ቅንዋት ኢየሱስ፡ ብህይወት ንዝቖሰሉ ሰባት መንገዲ ድሕነት ይኸፍት! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
መለኮታዊ ምሕረት ንዝበዓለላ ሰንበት ዳግማይ ትንሣኤ ዝምልከት ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ነቱ ቅዱስ ቶማስ ኣብ ዘይተረኽበሉ ጐይታ ኣብ መንጎ ሓዋርያት ተረኺቡ ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን ክብል ዝተገልጸሉን ቶማስ ከኣ ኢደይ ኣብቲ ዝተወግአ ጐድኒ ጐይታ ከይመስለስኩ ኣይኣምንን ዝበለ ጐይታ ጽቡቅ ፍቃዱ ኮይኑ ኣታ ተጠራጣሪ ንዓ በል ኢድካ ኣብ ቅንዋተይን ኣብ ጐድነይን ምለስ ምስ በሎ ጐይታይን ኣምላኸይን ክብል ዝተምበርከኸ ጐይታ ከኣ ኣማኒ እምበር ተጠራጣሪ ክኸውን ከምዘይብሉ ገኒሑ ንሱ ስለዝረኣየ ከምዝኣመነ እንተኾነ እቶም ከይረኣዪ ዚኣምኑ ካባኡ ንላዕሊ ብፁዓን ከምዝኾነ ዝገልጽ ክፍሊ ነበረ። ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቃሎም ንምስማዕን ሓዋርያዊ ቡራኬ ንምስታፍን ብሓባር ጸሎተ ንግሥተ ሰማያትን ንምዕራግ ተኣኪቦም ንዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ታሪኽ ቅዱስ ቶማስ ብምዝኽኻር ንሕናኸ ኣብ ቦታ ቅዱስ ቶማስ እንተንርከብ ካብ ሞት ንዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣበይ ኮን ሃሰስ ምበልናኣዮ! ቢሎም ይሓቱ እሞ ካብ ናይ ቅዱስ ቶማስ ብዘይሓይሽ ንሕናውን ነቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ "ኣብ ገለ መስተንክር ዝኾነ ወይውን ዘገርም ሃይማኖታዊ መግለጺ ተኣምራት ወይውን ኣብ ጥርዙ ዝበጽሔ ስምዒታትናን ሃሰስ ከምእንብሎ ፍሉጥ እዩ እንተኾነ ኣብቲ እንነብረሉ ማሕበረሰብ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ኩሉ ድሩትነታን ውድቀታታን፡ ኣብቶም ቅንዋት ክርስቶስ ብግህዶ ዝረኣየሎም ወከልቲ ክርስቶስ ዝኾኑ ዝርከብዎ ኣካል ክርስቶስ ዝኾነት ቤተክርስትያን ኣብ ዘላትሉ እዩ’ እንክብሉ እቲ ቅዱስ ቶማስ ዝሓተቶ ምልክታት ቅንዋት ጐይታ ሎሚ ኣብ ማሕበረሰብና ጐሊሖም ከምዝረኣዩ እዚኦም ከኣ ናይ ፍቅሩ ዚዓብዩ ቅንዋታት ምዃኖም ንክነስተውዕለሎም ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።
ቅዱስነቶም ንቤተክርስትያን ብዝምልከት ብኣማላድነት እኖና ድንግል ማርያም "ንኹሉ እትቅበል ገዛ" ክትከውን ዝተጸውዐት ምዃና መብርሂ ሂቦም።
ቅንዋት ኢየሱስ፡ ክፉት መስመራት ምሕረት የሱስ
ቅዱስነቶም ናብ ኣብነት ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያ ምልስ ብማለት፣ "ቶማስ ብዝተወሰነ ደረጃ ንዓና ንኹላትና ይውክል" ከመይ ብኩነታት ኢየሱስ ማለት ከም ገበነኛ ኣብ መስቀል ብምውዓሉን ኩሎም ፍርሃት ወሪርዎም ማንም ሓራ ዘውጽኦ ሰብ ብዘይምህላውን ድንግርግር ይብሎ ተስፋ ይቆርጽ! ደጊምካ ከመይ ጌርካ ንሰብ ትኣምን?” ይብል። እንተኾነ ቶማስ ትብዓት የርኢ፡ እቶም ካልኦት ኣብ ላዕለዋይ ክፍሊ ተሓቢኦም ከለዉ ንሱ ካባኦም ተፈልዩ ይወጽእ፡ ንሓደጋ ይቃላዕ ምኽንያቱ እንተተፈሊጡ ክእሰር ይኽእል ነሩ። ከም ኣገላልጻ ቅዱስነቶም በዚ ትብዓት እዚ ቅዱስ ቶማስ ምናልባት ካብ ካልኦት ንላዕሊ ምስቲ ዝተንሥአ ጎይታ ክራኸብ ይግብኦ ነሩ እንተኾነ ኣብ ጽባሕ በዓለ ፋሲካ ጐይታ ክመጽእ እንከሎ ኣብኡ ስለዘይነበረ ነቲ ዕድል ከምዝስእኖና ብከመይ ክትክኦ ከምዝኽእልን ከምዚ ክብሉ የብራህርሁ።
ገጽ ጎይታ ንምርካብ ኣብታ ብስሙ ዝተጋብአት ማሕበር ኪድ!
ቶማስ ምልክት ይሓትት፣ ጐይታ ነቲ ምልክት ይልግሰሉ፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ተካፋሊ ጓሂኦምን ሓጎሶምን ዝኾኑ ሓዋርያት ከኣ ኣእዳው ኣብ ኣቊሳል ኢየሱስ ብምምላስ ነቲ ምልክታት ፍቅሪ ዝኾነ ቅንዋት ኢየሱስ ብምርኣይ ከምዝዓበን ትርጉም ናይዚ ኩነታትን ቅዱስነቶም እንክብርሁ ነዚ ዚስዕብ መግለጺ ሂቦም።
ቅዱስነቶም ነዚ ፍጻሜ እዚ ምስ ህልው ኩነታት ቤተክርስትያን ብምግንዛብ ‘ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዋላውን ፍጽምቲ እንተዘይኮነት ምሳኣ ምጽናሕ፣ ንዝኾነ ብድሆ ተቐቢልካ ናይ ካልኦት ቁስሊ ሓቚፍካ ብምሕረት ኣምላኽ ነንሕድሕድካ ምቕባል የድሊ’ እንክብሉ ሓደራ ቢሎም። ኣብ መወዳእታ ምስቶም ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣዕሪጎም።
ድሕሪ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት በቲ ኣስታት ሓምሳ ግዳያት ዘስዓበ ውግእ ዝዓነወት ሱዳን ዝተሰምዖም ጓሂ ብምግላጽ ኣጽዋር ውግእ ኣውሪዶም ኣብ ዘተን ምርድዳእን ክብጻሕ እሞ ሰላም ክነግሥ ጻውዒት ብምቅራብ ነቶም ኣብ ዕለቱ ብዓለ ፋሲካ ዘብዕሉ ናብ ምብራቕ ኣብያተክርስትያን ቡሩኽ ፋሲካ ክኾነሎም ብምምናይ ብፍሉይ ከኣ ኣባላት ናይዚ ዝኾና ሃገራት ዩክሬንን ሩስያን ኣቓልቦ ክወሃቦም ኣዘኻኺሮም። ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ነታ ንሶም ዝመሥረትዋ ዳግማይ ትንሣኤ ሰንበት መለኮታዊ ምሕረት ዘኪሮም ብዛዕባኦምን፡ ንጉዳይ ኦርላንዲ ብዝምልከትን ዝነፍስ ዘሎ ጠቀነ "ኣጸያፊ በደልን መሰረት ዘይብሉን ክስታት" እዩ እንክብሉ ገሊጾም።