ድለ

ቅንዋት ኢየሱስ፡ ብህይወት ንዝቖሰሉ ሰባት መንገዲ ድሕነት ይኸፍት! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዳግማይ ትንሣኤን ሰንበት መለኮታዊ ምሕረትን ኣብ እትዝክረሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ቅድሚ ምዕራጎም ትብዓት ናይቲ ንኢየሱስ ምልክት ዝሓተተ ቶማስ ሓዋርያ ክንምልከት እሞ፤ ኣብ ማሕበረሰብና ዝበጽሕ ምልክት ክነርኢ በዚ ከኣ፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣብ ኣብያትና ንኹሉ ሰብ ሃንጐፋይ ቢልካ ምቅባል ይኹን ኢሎም። ኣብ ፍጻሜ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣብ ሱዳን ውግእ ቀልጢፉ ከቋርጽ ኣጽዋር ውግእ ትም ከምዝብሉ ገቢርካ ዘተ ሰላም ክጅመር ጻውዒት ብምቅራብ ነቶም ኣብ ዕለቱ በዓለ ፋሲካ ዘብዕሉ ምብራቃውያን ክርስትያን ርሑስ በዓል ፋሲካ ተመንዮም ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ እውን መዘኻኸሪ ኣቅሪቦም።

ዜና ቫቲካን!

መለኮታዊ ምሕረት ንዝበዓለላ ሰንበት ዳግማይ ትንሣኤ ዝምልከት ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ነቱ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዘይተረኽበሉ ጐይታ ኣብ መንጎ ሓዋርያት ተረኺቡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን ክብል ዝተገልጸሉን ቶማስ ከኣ ኢደይ ኣብቲ ዝተወግአ ጐድኒ ጐይታ ከይመስለስኩ ኣይኣምንን ዝበለ ጐይታ ጽቡቅ ፍቃዱ ኮይኑ ኣታ ተጠራጣሪ ንዓ በል ኢድካ ኣብ ቅንዋተይን ኣብ ጐድነይን ምለስ ምስ በሎ ጐይታይን ኣምላኸይን ክብል ዝተምበርከኸ ጐይታ ከኣ ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ክኸውን ከምዘይብሉ ገኒሑ ንሱ ስለዝረኣየ ከምዝኣመነ እንተኾነ እቶም ከይረኣዪ ዚኣምኑ ካባኡ ንላዕሊ ብፁዓን ከምዝኾነ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቃሎም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬ ንምስታፍን ብሓባር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያትን ንምዕራግ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ታሪኽ ቅዱስ ቶማስ ብምዝኽኻር ንሕናኸ ኣብ ቦታ ቅዱስ ቶማስ እንተንርከብ ካብ ሞት ንዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣበይ ኮን ሃሰስ ምበልናኣዮ! ቢሎም ይሓቱ እሞ ካብ ናይ ቅዱስ ቶማስ ብዘይሓይሽ ንሕናውን ነቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ "ኣብ ገለ መስተንክር ዝኾነ ወይውን ዘገርም ሃይማኖታዊ መግለጺ ተኣምራት ወይውን ኣብ ጥርዙ ዝበጽሔ ስምዒታትናን ሃሰስ ከምእንብሎ ፍሉጥ እዩ እንተኾነ ኣብቲ እንነብረሉ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኩሉ ድሩትነታን ውድቀታታን፡ ኣብቶም ቅንዋት ክርስቶስ ብግህዶ ዝረኣየሎም ወከልቲ ክርስቶስ ዝኾኑ ዝርከብዎ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣብ ዘላትሉ እዩ’ እንክብሉ እቲ ቅዱስ ቶማስ ዝሓተቶ ምልክታት ቅንዋት ጐይታ ሎሚ ኣብ ማሕበረሰብና ጐሊሖም ከምዝረኣዩ እዚኦም ከኣ ናይ ፍቅሩ ዚዓብዩ ቅንዋታት ምዃኖም ንክነስተውዕለሎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

“እንተኾነ ግና ብስም እዚ ፍቕሪ እዚ ብስም ኣቁሳልን ቅንዋትን ኢየሱስ ነቶም ብህይወት ዝቖሰሉ ኣእዳውና ክንዝርግሓሎም ፍቓደኛታት እንተኾይንና ንማንም ካብ ምሕረት እግዚኣብሔር ከየግለልና ንኹሉ ሰብ ተቐበልቲ ክንከውን ንሕተት ኣሎና፤ ንነፍሲ ወከፍ ከም ሓው፡ ከም ሓፍቲ ሃንጐፋይ ቢልና ክንቅበል ኣሎና። ኣምላኽ ንኹሉ ሰብ ብሓጎስ ይቕበል።”

ቅዱስነቶም ንቤተክርስትያን ብዝምልከት ብኣማላድነት እኖና ድንግል ማርያም "ንኹሉ እትቅበል ገዛ" ክትከውን ዝተጸውዐት ምዃና መብርሂ ሂቦም።

ቅንዋት ኢየሱስ፡ ክፉት መስመራት ምሕረት የሱስ

ቅዱስነቶም ናብ ኣብነት ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ ምልስ ብማለት፣ "ቶማስ ብዝተወሰነ ደረጃ ንዓና ንኹላትና ይውክል" ከመይ ብኩነታት ኢየሱስ ማለት ከም ገበነኛ ኣብ መስቀል ብምውዓሉን ኩሎም ፍርሃት ወሪርዎም ማንም ሓራ ዘውጽኦ ሰብ ብዘይምህላውን ድንግርግር ይብሎ ተስፋ ይቆርጽ!  ደጊምካ ከመይ ጌርካ  ንሰብ ትኣምን?” ይብል። እንተኾነ ቶማስ ትብዓት የርኢ፡ እቶም ካልኦት ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ተሓቢኦም ከለዉ ንሱ ካባኦም ተፈልዩ ይወጽእ፡ ንሓደጋ ይቃላዕ ምኽንያቱ እንተተፈሊጡ ክእሰር ይኽእል ነሩ። ከም ኣገላልጻ ቅዱስነቶም በዚ ትብዓት እዚ ቅዱስ ቶማስ ምናልባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምስቲ ዝተንሥአ ጎይታ ክራኸብ ይግብኦ ነሩ እንተኾነ ኣብ ጽባሕ በዓለ ፋሲካ ጐይታ ክመጽእ እንከሎ ኣብኡ ስለዘይነበረ ነቲ ዕድል ከምዝስእኖና ብከመይ ክትክኦ ከምዝኽእልን ከምዚ ክብሉ የብራህርሁ።

“ቶማስ ነዚ ዝጠፍአ ዕድል ከመይ ኢሉ ኺመልሶ ይኽእል፧ እታ ዘላ እንኮ መንገዲ ናብቶም ተዳሂሎም ብሓዘን ተጐቢኦም ኣብ ቤት ተዓጽዮም ዝነበሩ ሥድራቤቱ ተመሊሱ ምስኣቶም ብምጽባይ እዩ። ናባኣቶም ምስ ተመልሰ፡ ከኣ መሊሱ ዘራሰኖ ኢየሱስ ከም ዝመጾም ይነግርዎ፡ ንሱ ግን ክኣምኖ ይኸብዶ፤ ቁስሉ ክርኢ ይደሊ። ኢየሱስ ድማ የዕግቦ: ድሕሪ ሸሞንተ መዓልቲ: እንደገና ኣብ ማእከል ደቀ መዛሙርቱ ተራእዩ: ቁስሉ: ኣእዳዉ: እግሩ: ኮታስ ነቲ መርትዖ ፍቕሩ ዝዀኑ ቅንዋቱ: ነቶም ወትሩ ክፉታት ዝኾኑ መስመራት ምሕረቱ የርእዮም። በዚ ከኣ ንገጽታ ጐይታ ንምርካብ ወትሩ ኣብ ማሕበር ክትርከብ ግድን ከምዝኾነ ይበርሃሉ።”

ገጽ ጎይታ ንምርካብ ኣብታ ብስሙ ዝተጋብአት ማሕበር ኪድ!

ቶማስ ምልክት ይሓትት፣ ጐይታ ነቲ ምልክት ይልግሰሉ፣  ኣብ ቅድሚ እቶም ተካፋሊ ጓሂኦምን ሓጎሶምን ዝኾኑ ሓዋርያት ከኣ ኣእዳው ኣብ ኣቊሳል ኢየሱስ ብምምላስ ነቲ ምልክታት ፍቅሪ ዝኾነ ቅንዋት ኢየሱስ ብምርኣይ ከምዝዓበን ትርጉም ናይዚ ኩነታትን ቅዱስነቶም እንክብርሁ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ ሂቦም።

“ትርጉም ናይዚ ፍሉይ ፍጻሜ: ዳርጋ ጐይታ ንቶማስ ‘ክትረኽበኒ እንተደሊኻ ርሑቕ ኣይትጠምት ኣብ ማሕበርካ ጸኒዕካ ምስቶም ካልኦት ጽናሕ፣ ናብ ካልእ ኣይትኺድ፡ ምሳታቶም ጸሊ፡ ምሳታቶም እንጌራ ቊረስ። ኣብኡ ኢኻ ክትረኽበኒ እትኽእል፡ ነቲ ኣብ ኣካላተይ ተሓቲሙ፡ ምልክታት ናይቲ ቁስሊ ዝኾነ ቅንዋተይ: ነቲ ምልክታት ናይ ጽልኢ ዝስዕር ምልክታት ፍቕሪ ዝኾነ ኣቊሳለይ፡ ነቲ ንሕነ ምፍዳይ ዕጥቁ ዘፍትሕ ናይ ይቕረታ ምልክታት፡ ነቲ ሞት ዝስዕር ህይወት ከኣ ዝህብ ምልክታት ኣብኡ ከርእየካ እየ። ኣብኡ ማለት ኣብቲ ማሕበረርካ ኢኻ ገጸይ ክትረኽቦ እትኽል፡ ምስ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ድማ ዝያዳ ብጽንዓት ተጣቢቕካ፡ ናይ ጥርጣረን ፍርሕን ህሞታት ትካፈል። ብዘይ ሕብረተሰብ ንኢየሱስ ክትረኽቦ ኣጸጋሚ እዩ’ ይብሎ።”

ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ህልው ኩነታት ቤተክርስትያን ብምግንዛብ ‘ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዋላውን ፍጽምቲ እንተዘይኮነት ምሳኣ ምጽናሕ፣ ንዝኾነ ብድሆ ተቐቢልካ ናይ ካልኦት ቁስሊ ሓቚፍካ ብምሕረት ኣምላኽ ነንሕድሕድካ ምቕባል የድሊ’ እንክብሉ ሓደራ ቢሎም። ኣብ መወዳእታ ምስቶም ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት  ኣዕሪጎም።

ድሕሪ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት በቲ ኣስታት ሓምሳ ግዳያት ዘስዓበ ውግእ ዝዓነወት ሱዳን ዝተሰምዖም ጓሂ ብምግላጽ ኣጽዋር ውግእ ኣውሪዶም ኣብ ዘተን ምርድዳእን ክብጻሕ እሞ ሰላም ክነግሥ ጻውዒት ብምቅራብ ነቶም ኣብ ዕለቱ ብዓለ ፋሲካ ዘብዕሉ ናብ ምብራቕ ኣብያተክርስትያን ቡሩኽ ፋሲካ ክኾነሎም ብምምናይ ብፍሉይ ከኣ ኣባላት ናይዚ ዝኾና ሃገራት ዩክሬንን ሩስያን ኣቓልቦ ክወሃቦም ኣዘኻኺሮም። ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነታ ንሶም ዝመሥረትዋ ዳግማይ ትንሣኤ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ዘኪሮም ብዛዕባኦምን፡ ንጉዳይ ኦርላንዲ ብዝምልከትን ዝነፍስ ዘሎ ጠቀነ "ኣጸያፊ በደልን መሰረት ዘይብሉን ክስታት" እዩ እንክብሉ ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 Apr 2023, 15:55

ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ማለት እንታይ ማለት እዩ?
ንግሥተ ሰማያት ትብል ማሕሌት ሓንቲ ካብተን ኣርባዕተ ማሕሌታት ላቲን እኖና ድንግል ማርያም (እተን ካላኦት ሠልስተ ኦ ፍቅርት ኣደ መድሓኒ -ኣልማ ረደምቶሪስ ማተር፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት ሰማያት - ኣቨ ረጂና ቸሎሩም፣ ሰላም ለኪ ኦ ንግሥት - ሳልቨ ረጂና ዝብላ እየን)።
እዚ ጸሎት እዚ ኣብ ዘመነ ፋሲካ ካብ ሰንበት ትንሣኤ ክሳብ ሰንበት ጰራውሊጦስ ከክንዲ ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ክድገምን ክንዲ ተንበርኪኽካ ዝግበር ከኣ ምልክት ትንሣኤ ማለት ዓወት ኣብ ልዕሊ ሞት ብምዃኑ ከኣ ደው ኢልካ ክድገም ዝወሰኑ ብ1742 ዓምፈ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 14 ነበሩ።
ልክዕ ከም ጸሎተ መልኣከ እግዚብሔር ኣብ መዓልቲ ሠልስተ ግዜ ይድገም፣ ኣዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ዕለት ብማርያም ኣቢልካ ንእግዚብሔር ንምውፋይ ንግሆ ፍርቂ መዓልቲ ምሸት ይድገም። ብመሠረት ሓደ ናይ ቀደም ባህሊ እዚ ጥንታዊ ማሕሌት እዚ ካብ ሻድሻይ ክፍለ ዘመን ክሳብ 10ይ ክፍለዘመን ኣብ ዝነበረ ግዜ ዝተደርሰ ከምዝኾነን ኣብ ከባቢ ፍርቂ መበል 13 ዘመን ኣብ ጸሎተ ዳዊት ፍራንቸስካውያን ተኣታትዩ ይድገም ከምዝነበረ ዘመላኽቱ ጽሑፋት ኣለው፣ ብኣርባዕተ ሓጸርቲ ሓረጋት ዝቆመ ኮይኑ ነፍሲ ወከፍ ሓረግ ብሃሌሉያ ትዛዘም፣ ናብ እግዚትነ ማርያም ንግሥተ ሰማያት ብምእመናን ዚዓርግ ጸሎት ኮይኑ ብትእንሳኤ ክርስቶስ ምስኣ ንምሕጓስ ዚግበር እዩ።
ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ዝሓለፈ 6 ሚያዝያ 2015 ዓምፈ ድሕሪ ዕለተ ፋሲካ ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምድጋሞም ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎና ኣብ ልብና ክህሉ ዘለዎ ሓሳባት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም ነሮም
‘ንእኖና እግዚእትነ ማርያም ክትሕጐስ እናዓደምና ንልምና፣ ከመይ እቲ ኣብ ማሕጸና ዝተሸከምቶ ከምቲ ዝበሎ ካብ ሙታን ስለዝተንሠኤ ንሕና ከኣ ኣብ ኣማላድነታ ንምሕጸን፣ ከም ሓቁ ሓጐስና ነጸብራቅ ናይ እኖና ድንግል ማርያም እዩ፣ ከመይ እኖና ድንግል ማርያም ንኩሉ ናይ ወዳ ነገራት ብእምነት ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት ገናውን ተዋህልሎ ኣላ፣ ነዚ ጸሎት እዚ ክንደግም እንከሎናኸስ በዚ መንፈስ ውሉድነት ተደፊእና ኣደና ስለዝተሓጐሰት ንሕናውን ንተሓጐስ ንበል፣’ እንክብሉ ገሊጾሞ ነሮም።

ንኩሉ ኣንብብ >