ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.750.422.jpeg

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ወርሓ ሰነ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ህስያ ንምጥፋእ

ኢየሱስ ባዕሉ ከመይ ከም እተሳቐየን ከም ዝተሰቕለን እስከ ንሕሰብ!

እቲ ብመገዲ ዓለም ለኻዊ መርበብ ጸሎት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ኣብ ዘመሓላለፎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትን ሓሳብን ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ኣብ ወርሓ ሰነ፥ “ኣብ መላእ ዓለም ብኹሉ መዳዩ ስቅያትን ህስያን ክውገድ” ዝጠብል ጻውዒት ዘማእከለ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ መላእ ዓለም ብኩለ መዳይ ዝፍጸም ስቅያትን ህስያን ክውገድ ዝጠልብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ ነዚ ተርእዮ እዚ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ በቲ ዓለም ሓቆፍ መርበብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ናይ ጸሎት ሓሳብ ኣቢሎም ንመላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብሓላፍነት ኣብ ዝሃብሉ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥ ህስያን ስቅያትን ክጠፍእ፥ ነዚ ሓሳብ ብምግባር ክጽለን ኣብዚ መዳይ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ኣብርቲዑ ክጽልን ክዓይን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ስቅያትን ህስያን ሕሉፍ ተግባር ዘይኮነስ ሎሚ እውን ዝርአ ዘሎ መዓት እዩ” እንክብሉ ከም ዝነቐፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ጐይታ ስቓይ

ኢየሱስ ክርቶስ ጐይታ ስቅያት ከም ዝተጻወረ ብምምልካት ከምኡ እውን ሎሚ ክንደይ ከምዚ ዓይነት መከራ ይጻወር ከምዘሎን፥ እዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ይቕጽል ምህላዉ ቅዱስነቶም ጓሂኦም ገሊጾም፥ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነዚ ምንጪ መከራ እዚ ካብ ሱሩ ንምጥፋእ ብጭቡጥ ቃል ክኣትው የተሓሳስቡ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ሰብ ዘለዎም ዓቕሚ ንጭካነ ከውዕሎ ከመይ ገይሩ እዩ ክኸውን ዝኽእል ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም፥ ኣብ ዓለም ዝተፈላለየ ዓይነት ዝገደደ እውን ነቲ ግብረ ስቓይ ብዝተራቐ ዓይነት ኣገባባት እውን ዝፍጸም ምዃኑ ገሊጾም፥ ኣዚዩ ዓመጽ ዝመልኦ ዓይነት ስቓይ ከምዘሎ ኣስተብሂሎም፥ እዚ ድማ “ንሓደ ሰብ ምውራድ ህዋሳቱ ምድኻም ወይ ድማ ሰብኣዊ ክብሩ ክምንዝዕ ኣብ ዝኽእል ኩነታት ብጃምላ ምእሳር ዝኣመሰለ ብዝተራቀ መገዲ ክፍጸም ይርአ፡ እዚ ሕሉፍ ዘይኮነ ሎሚ እውን ዝርአ ምዃኑ ኣጠንቂቖም፥

ኢየሱስ ባዕሉ ከመይ ከም እተሳቐየን ከም ዝተሰቕለን እስከ ንሕሰብ!

እንክብሉ ዓዲሞም፥

ራዕዲ ምግታእ

ነዚ ራዕድ ስቕያት ደው ነብሎ! ክብሪ ናይቲ ሰብ ልዕሊ ኩሉ ክብርኽ ኣገዳሲ እዩ።

እንተዘይኮይኑ፥ “እቶም ግዳያት ሰባት ዘይኮኑስ ከም ነገር እዮም ዝረኣዩ፡” ብዘይ ምሕረት ድማ፥ ሞት ወይ ክሳብ ብሕይወት ዘለኻ ምሳኽ ንዝነበር ቀዋሚ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ክቕጽል እዩ” እዚ ግብረ ስቅያትን ህስያን ደው ነብሎ” ቢሎም ፥ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዓለም ንግዳያትን ስድራ ቤቶምን ደግፍን ውሕስነትን ድማ ክህቡ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ተወፋትበት ኣንጻር እቲ ቀጻሊ ተርእዮ

ቅዱስነቶም ኣብ ወርሓ ሰነ ስቅያትን ህስያን ክጠፍእ ክጽለን ኣብ ምውጋዱ ክስራሕ ጻውዒት ኣቕሪቦም፡ ብፍላይ ናይ ጸሎት ሓሳብ ገይሮም ከቕርብዎ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፥ ዕለት 26 ሰነ ንግዳያት ስቕያትን ህስያን ዝድግፍ ኣህጉራዊ መዓልቲ ብምዃኑ እዩ። ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ 1984 ዓ.ም. ኣብ ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም ዝሓንጸጾ ዕለት 26 ሰነ 1987 ዓ.ም.፥ “ጸረ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጥረት ዝፍጸም ስቅያትን ህስያን ሰብኣውነት ዘሕስር ዘዋርድ ተግባር” ብዝብል መርሕ ዝኣወጆ ውሳኔ ብ 162 ሃገራት ቅቡል ዝኾነሉ ዕለት ብምትሕሓዝ ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ኣብ መበል 18ን 19 ክፍለ ዘመን ምዕራባውያን ሃገራት ብስርዓተ ፍርዲ ኣቢለን ነዚ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ብወግዒ ኩልኩል ከም ዝበለኦን ሎሚ ብዓለም ሕጊ ክልኩል እዩ፡ እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይቅጽል ኣሎ። ውድብ ሕቡራት ሃገርት እውን ካብ 1981 ዓ.ም. ጀሚሩ ንግዳያት ስቅያትን ህስያን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ዓለም ንዝርከቡ ከም ዝሕግዝን ኣብ ዓመት ብማእከላይ ገምጋም ን50 ሺሕ ግዳያት ስቅያትን ህስያን ከም ዝሕግዝ ኣፍሊጡ።

31 May 2023, 16:21