ድለ

2023.05.08 ር.ሊ.ጳ.፥ ንካህናት ዘመንፈስ ቅዱስ፥ ንእግዚኣብሔር ምስ እንፈቕደሉ ኣባና ሓድሽቲ ነገራት ይፈጥር 2023.05.08 ር.ሊ.ጳ.፥ ንካህናት ዘመንፈስ ቅዱስ፥ ንእግዚኣብሔር ምስ እንፈቕደሉ ኣባና ሓድሽቲ ነገራት ይፈጥር  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ንካህናት ዘመንፈስ ቅዱስ፥ ንእግዚኣብሔር ምስ እንፈቕደሉ ኣባና ሓድሽቲ ነገራት ይፈጥር

ነቲ መሰረታዊ ክብርታት ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ መስህብ መሰረት ገይሮም፥ “ሕድሽ ነገር ምእንቲ ክገብሩ ትብዓትን ንምንፈስ ቅዱስ ተግባር ክፉታትን ገዛእ ርእሶም ክህቡ”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ግንቦት ንወከልቲ ማሕበር ወንጌላዊ ልኡካን ዘመንፈስ ቅዱስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ካህናት ዘመንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ከቢድ ወንጌላዊ ኣገልግሎት ተልእኾኦም ወንጌል ከበስሩን ኣብ ወሰን ሕብረተሰብ ንዝርከቡ ኣዚዮም ዝተጠንጠኑን ሰባት ከገልግሉን ከም ዘተባብዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንኣባላት ማሕበር ወንጌላውያን ልኡካን ዘመንፈስ ቅዱስ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ንጹህ ልቢ ቅድስተ ማርያን ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ ማሕበር ዘመንፈስ ቅዱስ ብዝብል መጸውዕ ዝፈልጥ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበልዎ መንፈሳዊ መስህብ ከም ኢድ እግዚኣብሔር፥ “ንህዝቢ ዝድብስ ንነፍሲ ወከፍኩም እውን ዝድብስ መግለጺ ለውሃት ኣምላኽ እዩ” ቢሎም፥ ነቲ መሰረታዊ ክብርታት ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ መስህብ መሰረት ገይሮም፥ “ሕድሽ ነገር ምእንቲ ክገብሩ ትብዓትን ንምንፈስ ቅዱስ ተግባር ክፉታትን ገዛእ ርእሶም ክህቡ” ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም፡ እቲ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ማሕበር ካብ ዝቐውም ኣብ መበል 175 ዓመት ኣብ ዝበዓለሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ኣመላኺቱ፥

ቀዳማይ መሰረት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ እዚ ክብርታት እዚ ድሮ ኣብ ታሪኽ ቀዳማይ መሰረት ናይቲ ማሕበር ርኡይ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ እቲ ናይቲ ማሕበር መስራቲ ኣብቲ እዋን መንእሰይ ዲያቆን ምስ ዓሰርተ ክልተ ተመሃሮ ዘርኣ ክህነት ብጾቱ ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ብትብዓት ኣብ ዘይተጸበይዎ መንፈሳዊ ቅያ ጉዕዞኦም ከም ዘጀመሩን፡ ሓው ክላውደ ፍራሱዋ ፖላርት ደስ ፕላስ፥ “ንተስፋ ህዱእ መጻኢ - ካብ ሃብታም ስድራ ቤት ዝመጸ ንፉዕ ካህን ጥራይ ክኸውን ይኽእል ነይሩ - ገና ዘይተረጋገጸ ተልእኾ ገዛእ ርእሱ ንመስዋዕትን ብናይ ኻልኦት ዘይምርዳእን ተቓውሞን ኣቃሊዑ ክሳብ ጥዕና ምስኣን ከም ዝበጽሐን” እዚ ድማ ገና ኣብ ንኡስ ዕድመኡ ናይቲ ዝሓለሞ ጉዕዞ ምሉእ ብምሉእ ክዕንብብ ንምርኣይ ከይበቐዐ ንሞት ከም ዘብጸሖን ኣዘኻኺሮም፥ ህይወቱ ንተግባር መንፈስ ቅዱስ ተባዕ ፍቓድ ቀየሮ ብኣኡ ኣቢሉን እግዚኣብሔር ሓድሽ ነገር ከም ዝጀመረን ብኣኡ ኣቢሉ እውን ኣብ ካልኦት” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ካልኣይ መሰረት

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ብዛዕባ ካልኣይ መሰረት ናይቲ ማሕበር ማለት ኣብ 1848 ዓ.ም.፥ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ማሕበር ኩሉ ፍረ ሕሉፍ ታሪኹ ኣብ ሓድሽ ስእሊ ከካፍል” ከም ዝሓተቶን እቲ እዋን ሓደስቲ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ብጾት ዝጽንበሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቶም ናይ ማሕበር ዘመንፈስ ቅዱስ ቅዱስ ልቢ ንጽህተ ድንግል ማርያም ንኽኾኑ ዝተጸንበሩ ልኡካነ ወንጌል ዝነበሩ ግን ከኣ ዝተፈልየ ታሪኽ ዝነበሮም እዮም። “ነዚ ንምግባር ብርግጽ ፍርሕን ቅንእን ምድሆን ኣድላዪ እዩ ነይሩ። . . . ሓይሎም ብምውህሃድ ንሕድሽ ጃምር ይብገሱ።”

ንመበቆሎም እሙናት

ፍራንቸስኮ በዚ ንልዕሊ 175 ዓመታት ዝተዘርገሐ ሃብታም ታሪኽ ናይቲ ማሕበር ሎሚ፥ “ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ተባዕ ልኡምነትን ለጋስነትን ሓልዮት ኣምላኽ ስልማት ፍርያምነት ከም ዝጸገዎን፥ ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራትን ኣብ ስሳ ሃገራት ከም ዝርከብን ኣስታት 2,600 ኣባላት ካህናትን ኣሃውን ወለንተይናታት ዓለማውያን ምእመናን ዝሓቁፍ ኮይኑ፡ እቲ ማሕበር እናዐበየ ከም ዝመጸ እውን ቅዱስነቶም ኣስተብሂሎም፡ እዚ ክኸውን ዘኽኣለ ድማ ናይቲ ማሕበር ኣባላት ወትሩ ንመንፈስ መበቆሎም እሙናት ኮይኖም ስለ ጸንሑን “ንድኻታት ወንጌል ምብሳር ካልእ ክኸዶ ኣብ ዘይደልየሉ ልኡኽ ብምዃን ንኣዝዮም ዝተናዕቁን ኣብ ምግልጋልን ህዝብታትን ባህልታትን ኣብ ምኽባርን ንውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ዘገልግሉ ካህናትን ኣሓውን ክህልዎ ዘኽኣለ፡ ኣብ ሕውነትን ተራ ህይወትን ትጉህ ጸሎትን እዩ” ቢሎም፥ እቲ ክፉትን ኣኽባሪ መንፈሳዊ መስህብ ብፍላይ ሎሚ ክቡር እዩ - ኣብዚ ብድሆ ኣብ መንጎ ብህልትውናን ሓቛፍነትን ህያውን ህጹጽን ኣብ ዝኾነላ ዓለም ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻእን እውን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ጽንዓት

ቅዱስነቶም፥ ነፍሲ ወከፍ ናይቲ ማሕበር ኣባል ኣብቲ ዝተላእከሉ ቦታ ትብዓቶምን ውሽጣዊ ናጽነቶምን ከይሓደጉ፡ እንታይ ደኣ ንዓኡ ኣማዕቢሎም ናይ ሓዋርያዊነቶም መለለዪ ክገብርዎ ኣተሓሳሲቦም፥ “እዚ ዓቢ ስነ ኣእምሮኣዊ ምልክት ናይ መስራቲኹምን ቅድሜኹም ዝሓለፉት ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ጽቡቕ ምስክርነት እዩ፥ እዚ እውን ንኣኻትኩምን ነቲ ማሕበርን ሰናይ ምንዮትን ዕድመን እውን እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 May 2023, 15:49