ድለ

ዓውደ ኣኼባ ኣማኸርቲ ር.ሊ.ጳ. ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ ኣማኸርቲ ር.ሊ.ጳ. ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ካርዲናላት 

ዓውደ ኣኼባ ኣማኸርቲ ር.ሊ.ጳ. ቤት ምኽሪ ትስዓቱ ካርዲናላት

ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እተካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ እናተቓረበ ኣብ ዘለሉ እዋን ቤት ምኽሪ ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝመኸሩን

ኣተገባብራ ሓዋርያዊ ቅዋም Praedicate evangelium - ሁሩ ወመሃሩ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ዝካየድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ፥ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝውሰዱ ስጉምትታትን ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናትን ኣብ ዝብሉን ካልኦትን ኣገደስቲ ዝክረ ነገር ዘማእከለ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ መማክርት ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ዓውደ ኣኼባ ብር.ሊ.ጳ. ፍርንቸስኮ ተመሪሑ ንኽልተ መዓልቲ ምክያዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ካብ ዕለት 26 – 27 ሰነ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ኣኼባ መማክርት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ኣብ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝምልከቱ ሓያሎ ኣርእስታት ከምእተመያየጠ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ ኣብቲ ኣኼባ ኩሎም ኣባላት መማክርት ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላትን ናይቲ ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ማርኮ ሜሊኖ ከም እተሳተፉን፡ ሓዋርያዊ ቅዋም ‘ሁሩ ወመሃሩ’ ኣብ ናይ ሰበኻታት ኩርያ - ሓዋርያዊ ተቕዋም ቤተ ምሕደራ ኣፈጻጽማኡን ትግበረኡን ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ብጹዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ጊርላንዳ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከም ዘቕረቡን በዚ መሰረት እውን ብዛዕባ ትግባረ እቲ ሓዋርያዊ ቅዋም፡ ትስዓቱ ካርዲናላት ሓሳብ ከም እተለዋወጡን፥ እዚ ጻዕሪ እዚ ንናይ ሃገረ ስብከት ሓዋርያዊ ቤት ምሕደራ ምስቲ ኣብ ቅዋም ዝተቐመጠ “መንፈስን መትከላትን መዐቀኒታትን” ንምስምማዕ ዝዓለመ ምንባሩ ኣፍሊጡ።

ሲኖዶስን ሓለዋን

ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ እተካይዶ ሓፈሻዊ ጉባኤ እናተቓረበ ኣብ ዘለሉ እዋን ቤት ምኽሪ ጉባኤ ትስዓቱ ካርዲናላት ብዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመክር ሲኖዶስ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ከም ዝመኸሩን ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ እውን ናይ ብጹዓን ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ናብቲ ናይ ጥቅምቲ ሓፈሻዊ ዓውደ ጉባኤ ዝወስድ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተራእዩ ምዕባለታት ብፍላይ ድማ ንዝመጽእ ጉባኤ ጥቅምቲ ምድላዋት ዝምልከት ሓድሽ ሓበሬታ ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ከመላኽት እንከሎ፥ ቀጺሉ እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዛዕባ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝምልከት ዛዕባ እውን ከም እተመያየጡን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ብጹዕ ካርዲናል ሾን ፓትሪክ ኦምለይ፥ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ምልኡ ኣኼባ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣማእኪሎም ሓበሬታ ከምዝሃቡን እቲ ሽማግለ ኣብ ኩለን ሃገረ ስብከት መምርሕታትን ሕግታትን ኣሰራርሓን ንምትግባር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ኣገባባት ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣድማዕን ቅኑዕን ምዃኑ ንምርግጋጽ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ እውን ዝምልከት ሰፊሕ ሓበሬታ ከም ዘቕረቡን ስዒቡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክራይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ እውን ምስ ተመያየጡ፥ ዝቕጽል ናይቲ ቤት ምኽሪ ጉባኤ ትስኣቱ ካርዲናላት ኣኼባኡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንኸካይድ ቆጸራ ብምሓዝ እቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ኣኼባ ከምዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

28 June 2023, 16:12