ገዳማውያንን ገዳማውያትን ንቤተክርስትያንን ተልእኮኣን ብጽንዓት ዝድግፍ ስውርን ዕቊርን ሓይሊ እዮም!
“ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም! ብዛዕባ መሰኻኽር ሓዋርያዊ ቅንኣት ዝጀመርናዮ ትምህርቲ ክንቅጽል ኢና። ካብ ቅዱስ ጳውሎስ ጀሚርና፣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ከኣ ብዛዕባ እቶም ንኢየሱስ ብህይወቶም ዝሰብኩ ክሳብ ንዕኡን ንወንጌልን ሕይወቶም ዝህቡ ሰማዕታት ተመልኪትና። እንተኾነ ንጒዕዞ ታሪኽ እምነት ዝምልእ ካልእ ዓቢ ምስክርነት እውን ኣሎ፣ እዙይ ድማ ናይ መነኮሳንን መነኮሳትን፡ ማለት ብመንገዲ ድኽነትን ንጽህናን ተኣዛዞን ንኢየሱስ ክመስልዎን ኣብ ክንዲ ኩሉ ክማልዱን ገዛእ ርእሶም ዝኽሕዱን ንዓለም ዝመነኑን ኣሓትን ኣሕዋትን እዮም። ሕይወቶም ንባዕሉ ይዛረብ እኳ እንተኾነ፡ ንነብስና ክንሓትት ንኽእል ኢና፡ ኣብ ገዳማት ዝነብሩ ሰባት ከመይ ጌሮም ንስብከት ወንጌል ክሕግዙ ይኽእሉ? ኩሉ ሓይሎም ኣብ ተልእኾ ስብከተወንጌል እንተዘውፍሩዶ ኣይምሓሸን? ካብ ገዳማት ወጺእካ ኣብ ደገ ኣብ ወጻኢ ወንጌል ምስባኽዶ ኣይምሓሽን? ከም ሓቁ ኣብ ክውንነት እንተተመልኪትና ግን መነኮሳት ናይ ስብከተወንጌል ትርግታ ልቢ እዮም። እዚ ንኽፈልጥ ዝደሊ ሰብ ዝቱዂቱዂ እዩ! እወ ብርግጽ ትርግታ ልቢ ስብከተወንጌል ንሳቶም እዮም። ጸሎቶም ንኹሎም ኣባላት ኣካል ክርስቶስ ኦክስጅን እዩ፣ ጸሎቶም ነቲ ተልእኾ ዘጽንዕ ዘይርአ ሓይሊ እዩ። ናይ ተልእኾ ስብከተወንጌል ጠበቃ ቅድስቲ ተረዛ ዘኢየሱስ ህጻን ምዃና ናይ ኣጋጣሚ ጉዳይ ኣይኮነን። ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕጻን ጸዋዕታኣ ብኸመይ ከም ዝረኸበቶ ኣብ ጽሑፋ እተስፍሮ ንስማዕ፣ «ቤተ ክርስቲያን ልቢ ከም ዘለዋ ተረዲአ፣ ብፍቕሪ ዝተቓጸለ ልቢ። ንኣባላት ቤተ ክርስቲያን ናብ ተግባር ዝድርኾ ፍቕሪ ጥራይ ምዃኑን፣ እዚ ፍቕሪ እዚ እንተዝጠፍእ፣ ሓዋርያት ድሕሪ ደጊም ወንጌል ኣይምሰበኹን ነይሮም፣ ሰማእታት ደሞም ኣይመፍሰሱን ነይሮም! በቃ ተረዲኡኒ። ፍቕሪ ንኹሉ ጸዋዕታታት ከም ዝሓቁፍ ተረዲኡኒን ፈሊጠን [...]። ሽዑ ብዓቢ ሓጎስን ፍስሃ ነፍስን ጨደርኩ፦ ኦ ኢየሱስ ፍቕረይ ኣብ መወዳእታ ጸዋዕታይ ረኺበ ኣለኹ። ጸዋዕታይ ፍቕሪ እዩ። [...] ኣብ ልቢ ቤተ ክርስቲያን ኣደይ ፍቕሪ ክኸውን እየ» ቢላ ኣብ ታሪኽ ሕይወተይ ዝብል ጽሑፋ ብ8 መስከረም 1896 ኣስፈረት። ብሰቂለ ሕልና ከስተንትኑ ዝነብሩ መንኮሳንን መንኮሳትን ንብምልእታ ቤተ ክርስቲያን ዝጽልዩ፡ ዝሰርሑ፡ ብሱቊታ ዝጽልዩ ሰባት መሊኦም ኣለው። እዚ ድማ ፍቕሪ እዩ፦ ንቤተ ክርስቲያን ብምጽላይ፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብምስራሕ፡ ኣብ ኩሉ ገዳማት ዝግለጽ ፍቕሪ እዩ። እዚ ንኩሉ ምፍቃር እዚ ንህይወት መነኮሳት ብምዂስኳስ ናብ ናይ ኣማላድነት ጸሎቶም ይትርጎም። በዚ መዳይ እዚ ከም ኣብነት ክህበኩም ዝደልዮ ሊቅ ቤተክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘናሬክ እዩ። ንሱ ኣርመንያዊ መነኮስ ነበረ፣ ኣብ ከባቢ 1000 ዓም ዝነብር ዝነበረ፣ መጽሓፍ ጸሎት ገዲፉልና፣ ኣብኡ ናይቶም ኣብ መስቀል ክርስቶስ ጠቢቆም ኣብ ታሪኽ ብዙሕ መከራ ዘሕለፉ ንእምነት ክርስትና ከኣ ብቀዳማይ ደረጃ ዝሓቖፉ ህዝቢ ኣርመንያ እምነት ተዓቊሩ ኣሎ፤ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ድማ ዳርጋ ምሉእ ዕድሚኡ ኣብ ገዳም ናሬክ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብኡ ድማ መዓሙቕ ነፍሲ ወዲ ሰብ ምምርማር ተማሂሩ፡ ግጥምን ጸሎትን ብምውህሃድ፡ ከኣ ዝለዓለ ጥርዚ ስነ-ጽሑፍን መንፈሳውነትን ኣርመንያ ኣመስኪሩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም መዳይ ልክዕ እቲ ንሱ ተርጓሚኡ ዝኾነሉ ናይ ፍጥረት ኩሉ ኣድማሳዊ ምትሕግጋዝ እዩ። ኣብ መንጎ መነኮሳንን መነኮሳትን ኣድማሳዊ ምትሕግጋዝ ኣሎ: ኣብ ዓለም ዝኾነ ፍጻሜ የጋጥም ይኹን፣ ኣብ ልቦም ቦታ ይረኽቡ እሞ ስለ ኩሉ ወትሩ ይጽልዩ። ልቢ መነኮሳንን መነኮሳትን ከም ኣንቴና ኣብ ዓለም ንዝፍጸም ዘሎ ስሒቡ ወሲዱ ስለኡ ዝጽልየሉን ዝልምነሉን ልቢ እዩ። ስለዚ ድማ ምስ እግዚኣብሔርን ምስ ኩሉ ሰብን ብሓደ ይነብሩ። ሓደ ካብኣቶም «ኣነ ብፍቃደይ ንኩሉ ጌጋታት ካብ ናይ ቀዳማይ ኣቦና ኣዳም ጀሚርካ ክሳብ ናይ መወዳእታ ዘርኡ ኣብ ርእሰይ ተሰኪመዮ። ከምቲ ኢየሱስ ዝገበሮ ድማ: ጸገማት ዓለም: ጸገማት: ሕማማት: ብዙሕ ነገራት ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሶም ወሲዶም ይጽልዩሎም። እዚኦም እቶም ዓበይቲ ሰበኽቲ ወንጌል እዮም። ገዳማት እዮም። እንተኾነ ግን ከመይ ገቢሮም ተዓጽዮም ይነብሩን ወንጌል ይሰብኩን? ቢልና እንተሓተትና! እንተኾነ ናይዞም ሰባት እዚኦም ስብከተወንጌል ብቓል፡ ብኣብነት፡ ብኣማላድነትን መዓልታዊ ስራሕን፡ ገቢርካ ስለ ኩሉ ሰብን ሓጢኣትን ድልድል ኣማላድነት እዩ። ብንብዓት’ውን ይበኽዩ፣ ኩላትና ሓጥኣን ስለዝኾና ብሓጢኣቶም ይበኽዩ፣ ብዛዕባ ሓጢኣት ዓለም’ውን ይበኽዩ፣ ኣእዳዎምን ልቦምን ኣልዒሎም ይጽልዩን ይልምኑን። እስኪ ብዛዕባ እዚ ቁሩብ ንሕሰብ! ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለና "ዕቑር ሓይሊ" ክብሎ እደፍር: ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለና "ዕቑር ሓይሊ" ንሳቶም እዮም፣ እዚ ከኣ እቲ ሓቀኛ ሓይሊ እዩ። እቲ ንህዝቢ ኣምላኽ ተሰኪሙ ንቕድሚት ዘገስግስ ሓቀኛ ሓይሊ እዚ እዩ፣ ካባኡ ድማ እቲ ሰባት ዘጥርይዎ ሠናይ ልማድ ይመጽእ! - ህዝቢ ኣምላኽ – ምስ ሓደ ዝተቐደሰ ሰብኣይ ወይውን ምስ ሓንቲ ዝተቐደሰት ሰበይቲ ክራኸብ ከሎን፡ “ስለይ ጸልዩለይ፡ ስለይ ጸልያለይ” ክብል ከሎን፡ ጸሎት ኣማላድነት ከም ዘሎን ከምዘድልዮን ስለ ዝፈልጥ እዩ። ኣብ ገለ ገዳም ምብጻሕ ክሕግዘና ይኽእል! ምኽንያቱ ከኣ በብዓቅምና ብዝተኻእለና መጠን ኣብኡ ክንጽልን ክንሰርሕን ኢና። ኩሉ ሰብ ነናቱ ሕጊ ኣለዎ፡ ኣብኡ ግን ኣእዳዉ ኩሉ ግዜ ትሑዛት እየን: ብስራሕ ትሑዛት: ብጸሎት ትጽመድ። እግዚኣብሔር ሓደሽቲ ገዳማት ይሃበና፣ ንቤተ ክርስቲያኑ ከኣ ብኣማላድነቶም ንቕድሚት ዝሰጒሙ መነኮሳንን መነኮሳትን ይሃበና። እግዚአብሔር ይሃበለይ።”
