ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ “ሓድሓደ ግዜ ቁጥዐ ጸሎት እዩ!” ር.ሊ.ጳ.፥ “ሓድሓደ ግዜ ቁጥዐ ጸሎት እዩ!”  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ “ሓድሓደ ግዜ ቁጥዐ ጸሎት እዩ!”

ስቓይኩም ዝገልጽን ዝኣልን ቃላት ዘሎ ኣይመስለንን ግን ልበይ ቀረባኹም እዩ። ኣዝየ ቀረባኹም እየ። በዚ ምሳኹም ቀረባ ዝኾነ ልበይ ስሌዅም ከም ዝጽሊ አረጋግጸልኩም። ኣብዚ ከቢድን ዘሕዝንን ኩነታትኩም ድማ ምሳኻትኩም ኮይነ እጽሊ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 መጋቢት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ናይ ፍሓም ዕደና ሰራሕተይናታት ብዘጋጠሞም ክልተ ሓደጋታት ናይ ዝሞቱ ኣባላት ኣባይቲ ስድራ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ብሓባር ናይ ጽሞና ጸሎት ኣዕሪጎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

 ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ደቡባዊ ፖላንድ 18 ሰባት ኣብ ሓደ ሰሙን ውሽጢ ኣብ ናይ ፍሓም ዕድና ዕዮ ብዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት ከም ዝሞቱ ብዙሓት ካልኦት ድማ ኣደዳ ከቢድን ፎኪስን ማህሰይቲ ከም ዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ዕለት 20 ሚያዝያ ኣብ ዕደና ፕኒዮዌክ እቲ ካልኣይ ድማ ካብቲ ቀዳማይ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኣብ ዕደና ቦረይንያ ዞፊውካ ዘጋጠመ ሓደጋ ምኽንያት ናይ ዝሞቱ ኣባላት ስድራ ቤት ተቐቢሎም ቅርበቶምን ጸሎቶም ከም ዘረጋገጹ ኣመላኺቱ፥

ርህራሄ ብጽሞና

ቅዱስነቶም ንኣባላት ግዳያት ኣባይቲ ስድራ ንመንፈሳዊ ንግደት ምምጻኦም ኣመስጊኖም፥ ኣብ ሓዘንኩም ብጽሞና ናይ ርህራሄ መንፈስ ኣብ ሓዘንኩም ተሳታፊ ካብ ምዃን ንላዕሊ ብቓላት ዝበሃል ነገር የሎን፥ ኣቦ ስድራ፡ ሰብኣይ ሰራሕተይና ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሕደጋ ህይወቱ ክስእን . . . ዝገደደ ድማ ሎሚ እውን ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ናይ ዕድና ማእከል ገና ተቐቢሮም ዝተርፉ ምህላዎም እዩ፥”

ስቓይኩም ዝገልጽን ዝኣልን ቃላት ዘሎ ኣይመስለንን ግን ልበይ ቀረባኹም እዩ። ኣዝየ ቀረባኹም እየ። በዚ ምሳኹም ቀረባ ዝኾነ ልበይ ስሌዅም ከም ዝጽሊ አረጋግጸልኩም። ኣብዚ ከቢድን ዘሕዝንን ኩነታትኩም ድማ ምሳኻትኩም ኮይነ እጽሊ!

ቢሎም ኣብ ከምዚ ዓይነት ከቢድ ህሞት “እግዚኣብሔር ዘይሰምዓና ይመስል - ስቕታ ምዉታትን ስቕታ ኣምላኽን ኣሎ፥ እዚ ስቕታ እዚ ድማ ሓደ ሓደ ግዜ ቁጥዐ ይፈጥረልና . . . ቁጥዐ እውን ጸሎት እዩ።” ብዙሕ ግዜ ስለምንታይ ቢልና ከም እንሓቶ፥ ናይዚ ሕቶ እዚ መልሲ ድማ -  ኣብ ጸልማት እግዚኣብሔር ቀረባ እዩ ዝብል ምዃኑ ኣመላኺቶም፡ ንግዳያት ስድራ ቤት ብሓባር ብጽሞና ምስኦም ክጽልዩ ዓዲሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ፖላንድ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እቲ ሓደጋ ሞትን ማህሰይትን ምስ ኣጋጠመ ኣብ ክልቲኡ ናይ ዕደና ስፍራ ዘሎ ኩነታት ድሕነትን ኣገባባትን ጉዳያት ዕዮን ሰራሕተይናታትን ብጥልቂ ከምርመር ብዘመሓላለፎ ውሳኔ መሰረት ዘድሊ መርመራ ይካየድ ምህላዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

25 March 2023, 15:57