ድለ

2023.05.11 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን 2023.05.11 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን

ጸሎት ሰማእታት ቆጵጣውያን ምስቲ “እመ ኣምላኽ” ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔ ጉባኤ ኤፈሶን ተደሚሩ ክሳብ ኣብ ሓደ መሰውኢ ስጋን ደምን መድሃኒና ብሓባር ክንቅበል እንኽእለሉ ዝተባርከ መዓልቲ ኣቢያተ ክርስቲያናትና ኣብ ምሕዝነት ክዓብያ ይሓግዝ!

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ግንቦት ምስ ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ እቶም ኣብ ሊቢያ ዝተቐትሉ ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ከም ትእምርቲ ምልክት ሕብረት ክልቲኤን ኣቢያ ተክርስቲያን ኣስማቶም ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ማህደር ሰማእታት ክሰፍር ከም ዝወሰኑን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ጸሎት ሰማእታት ቆጵጣውያን ምስቲ “እመ ኣምላኽ” ዝብል ሃምነናዊ ውሳኔ ጉባኤ ኤፈሶን ተደሚሩ ክሳብ ኣብ ሓደ መሰውኢ ስጋን ደምን መድሃኒና ብሓባር ክንቅበል እንኽእለሉ ዝተባርከ መዓልቲ ኣቢያተ ክርስቲያናትና ኣብ ምሕዝነት ክዓብያ ይሓግዝ!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን

ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብ ዘካየድዎ ክሌኣዊ ርክብ ክኸውን እንከሎ፥ ፓትሪያርክ መንበረ ጵጵስና ቅዱስ ማርቆስ ናይ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ር,ሊ.ጳ. ታዋድሮስ ዳግማዊ ንዝኽሪ መበል 50 ዓመት ክሌኣዊ ርክብ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ዝተፈረመ ሃምነናዊ ስምምዕ - ትስብእቲ ፡  ክርስቶስ ምሉእ ሰብ ምሉእ መለኮት ምኽንያት፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ቅዱስ ኣቦና ከም እተራኸቡን ዕለት 10 ግንቦት እውን ብሓባር ናይ ክሊተኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን መዓልቲ ምሕዝነት ከም ዝዘከሩን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ እቶም 21 ቆጵጣውያን ኦርቶዶክሳውያን ሰማእታት፥ ከም ምልክት ናይቲ ንኽልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ዝጥርንፍ መንፈሳዊ ሕብረት” ኣስማቶም ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ሮማዊት ቤተ ክርስቲያን ማህደረ ሰማእታት ስሞም ክኣትዉ ምዃኑ ገሊጾም፥ እዞም 20 ካብ ምስሪ፡ 1 ድማ ካብ ጋና ዝመጹ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ገማግም ባሕረ ሊቢያ በቶም ገዛእ ርእሶም እስላማዊ መግንስቲ ቢሎም ዝጽውዑ ጅሃዳውያን ዝተሰየፉ ከም ዝኾኑን፡ ክሳዶም ክስየፍ እንከሎ ዘርኢ እቶም ጅሃዳውያን ዘርጊሖምዎ ኣብ ዝነበረ ናይ ማምስዐ ርእየት መልእኽቲ ክጽልዩ ዝርእ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፥ ቆጵጣዊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 15 ለካቲት እታ ዝተሰየፉላ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉላ ዕለት ዓመታዊ በዓሎም ኮይኑ ክዝከር እውን ከም ዝወሰነትን፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ “እዞም ሰማእታት ብማይን ብመፍንፈስን ጥራይ ዘይኮነስ ብደም እውን ተጠሚቖም፡ በቲ ንኹሎም ሰዓብቲ ክርስቶስ ዘርኢ ሓድነት ብዝኾነ ደም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን

ናይ ቆጵጣውያን ሰማእታት ኣማላድነት ምጽላይ

ዕለት 11 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማዊ ኣብቲ ናይ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ኣብ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ናይቶም 21 ሰማታት ዓጽም ኣብ 2018 ዓ.ም. ካብ ሊቢያ ናብ ምስሪ ከም ዝኣተወን፡ ሎሚ ኣብታ መብዛሕቲኦም ዝመጹላ ዓዲ ኣል ኣውር ንስሞም ዝትወከፈ ቤተ መቕደስ ከም እተሃንጸን፥ በማላድነቶም ንጽልን በረኸት ከም ጸምጽኡልና ድማ ንኣምን፡” ካቶሊካውያን እውን ከምኡ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ጉዕዞ እቲ ቀዳማይ ስጉምቲ ብናይ ሓባር ንፍጠታት ዝግለጽ ሕውነት ብኽርስቶስ ምዃኑ ሓቢሮም፡ እቲ ካልኣይ ስጉምቲ ድማ ብመጽናዕት ትውፊታትን ቅዱሳት ምስጢራትን፥ ምስ ኣቢያተ ክርስቲያን ዝዛመድ ኩሉ” ሓድሕዳዊ ምርድዳእት ክህሉ ዝጠልብ እዩ። እቲ ሳልሳይ ስጉምቲ ድማ ኣብ መንጎ መንእሰያትን ኣባላት ኣቢያተ ክርስቲያናትና በብወገኖም ካህናትን ብሊጡርጊያን ዘይወግዓዊ ዘተን ዘጠቃልልን እቲ ራብዓይ ድማ ስጉምቲ ጸሎት ምዃኑ ገሊጾም፥ ምኽንያቱ ጸሎት ተኣምር ከህልው ስለ ዝኽእል” ቢሎም፡ ኣተሓሒዞም፥ “ነዞም ኣርባዕተ ስጉምትታት ምስ ተግበርና ድማ ናብ ልቢ ክርስቶስ ንበጽሕ እዚ እውን ነዊሕ ግዜ ዝወስድ እውን እንተኾነ፡ ኣብዚ ጉዕዞ እዚ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘሰንየና እምነትና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን

ኦቶዶክሳውያን ሰማእታት ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ቅዱሳን

ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ክርስቲያን ኣብ ሮማዊ መዝገበ ሰማእታት ስሞም ክጸሓፍ ንመጀመሪያ ኣይኮነን፥ ኣብ 2021 ዓ.ም. ካቶሊካውያንን ኣርቶዶክሳውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ 1054 ዓ.ም. ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማህደረ ቅዱሳን ስሞም ከም እተወሰኸ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ካብኣቶም እውን ስላቫውያን ቅዱሳን ቴዎዶስዮስን ኣንጦንዮስ ዘፐቸርስካን ኣብ 11 ክፍለ ዘመን ዝነበሩን ከምኡ እውን እስጢፋኖስ በዓል ፐርምን ሰርግዩስ በዓል ራዶነዝን ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩን ዝርከብዎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ቅዱስነቶም ታዋድሮስ ዳግማውን
12 May 2023, 15:23