ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክረይን ናይ ሰላም ተልእኾ ሓላፍነት ንካርዲናል ዙፒ ይህቡ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክረይን ናይ ሰላም ተልእኾ ሓላፍነት ንካርዲናል ዙፒ ይህቡ 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዩክረይን ናይ ሰላም ተልእኾ ሓላፍነት ንካርዲናል ዙፒ ይህቡ

ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብምስምማዕ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ኣበርክቶ ዝገብር ሓላፍነት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዩክረይ ዝካየድ ዘሎ ግርጭትን ዘሎ ውጥረትን ንምውጋድ ዝሕግዝ ተልእኾ ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ንናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤ ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ሱፒ ብሓላፍነት ከምዝሃቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ዝሕግዝ ተልእኾ ብሓላፍነት ንካርዲናል ማተዮ ሱፒ ብሕድሪ ከም ዘረከብዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጥቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብምስምማዕ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ንምውጋድ ኣበርክቶ ዝገብር ሓላፍነት ብሕድሪ ከም ዘረከብዎምን፥ እዚ እውን ነቲ ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ  ዘለዎም ቅርበት ዘረጋገጽ ምዃኑ የመላኽት።

22 May 2023, 15:55