ድለ

ንሕይወት ክርስትናኻ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ብዕሎኺ በላ እሞ ሓዲስ ፍጥረት ኩን! ር.ሊ.ጳ

‘እንተኾነ ኣሕዋተይ! ንኣይ እተን ኣብ ይሁዳ ዝነበራ ኣብያተ ክርስቲያን ብገጽ ኣይፈልጣንን ነበራ። እቲ ቐደም ዘሳድደና ዝነበረ፣ ብዛዕባ እታ ኸጥፍኣ ዝፈተነ እምነት ሕዚ ይሰብኽ ኣሎ፣ ዝብል ጥራሕ ይሰምዓ ነበራ። ብዛዕባይውን ንእግዚኣብሔር ኣመስገና’ (ገላ 1.22-24)።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ ሓዋርያዊ ቅንኣት ተልእኮ ስብከተ ወንጌል፡ ኣብ እንገብሮ ዘሎና ጉዕዞ ትምህርቲ ክርስቶስ ሎሚ ኣብ ዝተፈለላለየ ግዝያት ብዝተፈላለየ ኣገባባት ወኒ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል እንታይ ከውርስ ከምዝደሊ ካብ ዘመልክቱ ኣብነታውያን ምስክርነታት ንገሊኦም ክንምልከት ኢና። እቲ ቀዳማይ ምስክር ናይዚ ድማ ብርግጽ ሓዋርያ ጳውሎስ እዩ። ንዝስዕባ ክልተ ክፍላተ ግዜ ትምህርተ ክርስቶስ ንዕኡ ክውፍየን እፈቱ። ታሪኽ ጳውሎስ ብዓል ጠርሴስ ድማ ናይዚ ኣርእስቲ እዚ ኣርማ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ምዕራፍ መልእኽቲ ናብ ሰብ ገላትያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትረኻ ግብሪ ሓዋርያት፡ ንወንጌል ዘለዎ ቅንኣት ድሕሪ ምልዋጡ ከም ዝኾነ የመልክት። እዚ ቅንኣት እዚ ከኣ መጠን እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣይሁድነት ዝነበሮ ቅንኣት ከም ዝኾነ ክንርዳእ ንኽእል። ንሱ ኣብ እምነት ኣይሁድ እንከሎ ንሕጊ ሙሴ ዓቢ ቅንኣት ዝነበሮ ሰብ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪ ምልዋጡ ድማ እዚ ቅንኣት እዚ ይቕጽል እንተኾነ ኣብ ምብሳር ወንጌል፣ ንኢየሱስ ክርስቶስ ንምስባኽ ይነጥርፍ። ኣፍቃሪ ኢየሱስ ጳውሎስ እዩ ነይሩ። እቲ ሳውል ዝብል ናይ መጀመርያ ስሙ ድሮ ቀናእ ምዃኑ እንከመልከት ነዚ ቅንኣት ክርስቶስ ካብ ሕጊ ሙሴ ናብ ስብከተ ወንጌል ይቅይሮ። ቅንኣቱ ይቕይሮ። ናህሩ መጀመርታ ንቤተ ክርስቲያን ከጥፍኣ ዘንቀደ እዩ ነይሩ፣ ድሕሪ ምልዋጡ ግን ኣብ ክንዲ ዘጥፍኣ ይሃንጻ። እዚ ፍጻሜ እዚ ማለት ካብ ዕንወት ናብ ህንጸት ዝሰጋገርሲ እንታይ ምስ ኣጋጢመ እዩ? ኣብ ጳውሎስ እንታይ ተቐይሩ፧ እቲ ዝነበሮ ቅንኢ፡ ናብ ኽብሪ ኣምላኽ ዝነበሮ ድፍኢት ብኸመይ እዩ ተቐይሩ፧ ኣብኡ እንታይ ኣጋጢሙ? ቢልና ክንሓትት ንኽእል። ቅዱስ ቶማስ ኣኲናስ ወኒ ወይውን ኒሕ ከምዘሎ እንክንምልከቶ ብሞራላዊ ኣረኣእያ ጽቡቕ ወይውን ሕማቕ ቢልካ ብቀሊሉ ዝፍረጅ ከምዘይኮነ ይምህር። ጽቡቕ ኣጠቓቕምኡ ብሞራል ጽቡቕ ይገብሮ፣ ሓጢኣት ድማ ሕማቕ ይገብሮ። ኣብ ጉዳይ ጳውሎስ እንክንምልከት እቲ ዝቐየሮ ማንም ቀሊል ሓሳብ ወይውን እምንቶ ኣይኮነን: ብቀንዱ እቲ ርክብ እዩ ነይሩ: ማለት ምስቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ዝገበሮ ርክብ እዩ ነዚ ምቅያር እዚ ዘምጸእኤ። እዛ ርክብ ትብል ቃል ኣይትረስዕዋ፣ ንሕይወት ዝቕይሮ ነገር ምስ ጎይታ ምርኻብ እዩ። ንሳውል ምስቲ ዝተንሥአ ጐይታ ዝገበሮ ርክብ እዩ ንኹሉ ህላወኡ ዝቐየረ። ሰብኣውነት ጳውሎስ፡ ንኣምላኽ ዘለዎ ስምዒትን ኒሕን ክብሩን ዝድምስስ ዘይኮነስ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተቐየረ፡ "ዝተለወጠ" ሓዲስ ፍጥረት እዩ። ንልብና ክቕይር ዝኽእል፡ ክልውጥ ዝኽእል፡ መንፈስ ቅዱስ ጥራይ እዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዳይ ህይወት እውን ከምኡ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅዱስ ቁርባን ዝፍጸም ለውጢ ነቲ ደጋኣዊ መልክዑ ዘይድምስሶ: እቲ እንጌራን ወይንን መልክዑ ኣይጠፍእን እዩ፣ ከምዘሎውዎ ብመልክዕ ህብስትን ወይንን ስጋን ደምን ክርስቶስ ይኾኑ። መንፈሳዊ ቅንኣትን ወንን ጳውሎስ እውን ከምዘለዎ ይቕጽል፣ ቅንኣት ክርስቶስ ይኸውን። ትርጉሙ ይቕየር እቲ መንፈሳዊ ቅንኣት ግን ሓደ እዩ። ንጐይታ ብሰብኣውነትና፣ ብጠባያትናን ብባህርያትናን ኢና እነገልግሎ። እቲ ንኹሉ ዝቕይሮ ግን ሓሳብ ዘይኮነስ ህይወት ባዕሉ እዩ፣ ከምቲ ጳውሎስ ባዕሉ ዝብሎ: "ሓደ ሰብ ብክርስቶስ እንተሎ፣ ሓድሽ ፍጡር እዩ፣ ካብ ውሽጥኻ ይቕይረካ፣ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ካብ ውሽጥኻ ይቕይረካ፣ ካልእ ሰብ ይገብረካ፤ ናይ ቀደም ነገራት ሓሊፉ፤ እንሆ ሓድሽ ነገር ተወሊዱ" ይብል(2ቆሮ 5፡17)። ሓደ ኣብ ክርስቶስ እንተሎ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፣ እዚ ትርጉም ሓድሽ ፍጡር ምዃን እዩ። ክርስትያን ምዃን ገጽካ እትቅይረሉ ምኩሕሓል ወይውን ሜክኣፕ ኣይኮነን፡ ኣይፋልን! ክርስትያን እንተኾንካ ልብኻ ክቕየር እዩ፡ ብመልክዕ ክርስትያን እንተኾንካ ግን እዚ ኣይሰርሕን እዩ። ክርስትና ምስ ምቅንጃውን ምኲሕሓልን ሜክኣፕን፡ ኣይሰርሕን እዩ። ሓቀኛ ለውጢ ናይ ልቢ እዩ። ኣብ ልዕሊ ጳውሎስ ዘጋጠመ ኸኣ እዚ እዩ። ወኒ ወንጌል ናይ ምርዳእ ወይ መጽናዕቲ ጉዳይ ኣይኮነን፣ ኣሎ ዝበሃል ኩሉ ዝደለኻዮ ትምህርቲ ንባበ-መለኮት ከተጽንዕ ትኽእል ኢኻ፣ ንመጽሓፍ ቅዱስን ብኩሉ ኩሉ ክተጽንዖ ዚከኣል እዩ፣ እንተኾነ ብኣምላኽ ዘይኣምን ኣምላኽ ዘይብሉ ወይውን ጭው ዝበለ ዓለማዊ ክትከውን ዝከኣል እዩ። ናይ መጽናዕቲ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ኣብ ታሪኽ ብዙሓት ብኣምላኽ ዘይኣምኑ ሊቃውንትን ምሁራትን ትምህርቲ ንባበ-መለኮት ነይሮም እዮም፣ እዝስ ኣይፋልን! ርግጽ ምጽናዕ የገልግል እዩ፣ እንተኾነ ሓድሽ ጸጋ ሕይወት ኣየመንጩን እዩ፤ ምቕያር ማለትከስ ነቲ ሳውል/ጳውሎስ ዝነብሮ ዝነበረን ኣብ መበገሲ ምልዋጥ ሓዋርያዊ ቅንኣቱ ዝነበሮ ተመክሮን ማለት "ውድቀትን ትንሳኤን" ዳግማይ ምድህሳስ ማለት እዩ። ግደ ሓቂ ከምቲ ቅዱስ ኢግናጥዮስ ዘሎዮላ ዝብሎ፦ «ዘዕግብ ብዙሕ ፍልጠት ዘይኮነ፡ ብውሽጥኻ ዝቕይሩኻ፡ ካልእ ጉዳያት ከም ክትፈልጥ ዝገብሩኻ ነገራት፡ ካልእ ኩነታት ከም እተስተማቅር ዝገብሩኻ ጉዳያት እዮም። ነፍሲ ወከፍና ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ነስተንትን! “ኣነ ሃይማኖታዊ ድየ”፣ “ሕራይ” “እጽልዶኸ”! “እወ” “ትእዛዛት ክሕሉኸ እጽዕርዶ”! “እወ” “ግናኸ ኢየሱስ ኣብ ህይወትካ ኣበይ ኣሎ?” ቢሎም ምስ ሓተቱና መልስና “ኣሕ ኣይፋልን ቤተ ክርስቲያን እትእዝዞ ነገራት ጥራይ እየ ዝገብር” ከይከውን ንሕሰብ። ኣብ ሕይወትካ ኢየሱስ ኣበይ ኣሎ፧ ምስ ኢየሱስ ተራኺብካ ዲኻ፡ ምስ ኢየሱስ ተዘራሪብካ ዲኻ? ወንጌል ብምንባብ ወይውን ብኣስተንትኖ ምስ ኢየሱስ ትዛረብዶ፡ ኢየሱስ መን ምዃኑ ትዝክር ዲኻ? እዚኦም እቶም ኣብ ሕይወትና ብዙሕ ካብ ዝጐድሉና ነገራት ገሊኦም እዮም። ኢየሱስ ዘይብሉ ክርስትና ብዘይ ኢየሱስ ኣይኮንኩን ዝብል ዘሎኹ እንታይ ደኣ ብሓሳብካ ጥራይ እትሓስቦ ኢየሱስ ሒዙ ዝጐዓዝ ክርስትና ኣይፋልን ክንብሎ ኣሎና። ኢየሱስ ኣብ ሕይወትካ ብከመይ ከምዝኣተወ ዘክር፣ ከመይ ከምቲ ኣብ ሕይወት ጳውሎስ ዚኣተዎ እንተኣትዩ ኢየሱስ ንኩሉ ይቕየር። ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሰባት ነዚ ዝስዕብ ርእይቶታት ንሰምዕ ኢና፣ "እስኪ ነዚ ሰብ ርኣይዎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕይወቱ ሕሱም ዝነበረ ሕጂ ተለዊጡ ንፉዕ ኣማኒ፡ ንፍዕቲ ኣማኒት ኮይኖም! እንታይ ረኺቦም መንከ ቀይርዎም?" ኢየሱስ እዩ! ንሕናኸ ከምቲ ንኢየሱስ ረኺቦም ክርስትያናዊ ሕይወቶም ዝተለወጠ ንኢየሱስ ረኺብና ሕይወትና ተቐይሩዶ? መልስና “ኣይፋልን ወይውን ይውሓድ ይብዛሕ ገለ ለውጥስ ገርና ወዘተ” ክኸውን ይኽእል። ኢየሱስ ናብ ህይወትካ እንተዘይኣተወ ኣይተቐየረን ኢኻ። ብደገ ጥራይ ኢኻ ክርስትያን ክትከውን እትኽእል። እዚ ግን ፈጺሙ ክኸውን ኣይግባእን! ኢየሱስ ኣብ ሕይወትካ ክኣቱ ኣለዎ እዚ ድማ ይቕይረካ፣ እዚ እዩ ንጳውሎስ ዘጋጠሞ። እቲ ቀንዲ ጉዳይ ንኢየሱስ ምርካብ እዩ፣ በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ እዩ ጳውሎስ፣ ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ ዝድርኸና፣ እቲ ንቕድሚት ዘገስግስ ንሱ እዩ ዝብለና። ንኹሎም ቅዱሳን፣ ዘጋጠመ ለውጢ እዚ እዩ! ንኢየሱስ ምስ ረኸብዎ ንቕድሚት ይግስግሱ። ብዛዕባ እቲ ካብ ኣሰዳዲ ሓዋርያ ክርስቶስ ዝኾነ ጳውሎስ ዝተፈጸመ ለውጢ ካልእ ተወሳኺ ኣስተንትኖ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣብ ሕይወቱ ሓደ ስግንጢር ዝኾነ ነገር ከም ዘጋጠመ ንምልከት። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእሱ ጻድቕ ቆጺሩ እሞ ኸኣ ከምቲ ኣብ ጉዳይ እስጢፋኖስ ዝነበሮን ነዚ ሓሊፉ ንክርስትያን ከሳድድን፡ ክኣስርን፡ ዋላ ክቐትል እውን ስልጣን ዘለዎ ኮይኑ ይስምዖ፤ በቲ ካልእ ወገን ከኣ በቲ ዝተንሥአ ጎይታ ምስ በርሃሉ "ጸራፊን ዓማጽን ሰብ" ከም ዝነበረ ይፈልጥ(1ጢሞ 1፡13) በዚ ኸምዚ ከኣ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እንክዛረብ ኣነ "ጸራፊን ዓማጽን ሰብ እየ ነይረ" ይብል። ሽዑ እዩ እምበኣር ናይ ብሓቂ ናይ ፍቕሪ ዓቕሚ ክህልዎ ዝጅምር። እቲ ሓቀኛ መንገዲ ኸኣ እዚኣ እያ። ምናልባት ሓደ ካባና: "ኦ ጐይታ አመስግነካ አሎኹ፡ ኣነ ንፉዕ ሰብ ስለ ዝኾንኩ፡ ጽቡቕ ነገር እገብር፡ ከቢድ ሓጢኣት ኣይፍጽምን እየ! ስለዚ ኩሉ ኸኣ አመስግነካ ኣሎኹ" እንተኢሉ፡ እዚ ጽቡቕ መንገዲ ኣይኮነን፡ እዚ መንገዲ ኣጽድቆ ርእስ እዩ። ርእስኻ ዝከኣልካ ኮይኑ ይስመዓካ ኣብ መወዳእታ ግን ኣፍንጫኻ ኣንዊሕካ ትተርፍ። ከምዚ ዝብልን ዝገብርን ዝተቀናጀወ ካቶሊክ እዩ፣ እወ ዝተቀናጀወ ካቶሊክ ግን ቅዱስ ካቶሊክ ኣይኮነን። እቲ ሓቀኛ ካቶሊክ፡ ሓቀኛ ክርስትያንሲ እቲ ንልቢ ዝቅይር ኢየሱስ ኣብ ውሽጡ ዝቕበል እዩ። ሎሚ ንኹልኹም ዘቅርበልኩም ሕቶ እዚኣ እያ፡ ኢየሱስ ማለት ንዓይ እንታይ ማለት እዩ? ኣብ ልበይ ክኣቱ እፈቅደሉዶ ወይስ ኣመና ንከይቀርበኒ ካባይ ፍንትት ኣቢለ ብማዕዶ እየ ዝሕዞ! ክቕይረኒ ኣፍቒደዮዶ? ወይስ ብሓሳብ ጥራይ ኢየሱስ እናበልኩ ንቕድሚት ዝኸይድ ትምህርቲ ንባበመለኮት እመሃር! እቲ መንፈሳዊ ቅንኣት እንብሎኸስ፣ ሓደ ሰብ ንኢየሱስ ክረኽቦ ከሎ ሓቂ ሓዊ ይስምዖ እሞ ከም ጳውሎስ ንኢየሱስ ክሰብኽ ይወፍር፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ጥራይ ይዛረብ። ሰባት ንኢየሱስ ክረኽቡ ክሕግዝ ይብገስ። ሠሠናዩ ይገብር። እንተ ሓደ ሰብ ናይ ኢየሱስ ሓሳብ ጥራይ ረኺቡ ግን ክርስትናኡ ናይ ስነ ሓሳብ ኮይኑ ይተርፍ፣ እዚ ግን ዘጽድቅ ኣይኮነን ዘጽድቀናስ ኢየሱስ ጥራይ እዩ። ንኢየሱስ ረኺብካ ልብኻ እንተደኣ ከፊትካሉ፣ እቲ ናይ ሥነሓሳብ ኢየሱስ ከምዘየጽድቀካ ክስቈረካ እዩ። ንጎይታ ኢየሱስ ክንረኽቦ እዚ ኢየሱስ እዚ ከኣ ካብ ውሽጥና ንህይወትና ቀይሩ ንኻልኦት ንክንሕግዝ ይሓግዘና። እግዚኣብሔር ይሃበለይ። ”

    

ብድምጺ ንምክትታል!
29 Mar 2023, 13:30
ንኩሉ ኣንብብ >