ድለ

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ኣብታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን! ጻውዒት ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ኣብታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን! 

ጻውዒት ር.ሊ.ጳ.፥ ሰላም ኣብታ ኣብ ስቓይ ዘላ ዩክሬይን!

“ነቶም ኣብ ዩክረይን ብድኽነትን ውግእን ዝሳቐዩ ጭቡጥ ምስክርነት ወንጌል ኩኑ . . . “ ቢሎም፥ ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምዃኑ ብምዝካር፥ “ንኽቡር ህዝቢ ዩክረይን በመላድነት እዞም ክልተ ሓዋርያት ኣብ ሓጺር እዋን ሰላም ዳግም ክረኽቡ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ርቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ኩሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ነቲ ብግጭት ዝዓንው ዘሎ ሃገርን ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝብን ንኣማላድነት እዞም ቅዱሳት ዓንዲ ቤተ ክርስቲያን ብሕድሪ ሂቦም፥ “ንመጻኢ ሰላምን ሕውነትን ኣብ ግምት ብምእታውን ኩሎም እቶም ኣብ ናይ መንእሰያት ሰናይን ብሩህ መጻእን ዝዓዩ” ኣናሓሳቡ ኣድላይነት ዓለም ሓቆፍ ትምህርታዊ ውዕል ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ነቶም ኣብ ዩክረይን ብድኽነትን ውግእን ዝሳቐዩ ጭቡጥ ምስክርነት ወንጌል ኩኑ . . . “ ቢሎም፥ ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምዃኑ ብምዝካር፥ “ንኽቡር ህዝቢ ዩክረይን በመላድነት እዞም ክልተ ሓዋርያት ኣብ ሓጺር እዋን ሰላም ዳግም ክረኽቡ” ነዞም ቅዱሳን ሕድሪ ከምዝበሉን፥

ኣድላይነት “ትምህርታዊ ውዕል”

ነታ ናይቲ ዘቕረብዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ማእከል ዝገበርዋ፥ ቅድስቲ መሪ ማኪሎፕ መስራቲት ደናግል ቅዱስ ዮሴፍ ዘቅዱስ ልቢ እናሓሳቡ፥ ሓዋርያዊ ቅንኣታን ኣገዳስነት ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታን መሰረት ኣቢያተ ትምህርቲትን ኣብ ገጠራት ኣዚዮም ድኻታት ንዝነበሩ መእለዪን መሰረት ከም ዝኾናን፡ ኣብዚ ኣድላይነት “ኣባይቲ ስድራን ኣቢያተ ትምህርትን ንመላእ ሕብረተሰብን ዘራኽብ ትምህርታዊ ውዕል” ርእዩ ምዃኑ ድማ ሓቢሮም፥ ሓዋርያነት ማኪሎፕ “ክሳብ ሕጂ ኣዚዩ እዋናዊ እዩ!” . . . እምበኣር ንስራሕ ወለዲ መምህራንን ኩሎም ኣብ ትምህርትን ንመጻኢ ሰላምን ሕውነትን ኣብ ግምት ብምእታው ንጹብቕ መንእሰያት ክውፈዩ ከምኡ እውን ክዓዩ ብኣገባብ እታ ቅድስቲ “ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ ንምሕናጽ ሰብኣዊ ምዕባለ ኩሉ ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክዓዩ” ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 June 2023, 16:34