ድለ

ድልድላት ሰብኣውነት ንምህናጽ ሡር መሠረትና ኣይንረስዕ! ር.ሊ.ጳ

‘ንኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ብምትሣኡ ሕያው ተስፋ ዝሃበና፣ ብብዝኂ ምሕረቱ ብሓድሽ ልደት ውሉዱ ዝገበረና እግዚኣብሔር፣ ኣቦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይመስገን። ንሱ ነቲ ዘይጠፍእን፡ ዘይበላሾን፡ ዘይጽምሉን፣ ኣብ ሰማያት ኣዳልዩልና ዘሎ ርስቲ ኽንወርስ ገበረና። ንስኻትኩም ስለ ዝኣመንኩም፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመን ክገሃድ ዘለዎ ድኅነት ክሳዕ ዝመጽእ፣ ኃይሊ እግዚኣብሔር ክሕልወኩም እዩ። ንቑሩብ ጊዜ ብዙኅ ብዝዓይነቱ ፈተና ኽትኃልፉ እኳ ግዲ እንተ ኾነ፣ በዙይ ክትሕጐሱ ኢኹም። እዚ ፈተና እዙይ ዝበጽሐኩም ከዓ፣ እታ እምነትኩም ብሓዊ ኻብ ዝዂላዕ ብሉጽ ወርቂ አመና ኸቢራ ምእንቲ ኽትርከብ እሞ፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ክግለጽ እንተሎ፣ ምስጋናን ስብሓትን ክብርን ምእንቲ ኽተምጽአልኩም እያ’ (1ጴጥ 1.3-7)።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ቅድሚ ሣልስቲ ካብ ናብ ሃገረ ሃንጋሪ ዝገበርክዎ ሓውጾተ ኖልዎ ተመሊሰ። ንኹሎም ነዚ ምብጻሕ ዘዳለዉን ብጸሎቶም ዘሰነዩንን አመስግኖም። ብፍላይ ድማ ንሰበስልጣን እታ ሃገርን፡ ንቤተ ክርስቲያን እቲ ከባቢን ተባዕን ሃብታም ዝኽሪ ንዘለዎ ህዝቢ ሃንጋሪን፡ ምስጋናይ ከሐድስ እፈቱ። ኣብ ቡዳፐስት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ፍቕሪ ኩሎም ሃንጋርያውያን ኣብ ልበይ ተሰሚዑኒ። ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብኽልተ ኣብነታት፡ ማለት ብሱርን ድልድላትን ክዛረበኩም እፈቱ።

እቲ ሱር፡ ታሪኽ ሃገረ ሃንጋሪ፣ ከምቲ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፡ ብ«ብዙሓን ቅዱሳንን ጀጋኑን፡ ብትሑታትን ጻዕራማትን ሰባት ዝተኸበበ» እዩ (ብኣጋጣሚ ስነ-ስርዓት እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ዝተዋህበ ቃል ኣብ ቡዳፐስት፡ መስከረም 1996 ዓ.ም.ፈ.)። ናይ ብሓቂ ሓቆም ነበሩ። ብዙሓት ገርሀይናታትን ጻዕራማትን ሰባት ነቲ ምትእስሳር ምስ ሱሮም ብኹርዓት ክሕልዉ ርእየ እየ። ካብዚ ሱር መሠረት እዚ ድማ፡ ከምቲ ምስ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያንን ምስ መንእሰያትን ኣብ ዝተገብረ ርክባት ዝተዋህበ ምስክርነት መርትዖ፡ ቅድሚ ኩሉ ቅዱሳን ኣለዉ፡ ንህዝቢ ሕይወቶም ዝሃቡ ቅዱሳን፡ ንወንጌል ፍቕሪ ዝመስከሩ ቅዱሳን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ህሞታት ጸልማት መብራህቲ ኮይኖም ዝጸንሑ፤ ብዙሓት ናይ ትማሊ ቅዱሳን ሎሚ ክርስቶስ መጻኢና ምዃኑ እናዘከርና ንሓደጋ ስዕረትን ፍርሒ ጽባሕን ክንሰግሮ ዝምዕዱና ኣለው። ቅዱሳንከስ ነዚ የዘኻኽሩና፡ ክርስቶስ መጻኢና እዩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ጽኑዕ ክርስትያናዊ ሱር ህዝቢ ሃንጋሪ ኣብ ፈተና ኣትዩ ኣሎ። እምነቶም ብሓዊ ተፈቲኑ እዩ። ብርግጽ ኣብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ ናይ ኣምላኽ ዘይብሎም ስደት ክርስትያናት ብዓመጽ መጥቃዕቲ በጺሕዎም፣ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ገዳማውያንን ገዳማውያትን ዓለማውያን ምእመናንን ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎም ወይ ናጽነቶም ተነፊጎም። ኦም እምነት ክንቆርጽ ኣብ ዝተፈተነሉ ዘመን ግን እቲ ሱር ኦም ከይተበላሸወ ጸንሐ። ሓንቲ ሕቡእቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ግን ከኣ ህያው፡ ሓያል፡ ብሓይሊ ወንጌል ጸኒዓ ጸንሐት። ኣብ ሃንጋሪ ድማ እዚ ናይ መወዳእታ ስደት፡ እዚ ኮሚኒስታዊ ጭቆና፣ ምስቲ ዘሕዝን ቀቅድሚኡ ዝነበረ ምስጓግ ብዙሕ ህዝቢ ኣይሁድ ብናዚ ነበረ። ኣብቲ ኣረሜናዊ ምጽናት ዓሌት ግን ብዙሓት ብተቓውሞኦምን ነቶም ግዳያት ናይ ምክልኻል ዓቕሞምን ጐሊሖም ይረአ ነበረ። እዚ ድማ ሱር መሠረት ናይ ብሓባር ምንባር ጽኑዕ ስለ ዝነበረ እዩ ተኻኢሉ። ንሕና ኣብ ሮማ ነዚ ኩሉ ፈተናታት ሓሊፋ ንመንእሰያት ብስደት፡ ብተስፋ ምቑራጽ ከይትስዓር፡ ንሓደ ራእይ ክቃለሱ ከምዘድሊ እትነግሮም ንፍዕቲ ሃንጋርያዊት ገጣሚት ኣለና። እዛ ገጣሚት ሎሚ 92 ዓመት ትመልእ: ርሑስ ልደት ኤዲት ብሩክ!

እንተኾነ ግን ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ ጉባኤታት ምስ መንእሰያትን ምስ ባህላዊ ዓለምን ዝተቐልቀለት ናጽነት ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ኣላ። ከመይ እንተበልና? ልዕሊ ኩሉ ብቊሩብ ንዋታዊ ጽቡቕ ምህላው ዝዓግብን፡ ነቲ ዝሓለፈ ረሲዑ፡ ብውልቃዊ ደረጃ ኣብ ዝተሰርሐ ህሉው ኩነታት "ዝንሳፈፍን" መደንዘዚ ዝገብር ሃልኪ ዝሽፍን በጃ ኢድ ገቢርካ ምንባር ተለሚዱ። እዚ ድማ እቲ ብሃልኪ ዝፍጸም ሓደገኛ ስደት ዓለማዊ መንፈስ እዩ። እቲ እንኮ ዘገድስ ብዛዕባ ነብስኻ ምሕሳብን ዝደለኻዮ ምግባርን ምስ ዝኸውን ግን ሱሩ ይሕንክስ። ንኻልኦት ምውፋይ፣ ከም ማሕበረሰብ ምዃን፣ ብሓባር ምሕላምን ዓበይቲ ስድራቤታት ምፍጣርን ዝስምዓካ ጽባቐ ኣብ ቅልውላው ዝኣተወላ ኩነታት ንመላእ ኤውሮጳ እውን ዝምልከት ጸገም እዩ። መላእ ኤውሮጳ ኣብ ቅልውላው ኣትያ ኣላ። እስከ ብዛዕባ ኣገዳስነት ምሕላው ሱር መሠረት ነስተንትን! ምኽንያቱ ከኣ ኣዕሚቚካ ሱር መሠረትካ ብምፍታሽ ጥራይ እዩ እቶም ጨናፍር ንላዕሊ ዝዓብዩን ፍረ ዘፍርዩን። ነፍሲ ወከፍና ንነብስና ዋላውን ከም ህዝቢ፡ ነዚ ክንሓትት ንኽእል ኢና፡ እቶም ኣገደስቲ ሱር ህይወተይ ኣየኖት እዮም? ኣበይ እየ ሱር ሰዲደ ዘሎኹ? እዝክሮ ድየ፡ እከናኸኖ ድየ? ቢልና ሕልናና ንሕተት።

ድሕሪ ሱር ኣብዚ ካልኣይ ኣብነት ኣሎ፡ ድልድላት ወይውን ቢንቶታት። ቅድሚ 150 ዓመታት ካብ ሕብረት ሰለስተ ከተማታት ዝተወልደት ቡዳፐስት፡ በቲ ዝሰግራን ክፋላታ ዘጣምርን ድልድላት ፍልጥቲ እያ። እዚ ድማ ብፍላይ ምስ ሰበስልጣን ኣብ ዝተገብረ ርክባት፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ህዝብታት ድልድል ሰላም ምህናጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘዘኻኸረ ነበረ። ብፍላይ፡ ከም "ድልድል ሰላም" ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ፍልልያት ምሕዋስን ነቶም ማዕጾኣ ዝኹሕኩሑ ምቕባልን ጸዋዕታ ኤውሮጳ እዩ። በዚ መንጽር እቲ ንብዙሓት ስደተኛታት ካብ ጎረቤት ሃገር ዩክሬን ዝተፈጥረ ብመንፈስ ሰብኣውነት ዝተሃንጸ ድልድል፡ ነቲ ዓቢ መርበብ ግብረ ሰናይ ቤተክርስትያን ሃንጋሪ እውን እናኣድነቕኩ ክረኽቦ ዝኸኣልኩ፡ ጽቡቕ ኣብነት እዩ።

እታ ሃገር "ንጽባሕ ዝኸውን ድልድላት" ኣብ ምህናጽ እውን ኣዝያ ትሕዝት እያ። ኣቓልቦኣ ኣብ ክንክን ስነ-ህይወት ዓቢ እዩ - እዚ ድማ ብዛዕባ ሃንጋሪ ኣዝዩ ኣዝዩ ጽቡቕ ነገር እዩ - ክንክን ስነ-ህይወት ንዘላቒ መጻኢ ኣገዳሲ እዩ። ከማኡውን ስራሕ ኣብ መንጎ ወለዶታት ድልድል ንምህናጽ ሓጋዚ እዩ። ሎሚ ኣብ መንጎ ሽማግለታትን መንእሰያትን ድልድል ምህናጽ፡ ንኹልና መተካእታ ኣልቦ ብድሆ ኮይኑና ኣሎ። ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ኣብቲ ፍሉይ ጉባኤ ዝተቐልቀለ ናብ ናይ ሎሚ ሰብ ገጻ ክትዝርግሖ ዝተጸውዐት ብምዃና ክትሃንጾም ዘለውዋ ድልድላት እውን ኣለዉ፣ ምኽንያቱ ስብከት ክርስቶስ ኣብ ምድግጋም ዝሓለፈ ጥራይ ክቐውም ስለዘይክእል፣ ናይ ዘመንና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንኢየሱስ ዳግማይ ምእንቲ ኽረኽብዎ ስብከተ ወንጌል ኩሉ ግዜ እዋናዊ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ዝፈጸምናዮ ሠናይ ናይ ቅዳሴ ህሞታት፡ ምስ ማሕበረሰብ ግሪኽ-ካቶሊካዊ ዝተገብረ ጸሎትን ብብዙሕ ተሳትፎ ዝተገብረ ክቡር በዓል ጥቀ ቅዱስ ቁርባንን ብሞሳ እናዘከርኩ፡ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ድልድል ምህናጽ ዘለዎ ጽባቐ ደስ ዘብል ነበረ። ኣብ ሃንጋሪ ዝተፈላለየ ሥርዓታትን ብሔራትን፡ ከምኡ’ውን ዝተፈላለየ መግለጺ እምነት ዘለዎም ክርስትያን፡  ብጽቡቕ ብሓባር ዝሰርሑ፡ ሰንበት ኣብ ቅዳሴ ተረኺቦም ነይሮም። እዚ ድልድል ንምህናጽ ማለት፡ ድልድል ስኒትን ድልድል ሓድነትን ንምህናጽ ነበረ።

ኣብዚ ሓዋርያዊ ምብጻሕ እዚ፡ እቲ መለለዪ ባህሊ ሃንጋሪ ዝኾነ ሙዚቃ ኣገዳስነቱ ኣዝዩ ኣገሪሙኒ።

ኣብ መወዳእታ ክዝክሮ ደስ ዝብለኒ፣ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት፣ ሃንጋርያውያን ንቅድስቲ ወላዲተ ኣምላክ ኣዝዮም ውፉያት ምዃኖም እዩ። ካብ ቐዳማይ ንጉሦም ቅዱስ እስጢፋኖስ ጀሚርካ እታ ሃገር ንኣኣ ዝተወፈየት ኮይና፣ ካብ ክቱር ኣኽብሮታ ዝተላዕለ ስማ ከይደመጹ ብመዓርግ ንግሥነታ ጥራይ ይጽውዕዋ። እምበኣር ነዛ ክብርቲ ሃገር ናብታ ንግሥታ ዝኾነት ንግሥቲ ሃንጋሪ ነማዕቁባ፡ ኣብ ዓለም ድልድላት ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ከኣ ንንግስቲ ሰላም ንህቦ። ነታ ኣብዚ ወቕቲ ፋሲካ ንግሥተ ሰማይ እናበልና ንእነመስግና ንግስቲ ሰማይ፡ ልብና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሱር ዝሰደደ ምእንቲ ክኸውን ንዓዓ ነወፍዮ።

ብድምጺ ንምክትታል!
03 May 2023, 16:39

ናይ መጨረሻ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ

ንኩሉ ኣንብብ >