ድለ

2023.05.16 ር.ሊ.ጳ.፥ ሲኖዳውነትን ኣገልግሎትን ወትሩ ድልውነት ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን! 2023.05.16 ር.ሊ.ጳ.፥ ሲኖዳውነትን ኣገልግሎትን ወትሩ ድልውነት ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን! 

ር.ሊ.ጳ.፥ ሲኖዳውነትን ኣገልግሎትን ወትሩ ድልውነት ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን!

“እዚ ጉባኤ ነታ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን እትርከብ ነጋዲት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ፍረ ከተፍሪ ብፍላይ ንድኻታትን ንዝተገለሉን ኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ኣስተውዒላ ብሲኖዳውነት ምስ ኩሉ ቅዱስ ህዝበ እግዚኣብሔር ሓቢራ ከተገልግል

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ፖርቶሪኮ ዝካየድ ዘሎ መበል 39 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ምኽንያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስ መላእ ቅዱስ ህዝበ እግዚኣብሔር ሓቢራ ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣስተንፎ ክትመምይ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እዚ ጉባኤ ነታ ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን እትርከብ ነጋዲት ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ፍረ ከተፍሪ ብፍላይ ንድኻታትን ንዝተገለሉን ኣስተንፍሶ መንፈስ ቅዱስ ኣስተውዒላ ብሲኖዳውነት ምስ ኩሉ ቅዱስ ህዝበ እግዚኣብሔር ሓቢራ ከተገልግል ወትሩ ድልውቲ ክትከውን” ጸሎቶም ምዃኑ ናይ ቅድቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብቲ ናይቲ ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳስት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ሕብረት ኣቦ መንበር ናይ ትሩኺዮ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ሚገል ካብሬኮስ ኣብ ዘመሓልለፍዎ መልእኽቲ ኣረጋጊጾም፥ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 16 – 19 ግንብት ኣብ ፖርቶሪኮ ዝካየድ መበል 39 ሱርዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ስለ እቲ ዝካየድ ኣኼባ ኣመስጊኖም ሕውነታዊ ፍቕሮም ገሊጾም፥ እቲ ኤጲስ ቆጶሳዊ ጉባኤ ኣብ ጸሎትም ዝኩር ምዃኑ ሓቢሮም ንኹሎም ተጋባእያን ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣመሓላሊፎም፥ “እዚ ቡራኬ እዚ እውን “ንኹሎም ኣብ ጉስነቶም ብሓላፍነት ንዝተዋህቦም ድማ ክበጽሑ -  ምኽንያት ሓጎስ ይኾነኒ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ጉባእያውነት ኤቅለሲያውነትን ሲኖዳውነትን ንተልኾ”

ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ኤጲስቆጶሳዊ ቤት ምኽሪ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ከም ዘፍለጦ፥ ናይቲ ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ መርሕ ቃል፥ ጉባእያውነት ኤቅለሲያውነትን ሲኖዳውነትን ንተልኾ ዝብል እዩ። ከምኡ እውን ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ምስ ዘነቓቐሖ መስርሕ ዝሰማማዕ ኮይኑ፡ ቤተ ክርስቲያን ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ምስ መላእ ቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምዕዳን ሲኖዳውነት ብሓላፍነት መንፈስ ከም እተነቓቕሖ ዘረጋግጽ እዩ።

ካብ 20219 ዓ. ዝተበገሰ መስርሕ ህዳሴ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ

ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ኣገላልጻ ጳጳሳት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ዝኽተሎ ኣንፈት ዝውስነሉ ህሞት ንቤተ ክርስቲያን ኣብዛ ኣህጉር ዘነቓቕሕ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። መስርሕ ህዳሴን ዳግመ ውደባን ንምሕያል ዝዓለመ እዩ። እዚ እውን ጉባኤ ኤጲስቆጶሳት ኣብ ሆንዱራስ ኣብ ዘካየዶ መበል 37 ስሩዕ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼብኡ ዘበገሶ ከም ዝኾነን ብተመሳሳሊ መገዲ ብዙሓት ነቲ ካብ 2021  - 2024 ዓ.ም. ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ህይወት ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዝርእይዎን፡ እቲ ኣብ መክሲኮ ዝተኻየደ ምዕዳን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መሰረት ገይሩ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝውክሉ ኣሳቲፉ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ዓ.ም. ኣብ መክሲኮ ዝተኻየደ ቀዳማይ ኤቅለስያዊ ጉባኤ ሲኖዳዊ ተመክሮ ዘረጋግጾ እውን ምዃኑ ኣብቲ ናይቲ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ወግዓው መርበብ ሓበሬታ ተመልኪቱ ኣሎ።

17 May 2023, 15:47