ድለ

2023.05.07 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጎድኒ ግዳያት ኣብ ምዃን ኣይንድከም! 2023.05.07 ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጎድኒ ግዳያት ኣብ ምዃን ኣይንድከም!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ጎድኒ ግዳያት ኣብ ምዃን ኣይንድከም!

ናብቶም ምስ መስራቲ ማሕበር መተር ኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶ ኣብቲ ጉባኤ ጸሎተ ንግስተ ሰላም ንዝሓበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽን ግህሰትን ዝኸላኸሉ ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 7 ግንቦት ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፍጸም ዓመጽ ንምክልኻልን ንምምካትን ኣብ ዝብል ዕላማ ንዘገልግል ማሕበር መተር ኣባላትን ነቶም ኣብታ ዕለት እቲኣ ቃለ ማሕላ ዝፈጸሙ ሓደስቲ ኣባላት ናይ ጳጳሳዊ ሐለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ፥ እግዚኣብሔር ሓደስቲ ብጹዓን ስለ ዝዓደለና ነመስግኖ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኹሎም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ምእመናንን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፥

ማሕበር መተር

ናብቶም ምስ መስራቲ ማሕበር መተር ኣባ ፎርቱናቶ ዲ ኖቶ ኣብቲ ጉባኤ ጸሎተ ንግስተ ሰላም ንዝሓበሩ፡ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዝፍጸም ዓመጽን ግህሰትን ዝኸላኸሉ ስለ ኣገልግሎቶም ኣመስጊኖም፡ ኣብዚ ተልእኾ እዚ “እቲ ማሕበር ካብ ዝቐውም ሳላሳ ዓመት ከይተሓለሉ ህጻናት ካብ ግህሰትን ዓመጽን ኣብ ምክልኻል ከም ዝርከቡ እውን ዘኪሮም፥ ኣብ ጎድኒ ግዳያት ኣብ ምዃን ፈጺምኩም ከይትደኽሙ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓደስቲ ክልተ ብጹዓት

ቅዱስነቶም ናብቶም ዕለት 6 ግንቦት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡራጓውይ፥ ጳጳስ ጃቺንቶ ቨራ ብጽዕና ከም ኣወጀትሎም ዘኪሮም፥ “ንህዝቡ ዝሓልይ ጓሳ` ለጋስን ብቀናእ መንፈስ ተልእኾ፡ ወንጌል ዝመስከሩ፡ ኣብቲ ወጥሪ ዝመልኦ ሃዋህው ኲናት ሓድሕድ፡ ማሕበራዊ ዕርቂ ክህሉ ዝገበሩ” እንክብሉ ከም ዝገለጽዎምን ከምኡ እውን ኣብ ስፐይን መንእሰይ ማርያ ደ ላ ኮንሰፕሲዮን ባረቸጉረን ዪ ጋርስያን ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትላን፥ “ብከቢድ ሕማም እትሳቐ ዝነበረት ስቓያ ብዓቢ መንፈሳዊ ሓይሊ ጸይራ ብዝመስከረቶ እምነት ዝመልኦ ህይወት እትድነቕን ምጽንናዕ ዘነቓቐሐት ኣብ 1927 ዓ.ም. ኣብ መበል 22 ዓምት ዕድመኣ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየት” ምዃና ዘኪሮም፥ ”እግዚኣብሔር ክልተ ሓደስቲ ብጹዓን ስለ ዝሃበና ሓጎስና ብጣቕዒት ንግለጸሎ ቢሎም፥

ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድ

 “ቃለ ማሕላ ንዝፈጸሙ ሓደስቲ ኣባላት ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ስዊዘርላንድን ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ከምኡ እውን ነቶም ኣብ ጽምብል ቃለ ማሕላኦም ንዝሓበሩ ናይ ስዊዘርላንድ ሰበ ስልጣን” ፍልዩ ሰላምእታ ኣቕሪቦም ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

08 May 2023, 15:52