ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ውግእን ዓመጽን ልማድ ኣይንግበሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ውግእን ዓመጽን ልማድ ኣይንግበሮ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ውግእን ዓመጽን ልማድ ኣይንግበሮ

በጃኹም ግርጭን ዓመጽን ኣይንልመድ፡ ኲናት ኣይንልመድ፥ ከም ልሙድ ኣይንርኣዮ! ቢሎም ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ከብቅዕን ስቓይ ህዝቢ ይክረይን እውን ክእለን ማሕበረብ ዓለም ተጊሁ ምእንቲ ሰላም ክዓዪ ሓቲቶም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕርጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ኣብ ሱዳን ዝተባርዐ ውግእ ብዘተ ክፍታሕ ኣብ ምግባር ኣበርቲዑ ክዓይን ከምኡ እውን ኣብ ጎድኒ እቲ ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዪክረይን ደው ክብል ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም ኣብ ሱዳን ተዋሳእቲ ሓድሕዳዊ ወግእ ኣጽዋሮም ከውርዱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ዘተ ክስዕርን ስቓይ ህዝቢ ክእለን ዘይሕለል ጻዕሪ ክገብር ጻውዒት ኣቕሪቦም፥

በጃኹም ግርጭን ዓመጽን ኣይንልመድ፡ ኲናት ኣይንልመድ፥ ከም ልሙድ ኣይንርኣዮ!

ቢሎም ኣብ ሱዳን ዘሎ ውግእ ከብቅዕን ስቓይ ህዝቢ ይክረይን እውን ክእለን ማሕበረብ ዓለም ተጊሁ ምእንቲ ሰላም ክዓዪ ሓቲቶም፥

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን

በቢ ዓመቱ ሰንበት ቅድሚ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፥ እቲ ናይ ለምዘበን ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን መርሕ ቃል፥ “ብልቢ ምርኻብ - ምዝራብ” ዝብል ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም፥ ንኽፉትን ተቐባልን ርክብ ዝድርኸና ልቢ እዩ፥

ነቲ ዕድል ብምጥቃም ንኹሎም ኣብ መዳይ መራኽቢ ብዙሓን ዝዓዩ ኣመስጊኖም፥ ኵሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ሓቅን ናይ ሓባር ረብሓን ከኸውን ድማ ተስፋኦም ገሊጾም፥

ቅነ ‘ይሴባህ’

በታ ዕለት እቲኣ ድማ ቅነ፡ ‘ይሰባህ” ዝብገስ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ነዛ ቅነ ይሴባህ እዚኣ ንምኽባር ፍጻሜታትን ንጥፈታትን ንምድላው ዝዓዩን ዝተፈላለ መዳባት ንዘካይዱ ኵሎም ኣመስጊኖም፥ “ንኹሉ ሰብ ንሓልዮት ናይ ሓባር ቤትና ብሓባር ክሰርሑ እዕድም” ቢሎም፥ “ክእለትን ምህዞን ኣብ ሓደ ምምጻእ  ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ብውሁድ ኩለንተናዊ ሰብኣዊ ዕቤት ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምስ ናይ ስቶኮልም ናይ ምህዳር ተቕዋም ብምትሕብባር “ይሴባህ” ዓዋዲት መልእኽቲ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ክዕደል ብምግባሮም እውን ኣመስጊኖም፥ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝተኣሳሰረ ኣብ ኢጣሊያን ካልኦት ዞባታት ዓለምን ዝተራእየ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ዘኪሮም፥ ንዅሎም ዝተጉድኡ ሰባት ቅርበቶምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ደጊሞም ንኹሎም ኣብ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ንዝሓበሩ ድማ ሰላምእታኦም ኣቕሪቦም ከም እተፋነዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 May 2023, 15:52