ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.500.281.jpeg

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ፍቕሪ ማተዮ ሪቺ ንህዝቢ ቻይና ምንጪ ኣስተንፎሶ እዩ!

ኣህዋትን ኣሓትን ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጥና ‘ኣነ ቅኑዕ ድየ ወይስ ላንጋላንጋ እየ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 31 ግንቦት ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ሓዋርያዊ ቅንኣት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኢየሱሳዊ ካህን ማተዮ ሪቺ ዘማእከለ ከም ዝነበረን፥ ማተዮ ሪቺ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ኣብ ርሑቕ ምስራቕ ኮይኖም፥ ንህዝቢ ቻይና ዘገልገሉን ንህዝቢ እታ ሃገር ዘለዎም ፍቕሪ፡ ንክርስቲያናዊ ምስክርነት ኣብነት ቅኑዕ ኣገባብ ኮይኑ ይቕጽል ከም ዘሎ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ማተዮ ሪቺ ንህዝቢ ቻይና ዘለዎ ፍቕሪ ነባሪ ምንጪ ምትብባዕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ ብዝብል ስምዒት ቅዱስነቶም ሰሙናዊ ናይ ዕልተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስትምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣበጊሶም፥ ሪቺ ሓደ ካብቶም ቀዳሞት ኣብ ርሑቕ ምስራቕ ዝነበሩ ኢይሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ዝኾኑ ኣማእኪሎም፥

ንህዝቢ ቻይና ዘለዎ ፍቕሪ ኣብነታዊ እዩ፡ እቲ ኣዝዩ እዋናዊ ዝኾነ ግን ቅንዕና ህይወት ድማ ዝተመላአ እዩ። ክርስቲያናዊ ምስክርነቱ እዩ፡ ክርስትና ናብ ቻይና ዘብጸሐ እዩ!

እንክብሉ ብዝተፈላለየ መዳያት ብሉጽነቱ ንኢዶም፡ እንተኾነ ግን ዕብየቱ ልዕሊ ኩሉ “ምስ ጸዋዕታኡ ዝሰማማዕ ምስቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምስዓብ ድሌቱ ዘተሳነየ” ምዃኑ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥

ኣብ ቻይና

. . . ማተዮ ሪቺ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ማቸራታ ዝተወልደ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኢየሱሳውያን ከም ዝተማህረን ኣብቲ ማሕበር ኣትዩን ኢየሱሳዊ ካህን ኮይኑን ከም ኩሎም ብጾቱ ኢየሱሳውያን ናብቶም ኣብ ርሑቕ ምስራቕ ዝነበሩ ኣህዛብ ክለኣኽ ተሓቲቱን ናብ ቻይና ተላእኩ፥ ቋንቋን ባህልን እቲ ህዝቢ መሊኾም ንኸገልግሉ ናይ 18 ዓመት ዝወስድ ጉዕዞ ምብዳህን ነቕ ዘይብል እምነት ድማ ዝሓትት ነበረ፡ ኣብዚ ድማ ብዙሕ ፈተናታት ከም ዝሰገሩ ኣዘኻኺሮም፥

ኣነቓቓሒ ልኡከ ወንጌል

እቲ ሰፊሕ ትምህርቱን ኣብ ቅንዕናን ኣኽብሮታውን ዘተ ናይ ምውፋር ዓቕሙን ኣብ ኣገልግሎት ወንጌል ዘውዓለ ልኡከ ወንጌል ከም ዝነበረ ገሊጾም፥ እዚ ድማ ዘይክፈት ዝመስል ዝነበር ማእለያ ዝየብሉ ማዕጾ ከፊቱሉ እዩ። በዚ መገዲ እዚ ሪቺ ንብዙሓት ቻይናውያን ደቀ መዛሙርቱን ፈተውቱን ንካቶሊካዊ እምነት ክቕበሉ ከም ዝሰሓበ ኣብሪሆን፡ ኣብ 1610 ዓ.ም. ኣብ መበል 57 ዓመት ዕድመኡ ኣብ ፔኪንግ ከም ዝዓረፈን ምሉእ ህይወቱ ንተልእኾ ወንጌል ዘወፈየ፥ ኣብ ቻይና ዝነበረ ንጉስ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መሬት ቻይና ክቕበር ዝፈቐደሉ ናይ መጀመርታ ወጻእተይና እውን ምንባር ቅዱስነቶም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ዓቢይ ልኡከ ወንጌል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ነቲ ንኹሉ ንጥፈታቱ ዝድርኽን ንህይወት ተልእኾ ወንጌል ህያው ዝገብርን ሓያል ናይ ጸሉት ህይወት ሪቺ ንኢዶም፥ ቅኑዕን ቅርበትን ምስ ክርስቶስ ብጸሎት ኣቢሉ ድማ ሓደ ካብቲ ዓቢይ ባህርያት ናይቶም ዓበይቲ ልኡካነ ወንጌል ብቓልን ህይወትን ዘረጋገጸ እዩ፡ ስለዚህ ኩሎም ምእመናን ኣብ ክርስቲያናዊ እምነቶም ቅኑዓት ድዮም ኣይኮኑን ገዝእ ርእሶም ንኽሓቱ ዓዲሞም፥

ኣህዋትን ኣሓትን ሎሚ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውሽጥና ‘ኣነ ቅኑዕ ድየ ወይስ ላንጋላንጋ እየ ቢልና ገዛእ ርእስና ንሕተት

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስስቶስ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 May 2023, 16:24