ድለ

2023.05.12 Auditorium di via della Conciliazione: Stati Generali della Natalità 2023.05.12 Auditorium di via della Conciliazione: Stati Generali della Natalità  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ.፥ ‘ርሑስ በዓል ኣዴታት ይግበረልና!’

ንዅለን ኣዴታት ክሳብ ሕጂ ምሳና ዘለዋን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸዳን ብፍቕርን ሞሳን ንዘክር። ንማርያም ኣደ ኢየሱስ ሕድሪ ነቕርበን!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 14 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር መሪሖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ዕለት 14 ግንቦት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ኣዴታት ምዃኑ ብምዝኽካር፥ ንኹለን ኣዴታትን ንኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብዛ መዓልቲ ኣዴታት ኵሉ ሰብ ብምስጋና ነዴታት ክዝክር ኣተባቢዖም፥ መዓልቲ ኣዴታት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ካልኣይ ሰንበት ወርሒ ግንቦት ዝኽበር ክኸውን እንከሎ፥ ነተን ኣደነት ዝነብራ ኪሉ ዘለዎም ኣድናቖት ገሊጾም፡ ንኹለን ኣዴታት “ንሓለዋ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ እብል . . .

ንዅለን ኣዴታት ክሳብ ሕጂ ምሳና ዘለዋን ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸዳን ብፍቕርን ሞሳን ንዘክር። ንማርያም ኣደ ኢየሱስ ሕድሪ ነቕርበን!

ቢሎም፥ ነተን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ጸሎት ንግስተ ሰማይ ንዝሓበራ እዴታት ኩለን ዝተባርከ መዓልቲ ኣዴታት ምንዮትና ብጣቕዒት ንግለጸለን ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

15 May 2023, 16:15