነለልዮ እንመሃር። ኣብ ቤት ትምህርቱ ድማ ኢና ኣብ ገጽ ናይቶም መዓልታዊ ኣብ ጎንና ዝጐዓዙ ሰባት ማለት ስድራቤት፡ ኣዕሩኽ፡ ከማኡ እውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝከናኸኑና መሳርሕትና ተመሳሳሊ ጽባቐ ኣብ ገጾም ክንርኢ ንመሃር። ኣብዚ ገጻት እዚ ክንደይ ብርሃናዊ ዝኾነ ፍሽኽታ ዝዓሰሎ፡ ክንደይ ከኣ ምጉርምራምን ንብዓትን በሰላን ዝዓለሶ ኣብ ከባቢና በዚ ፍቕሪ ይግለጽ! በዚ ከኣ መመያን ምልላይን ልብና ብእኦም ንክምላእ ንመሃር። ደሓር ከኣ ነቲ ዝተቐበልናዮ ብርሃን ናብ ካልኦት እውን ንክነባጽሕ ንብገስ፣ በዚ ከኣ ብጭቡጥ ተግባራት ፍቕሪ ነዘውትር(1ዮሓ 3፡18)። ኣብ መዓልታዊ ሞያታትና ብዝያዳ ለጋስነት፣ ብምፍቃር፣ ብምግልጋልን ይቕረ ብምባልን ኣብ ዝዓበየ ዕቱብነትን ድልውነትን ንምህላው ንበገስ ። ኣስተንትኖ ተኣምራት ኣምላኽ፡ ኣስተንትኖ ገጽ ኣምላኽ፡ ገጽ ጐይታ፡ ናብ ኣገልግሎት ካልኦት ክድርኸና ኣለዎ። ንርእስና ከምዚ ቢልና ክንሓትት ንኽእል! ነቲ ኣብ ህይወትና ዘሎ ብርሃን ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ጌርና ከም እንፈልጦ ንፈልጥ ዲና፧ ኣብ ገጽ እቶም ዘፍቅሩና ሰባት ንጐይታ ብሓጐስን ምስጋናንዶ ነለልዮ? ኣብዚ ንልብና ዝመልእን ንፍቕርን ኣገልግሎትን ዝኸፍትን ምልክታት ናይዚ ብርሃን ኣብ ከባቢና ንጥምት ዲና? ወይስ ነቲ ዘርሕቐናን ኣብ ገዛእ ርእስና ዝዓጽወናን ሓሰር ሓዊ ጣኦታት ንመርጽ? ካብቲ ዓቢ ብርሃን እግዚኣብሔርን ናይ ሓሶት ሰብሰርሖ ኣርቲፊሻል ብርሃን ጣኦታትን፣ ኣየናይ እየ ዝመርጽ? እታ ኣብ ጸልማት ቀራንዮ ከይተረፈ ብርሃን ወዳ ኣብ ልባ ዓቂባ ዝጸንሐት ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ኩሉ ግዜ ኣብ መንገዲ ፍቕሪ ተሰንየና።”