ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንተጋባእያን ካሪታስ ኢንተርናዝዮናሊስ፥ ፍቕሪ ኣምላኽ ብግብረ ሰናይ ምክፋል! ር.ሊ.ጳ. ንተጋባእያን ካሪታስ ኢንተርናዝዮናሊስ፥ ፍቕሪ ኣምላኽ ብግብረ ሰናይ ምክፋል!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንተጋባእያን ካሪታስ ኢንተርናዝዮናሊስ፥ ፍቕሪ ኣምላኽ ብግብረ ሰናይ ምክፋል!

“ነፍሲ ወከፍና ናይ ፍቕሪ ምልክትን መጋበርያን ምስ እንኸውን ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ከነካፍን ንኽእል፥ ንፍቕሪ ክርስቶስ መልሲ ብምሃብ ንኽልኦት ህያብ ክንገብሮ ከለና

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ግንቦት ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ነቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣባላት ቤት ምኽሪ ጳጳሳዊ ትካል ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱን ቅዱስነቶም ነቲ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትካላት ረድኤት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዝዮናሊስ ኣብ መላእ ዓለም ስለ ዝፍጽምዎ ግብረ ሰናይ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ነቲ 160 ኣባላት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዝዮናሊስ ብእምነት ካቶሊክ ዝተነቓቕሐ፡ ዓሌት ይኹን ሃይማኖት ብዘየገድስ ድኻታትን ተቓላዕትን ዝተሓረጉን ብምብጻሕ፡ ኣብ ፍትሕን ሕውነታውን ፍቅርን ዝተመሰርተት ዓለም ንምህናጽ ዝሕግዝ ከም ዝኾነን፥ ኣዘኻኺሮም፥ “ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ምስፋሕ እተካይድዎ ኣገልግሎት ቀጽልዎ” ቢሎም፥  “በቲ ንኽርስቶስ ዘለዎም ፍቕሪ ተደሪኾም ድኻታት ብምፍቃር ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ንኽርስቶስ ምግልጋል ማለት ምዃኑ ገሊጾም፥ ስለዚ “ነቶም ድኻታት ክሳብ መወዳእታ ዘፍቅሮም ባዕሉ ክርስቶስ ምዃኑ ብዝምስክር ፍቕሪ ኣፍቅርዎም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መጋበርያ ፍቕሪ ኣምላኽ

ነፍሲ ወከፍና ናይ ፍቕሪ ምልክትን መጋበርያን ምስ እንኸውን ነቲ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ከነካፍን ንኽእል፥ ንፍቕሪ ክርስቶስ መልሲ ብምሃብ ንኽልኦት ህያብ ክንገብሮ ከለና፡ ንባዕልና ዝረኸብናዮ ንኻልኦት ካብ ምሃብ ንላዕሊ ትርጉም ቅዱስ ቁርባን ንኽንርዳእ ይገብረና፡ ማለት ኣብዚ ምስጢር እዚ ንኣምላኽ ንምርኣይ ዘኽእል ካልእ ዝሓሸ መገዲ የለን” ቢሎም፥ ስለዚ ናብቲ ምንጪ ፍቕሪ ኣምላኽ ምምላስ የድሊ፥  . . . ናይቲ ማሕበር ኣገልግሎት ኣብቲ ምጸውዕ ስሙ ከም እተገልጸ እውን ሓቢሮም፥ “ንፍቕሪ ኣምላክ ክንሓቁፍን ኣብኡ ክንፋቐርን ከለና ከም ውልቀ ሰባትን ከም ቤተ ክርስቲያንን ዕምቆት መንነትና ከምኡ እውን ትርጉም ህላወና ነስተውዕል” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ቁርባን

ኣብቲ ምእንታና ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ዝሃበ ዋላ ሓንቲ ካባና ከይተጸበየ ቀዲሙ ዘፍቅረናን ክርስቶስ ሓቀይናን ቀጻልን ህላወኡ ዘረጋግጸልና ቅዱስ ቁርባን ሓይሊ ከም ዝህቦምን ገሊጾም፥

ቅዱስ ቁርባን ንዓና ዝተዳለወ እዩ። ኣብ ጉዕዞና ዝድግፈና ኣብ ድኻምና ዘሐድሰና ክንወድቕ ከለና ዘልዕለና ኣምላኽ ምእንታናን ምእንቲ ድሕነትናን ዝገበረልና ኩሉ ብናጽነት ክንቅበሎ ዝጸወዓና መግብን መስተን እዩ።

እዚ “ክርስቶስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ገዛእ ርእሱ ቅድመ ኩነት ዘይብሉን ፍድፋድ ህያብን ገበረ፡ ስለዚ ነዚ ፍቕሪ እዚ ግብረ መልስና እንታይ ምዃኑ ገዛእ ርእስና ንሕተት፥ ነቶም ዝሳቐዩ ክንክንን ሓገዝናን ዘድልዮም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምፍቓር ዝብል እዩ፣ . . .

ፍቕሪ ብግብረ ሰናይ

“ዋላ እውን እቲ ኣዚዩ ዘይተለመደ ተግባራት ዋላ እውን እቲ ኣዚዩ ጅግንነታዊ ተግባር ልግሲ፥ ጥምየት ንምውጋድ እተቕርቦ ሓገዝ ኩሉ ንብረትካ ክሳብ መሃብ ዝእስመሰለ ብዘይ ፍቕሪ እንተተፈጺሙ ዋላ ሓደ ፋይዳ የብሉን፥ . . . ፍቕሪ የዒንትና ከፊቱ ኣጠማምታና የስፍሕ፥ እቲ ብመገድና ዝሓልፍ ጓና ወጅሂ ስምን ዛንታን ዘለዎ ሓውን ሓብትን ምዃኑ ከነስተውዕል የኽእለና፥ ካብ ሸለልትነት የርሕቐና፡ ብብርሃን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክውንነት ናይቲ ካልእ ጽላሎት ኮዩኑ ካብ ምንባር የናግፍ፥ ካብ ትርጉም ኣልቦነት የላቕቕ ዋጋ የውህብ . . . ድሌት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብድሆ እዩ፡ ኣባና እውን ሓላፍነትን የነቓቕሕ” ከም ዝበሉ  ኣፍሊጡ።

ጠባይ/ኣርኣእያ ኣገዳሲ እዩ

ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ ሓቀይና ፍቕሪ ዝሃቦ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፡ ምግባረ ሰናይ ንኻልኦት ቦታ ምሃብን ኣተሓሳስባና ምፍላጥን ይሓትተና። “ሓደ ክርስቲያን ኣብ ህይወቱ ፍቕሪ ዝነብር ምዃኑ ክትፈልጡ ትደልዩ? . . . እወ ብዘይ ምዕርምራም ወይ ምሕርቃም ብናጽነት ክሕግዙ ፍቓደይናታት ድዮም ኣይኮኑ ምዕዛብ፡ ፍቕሪ ዓቃል እያ ይብል ጳውሎስ . . ። ትዕግስቲ ድማ ክእለት እዩ” ዘይተጸበናዮ ፈተናታት መዓልታዊ ጻዕርትትን ሓጐስን ኣብ ኣምላኽ ምትምእምማና ከይከሰርና ምጽዋር። ምኽንያቱ ንነብስና ክንመልኽን ድሩትነትና ክንኣምንን እንመሃረሉ መገዲ እዩ።”

ምስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብምትሕባር ብፍቕሪ - ግብረ ሰናይ ወንጌል ምእዋጅ . . . ንናይ ከባቢ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ንጡፍ ተወፋይነት ንጉስነት ግብረ ሰናይ ምስናይ። ከምኡ እውን ናይ ሓድነት ኣብነት ምቕራብ የድሊ ቢሎም፥ ንኹሎም ኣባላት ካሪታስ ኢንተርናዝዮናሊስ ንእመ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ኣማላድነት ሓደራ ቢሎም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ስለይ ሓደራ ጸልዩ እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

12 May 2023, 15:36