ድለ

2023.03.17 "24 ore per il Signore" : Celebrazione della Riconciliazione 2023.03.17 "24 ore per il Signore" : Celebrazione della Riconciliazione  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ናይ ምሕረት ስራሕ ምስ ጸዋዕታ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰረ እዩ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ብሓዋርያዊ ኣገልግሎት ንስሓ ዝተዳለወ መበል 33 ውሳጣዊ ዓውደ ትምህርቲ ዝተሳተፉ ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ ኣገዳስነት ምሥጢረ ንስሓ ብምስማር ኣብዚ ምሥጢር እዚ ዝርከብ ምሕረት ምስቲ ቤተክርስትያን ጐይታ ዝሃባ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ዝተጣመረ ምዃኑ ገሊጾምሎም።

ዜና ቫቲካን!

ናይ ቅድስት መንበር ክፍሊ ሓዋርያዊ ተልእኮ ንስሓ ዓመት መጸ ኣብ መንበረ ኑዛዜ ንዘገልግሉ ካህናት ኣብ ዝህቦ ሥልጠና ሎምዘመን ንመበል 33 ግዜኡ እንከካይድ፣ ኣብዚ ሥልጠና ዝተሳተፉ ትማል ሓሙስ ምስ ቅዱስነቶም ከምዝተራኸቡን ንምሕረት ኣምላኽ ብዝምልከት ዓሚቚ ኣስተምህሮ ከምዝሃብዎምን ተመልኪቱ።

ቅዱስነቶም  “ኣብ መንጎ ጸዋዕታ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ቤተ ክርስቲያንን እቲ ንኹሉ ሰብ ብምሥጢረ ንስሓ ዝዕደል ምሕረት እግዚአብሔርን ምቕርራብን ዘይነጻጸል ምትእስሳር ኣሎ” ኢሎም።

እዚ ዓመት መጸ ብላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ሓዋርያዊ ተልእኮ ምሥጢረ ንስሓ ዝሰናዶ ዓውደ መጽናዕታትን ሥልጠናታትን ብቀንዱ ነቶም ኣብዚ ተልእኮ እዚ ዝወፍሩ ዓደልቲ ምሕረት እግዚአብሔር ‘ነቲ መግለጺ መለኮታዊ ምሕረት እግዚአብሔር ዝኾነ ሥሬተ ሓጢኣት ቅርጹን ትሕዝቶኡን ብዝምልከት ኣብ ኩሉ ጉዳያት ብቕዓት ምእንቲ ክህልዎም” ዘሰናዱ ውሽጣዊ መድረኽ ትምህትን ሥልጠናን እዩ። ቅዱስነቶም ከኣ ነቶም ተሳተፍቲ እዚ ኮርስ እዚ ምሕረት እግዚአብሔር ብዓንዲ ርእሱ ምስቲ ጐይታ ንቤተክርስትያን ዝዓደላ ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ከምዝተኣሳሰር ብሰፊሑ ተንቲኖምሎም።

ምሕረትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ግብረ ተልእኮ ስብከተ ወንጌልን!

ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝብልዎ ብዛዕባ ምሕረት ብልቦም እንክዛረቡ ‘ምሕረት ዳርጋ ኣብቲ ብዛዕባ ቤተክርስትያን እንጽሕፎ ምልክታ ወይውን መፍለዪ ባህርያት ቤተ ክርስቲያን ክሕወስ ይኽእል። እዚ ኸኣ እቲ ናይ መለኮታዊ ምሕረት ስራሕ ምስቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኮ ስብከተ ወንጌላዊ ንጥፈታት ተሓዊሱ፡ ምስ ስብከት ወንጌል ይጋጠም፡ ምኽንያቱ ገጽ እግዚኣብሔር፡ ከምቲ ብኢየሱስ ዝተገልጸልና ገጽታ ምሕረት ኮይኑ በዚ ተልእኮ እዚ መሊሱ ይዂላዕ’ ኢሎም።

ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ‘ስለዚ ካህናት ወትሩ ኣብ ከባቢ ናይዚ ዕርቂ ምሥጢር ክህልው ምናዳ ኸኣ ኣብ ዘመነ ጾም ኣርብዓ፡ ነዚ ብዕርቅን ፈውስን ዝፍለጥ ምሥጢረ ንስሓ ንኩሎም ክዕድሉ ኣድላዪ ምዃኑ ክዝክሩ ኣለዎም’ እንክብሉ ሓቢሮም።

እዚ ናይ ካህናት ወትሩ ነዚ ተልእኮ እዚ ስንድዋትን ውፉያትን ምዃን ክህነት ተረባሕነት እዚ ኣብ ዝተወሰነ ወንጌላዊ ኣተሓሳስባታት ከም ዝረአ ዘስመሩሉ ቅዱስነቶም፣ ንኹሉ ሰብ ብዘይ ሌላ ጉሌላን ብዘይ ቅድመ ኩነታዊ ፍርድን ሃንጐፋይ ቢልካ ካብ ምቕባል ጀሚሩ፣ ጽን ቢልካ ብእዝኒ ልቢ ብምስማዕ፣ ንምሥጢረ ንስሓ ብልግሲ ከም ምሕረት ምዕዳል፣ ከምኡ’ውን ነቶም ናብ ምሥጢረ ቅርበት ዘርእዩ ወትሩ ኣብ ጒዕዞ ንስሓኦም ምስናዮም ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጾም።

ህያብ ኑዛዜ ዳግማይ ምርካብ!

ቅዱስነቶም ምኽሮም ብምቅጻል ‘ናይ ቤተ ክርስቲያን ስብከተ ወንጌላዊ ተልእኾ ብዓቢኡ ነዚ ዓቢይ ህያብ ዝኾነ ምሥጢረ ንሥሓ ዳግማይ ብምርካብ ብህያብ ኑዛዜ ከም ዝመሓላለፍ’ ኣመልኪቶም፣ እዚ ድማ ነቲ ዝቐርብ ዘሎ ዓመት ኢዮቤል 2025 ኣብ ግምት ብምእታው ከአምዝኾነ ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ናብ ፍሉያት ውጥናትን መደባትን ሓዋርያዊ ጉስነት ቤተክርስትያን ምልስ ብምባል ኣገዳስነት ምሥጢረ ኑዛዜ ብምግላጽ ምእመናን ወትሩ ናብ ምሥጢር ክርከቡ ምግባርን  ኣድላዩ ምዃኑ ኣብሪሆም። በዚ ከኣ ካቴድራላትን ካልኦት ቊምስናታት ኣብያተ ክርስቲያናን ወትሩ ኣብ ተልእኮ ምሥጢረ ንስሓ ቁሩብ ዝኾነ ካህን ክህልወን ዘለዎም ሓሳብን ምንዮትን ኣቅሪቦም። እዚ ከኣ ብዝተኻእለ መጠን ምእመናን ነዚ ፍቅራዊ ርክብ እዚ ብዝተኻእለ መጥን ብቀሊሉ ንክረኽቡ ባይታ ንምጥጣሕ ምዃኑ ድሕሪ ኣተሓሳሲቦም ብሓዋርያዊ ቡራኬ ኣሰናበትዎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
25 March 2023, 12:50