ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንፈስ ቅዱስ ይእርመናን ይከላኸለልናን!

“ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንድምጽን ንህላወኡን ልኡማት ኣብ ምዃን ትደግፈና”

ዕለት 14 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ከምቲ ልሙድ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕ. 14, 15 – 21 ዝተወስደ ምንባብ ኣማእኪሎም፥ መንፈስ ቅዱስ ካብ ናይ ሓሶት ክስታት እናተኸላኸለልና ንጌጋ ስጉምትና ከም እሙን ዓርኪ ብህድኣት ኣናተኻኸለ ምሳና ይጓዓዝ ዝብል ሃሳብ ዘማእከለ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ሻድሻይ ሰንበት ዘፋሲካ ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ኢየሱስ ንመንፈስ ቅዱስ “ጰራቅሊጦስ” ቢሉ ከም ዝጽውዖ ኣስተብሂሎም፥ ጰራቅሊጦስ “መጸናንዕን ጠበቓን ዝብል ሓሳብ ዘጣመረ ቃል እዩ፡” ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ንበይንና ኣይሓድገናን ቀረባና ኮይኑ ልክዕ ከም ሓደ ተኸሲሱ ንፍርዲ ንዝቐርብ ዝሕግዝ ጠበቓ ኣብ ጎድንና ደው ከም ዝብልን፥ ንሱ ኣብ ጎድናን ኮይኑ “ዘጸናንዓናን ዝጣበቐልና እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ከም ዓርኪ ኣብ ህይወት ዘሰንየና ልኡም መራሒ

መንፈስ ቅዱስ ቀረባና ምዃኑ ቅዱስነቶም ብምዝኽኻር፥ ‘ጰራቅሊጦስ’ ፈጺሙ ንበይንና ዘይሓድገና ኣብ ክንድኡስ “ኣብ ህይወትና ዘሰንየና ጽኑዕ ህላወ እዩ . . . ከም ዘፍቅረና ተመሲሉ ዘይኮነ ብሓቂ ድማ ስለ ዘፍቅረና ወትሩ ኣብ ጎድንና እዩ! ብሓቂ ዘፍቅር ብምዃኑ ድማ እዚ መንፈስ ኣምላኽ እሙን ዓርኪ ኮይኑ ኣባና ይሰርሕ ምሕረትን ሓይልን ኣምላኽ የጸግወናን ክንጋገ እንኮለና ድማ ይእርመና።”

“ጌጋታትና ኣብ ፊትና ኣንቢሩ ክእርመና እንከሎ ብለውልሃት እዩ ዝገብሮ - ኣብቲ ንልብና ዝዛረብ ድምጺ ወትሩ ድምጺ ለውሃትን ውዑይ ፍቅርን ኣሎ” ከምዝ በሉ ኣፍሊጡ።

ካብ ከሰስትና ዝኸላኸለልና

መንፈስ ቅዱስ “ጠበቓና” ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፥ ጰራቅሊጦስ ካብ ከሰስትና ይከላኸለልና፡ ዋላ እውን “ንገዛእ ርእስና ዘይነደንቅን ይቕረ ዘይንብልን እውን እንተኾንና ካብ ገዛእ ርእስና ይኸላኸለልና . . . ዓለም ክትጎስየና እንከላ ወይ ምስ እትደሊ፥ ዲያብሎስ እቲ ከሳሲና ብዓቢኡ ዘይረብሑን ኣልቦ ሓሴትን ክስምዓና ምስ ዝገብር ወይ ምስ ዝፈታተነና ጠበቓና ብምዃኑ ድማ ኣብ ጎድንና ደው ይብል!” ንዘቕረበልና ክስታት እውን “ከመይ ጌርና ክንምልሶ ከም እንኽእል ነቲ ኩሉ ኢየሱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ወትሩ ንዝነገረና ኵሉ ብምዝኽኻር ይምህረና። ኢየሱስ ኣቦና ከም እንፈልጥ ገይሩናን ኣብ ልዕሌና ደቂ ዘለዎ ፍቕሪ ድማ ገሊጹልናን ኣረጋጊጹልናን እዩ” ቢሎም፥

ጸሎት ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስ ቅዱስ

ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ “መንፈስ ቅዱስ ብፍላይ ወትሩ ኣብ ውሽጥና ስለ ዝኾነ ኵላትና ክርስቲያን ክንጽውዖን ብዘይምቁራጽ ናብኡ ክንጽልይን” ዓዲሞም፥ “ቅድስቲ ድንግል ማርያም ንድምጽን ንህላወኡን ልኡማት ኣብ ምዃን ትደግፈና” እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

15 May 2023, 16:05