ድለ

2023.05.05 ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ዘሎና ርድኢት ስድራ ቤት ሱር በተኻዊ ሕዳሴ የተኣታትው 2023.05.05 ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ዘሎና ርድኢት ስድራ ቤት ሱር በተኻዊ ሕዳሴ የተኣታትው  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ዘሎና ርድኢት ስድራ ቤት ሱር በተኻዊ ሕዳሴ የተኣታትው

እቲ ሓቀይና ለውጢ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዘሎና ርድኢት ካብ እዋናዊ ምዕባለታት ዘይኮነስ ካብቲ ‘ፍቓድ ኣቦይ ዝገብር ሓወይ ሓብተይ . . . ከምኡ እውን ኣደይን ኣቦይን’ እዩ እንክብል ኢየሱስ ኣብ ዝሃቦ ሱር በተኻዊ ለውጢ ትርጉም ስድራ ቤት እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢጣሊያ ካብታ መበቆል ኣቦሓጎታቶም ዝኾነት ሰበኻ ኣስቲ ንመንፈሳዊ ንግደት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ተቐቢሎም፥ ናይ ክርስቶስ ፍቕሪ ንኣዚዩ ምትእስሳር ክርስቲያናዊት ስድራ ቤት ዝውክል ምዃኑ ብሰፊሕ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓርቢ ዕለት 5 ግንቦት ካብ ሰበኻ ኣስቲ ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ኢየሱስ ኣብ ልዕሊ ዛዕባ ስድራ ቤት ዘሎና ርድኢት ዘምጽኦ ሱር በተኻዊ ለውጢ ገሊጾም፥ ኣስቲ መበቆል ኣቦኦምን ብዙሓት ኣባላት ዝድራ ቤት ኣደኦም ምዃና ዝፍለጥ ኮይኑ፥

ኣብ ኣስቲ ዘካየድዎ ምብጻሕ

ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ኣብ ኣስቲ ዘካየድዎ ሓውጾተ ኖልዎ ብምዝካር ኣበጊሶም፥ “እተን ምሳኻትኩም ዘሕለፍክወን መዓልታት ዓቢይ መጸናንዕን ናይ ብሓቂ ሰብኣዊ ውዕዉዕ መንፈስ ዝረኣኹሉ ህሞት” እዩ ነይሩ እንክብሉ ገሊጾም፥ ልዕሊ ኩሉ ምስቶም ኣባላት ስድራ ቤቶም ዘሕለፍወን ሰዓታት ዘኪሮም፥ እቲ ህሞት “ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ምርኻብ ዘለዎ ዓቢይ ትርጉም መሊሱ ኣብ ውሽጦም ክሓደር ከም ዝገበረን ምስ ኣዝማዶም ግዜ ከሕልፉ ከም ዘኽኣሎምን በዚ ከይተሓጽረ ምስ መላእ ናይታ ሰበኻ ማሕበረሰብን ምስ ኩሎም ተቐማጦ ክራኸቡ ከም ዝገበሮም እውን ገሊጾም፥ ነቲ ዘካየድዎ ርክብ እውን ዘይርሳዕ ተዘክሮ እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ኢየሱስን ሰውራ ስድራ ቤትን

ስድራ ዝብል ናይቲ ቅዱስነቶም ናይ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ሕመረት ኮይኑ፡ ስድራ ቤት ኣዚዩ ዝተቐየረን ሕጂ እውን ኣዚዩ ዝቕየር ዘሎ ክውንነት ምዃኑ ሓቢሮም፡ እንተኾነ ግን “ናይ ክብርታት መሰረት ካብ ምዃን ኣይቦኸረን፡ እቲ ሓቀይና ለውጢ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዘሎና ርድኢት ካብ እዋናዊ ምዕባለታት ዘይኮነስ ካብቲ ‘ፍቓድ ኣቦይ ዝገብር ሓወይ ሓብተይ . . . ከምኡ እውን ኣደይን ኣቦይን’ እዩ እንክብል ኢየሱስ ኣብ ዝሃቦ ሱር በተኻዊ ለውጢ ትርጉም ስድራ ቤት እዩ። ስለዚህ ንኽርስቲያን እቲ ኣገዳሲ ማእስር ‘ናይ ደም’ ዘይኮነስ ‘ፍቕሪ ክርስቶስ እዩ’ ቢሎም፥ ነቶም ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ “ኣሕዋትን ኣሓትን” እንክብሉ ክሰምይዎም፥ ልሙድን ቀመራውን መግለጺ ዘይኮነስ ክውንነት እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጠሮ ሓድሽ ክውንነት ድማ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ኵላትና ኣሕዋት

ቅዱስነቶም ኩላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቶም መሰረት፡ ኣብ ከተማ ኣስቲ ኩላትና ኣሕዋት ብዝብል መጸውዕ ዝተመስረተ ንድኻታትን ስኡናትን ናይ ክንክን ጥዕና ኣገልግሎት መውሃቢ ማእከል ዘኪሮም፥ ኵላትና ኣሕዋት ነሓለምቲ ጥራይ ዘይኮነ ንኹላትና ኣሕዋትን ኣሓትን ዝገበረና ኢየሱስ ክርስቶስ መሰረት ዝገበር እዩ። መገዱ ድማ ወንጌል እዩ፡ ብፍቕርን በገልግሎትን ይቕረ ብምብህሃል እንመላለሰሉ መገዲ እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

06 May 2023, 16:06