ድለ

2020.08.27 ልእክተ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ቅድስቲ መንበር 2020.08.27 ልእክተ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ቅድስቲ መንበር  (Vatican Media)

ልእክተ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ኣብ ቅድስቲ መንበር

ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ብሓባር ምስራሕ ብዙሕነት የምጽእ . . .

ዕለት 24 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቂ ኣስንትዮ ልኡካነ መንግስታት ምኽንያት ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣውስትራሊያ ልእክተ መግንስቲ ኪያራ ፖሮ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፥ “ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ብዙሓትን ብርቱዓትን ምዃነን ገሊጸን ቁጽረን ካብ ቀደም ሎሚ እናዐበየ ከም ዝመጸ እውን ይሕብራ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዕለት 24 ሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ደቂ ኣንስይቶ ልኡካነ መንግስታት ዝዝከረሉ ዕለት ክኸውን እንከሎ፡ ኣብታ ዕለት እቲኣ ምስ ዜና ቫቲካን ቃለ መሕትት ዘካየዳ ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣውስትራሊያ ልእክተ መንግስቲ ኪያራ ፖሮ ካብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ንነጀው መንግስቲ ኣውስትራሊያ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መርሕነት ንምዕባይ ናይ ብሓቂ ድፍኢት ገይሩ እዩ . . . ቅድሚ ሓሙሽተ ሽዱሽተ ዓመት ብዝሒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መርሕነት ልኡከ መንግስታት 20 ሚእታዊ ዝሽፍና ከም ዝነበረን ሕጂ ግን ናብ 40 ሚእታዊ ክብ ከም ዝበለ ይሕብራ፥

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብዙሕነቶምን

ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮ ብሓባር ምስራሕ ብዙሕነት የምጽእ . . . ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጾታአን ተመርኲሰን ዝተፈላለየ ኣርኣእያ ክመጽኣ ዝኽእላ ምዃነን ርዱእ እዩ። እንተኾነ ግን ንደቂ ኣንስትዮ ብቕዉም ኣመለኻኽታ ዘይምፍራድ ኣገዳሲ እዩ፡ ኩላትና ሓደ ኣይኮናን ከም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ድማ ዝተፈላለየ ባህርያት ዝሓዝና ኢና . . . እዚ ድማ ተወሳኺ ክቡር ዋጋ እዩ።”

“ደቂ ኣንስትዮን ከም ልኡካነ መግስታት፥ ንሃገረን ዝውክላ እያተን ብዙሕነታዊ ዝውክላ እያተን ብዙሕ ግዜ ኣብቲ ደቂ ተባዕትዮ ዘይበጽሕዎ ክፋላት ህብረተሰብ ዝበጽሓ እያተን፡ ንጉዳይ ግጭትን ልምዓትን ኣብ ዝግጠመሉ እዋን ኣገዳስነት ብዙሕነት የጒልሓ፡ ኣብ እዋን ሰብኣዊ ሓደጋ ኣብ እዋን ግጭት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣረጋውያንን ቀዳሞትን ብኸቢድ ዝህሰዩን ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም . . . ስለዚ ኣብ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክባት ደቂ ኣንስትዮ ምህላወንን ብቑጽሪ እውን ክብ ምባሉ ኣገዳሲ እዩ።”

ናይ ኣውስትራሊያ ልኡከ መንግስቲ ምዃን

ሓደ ልኡከ መንግስቲ ንናይ ሃገር ዝተፈላለየ ወጅሂ ዝውክል እዩ፡ ናይ ኣውስትራሊያ ልኡከ መንግስቲ ምዃን ኣብ ኣውስትራሊያ ንድጽሚ ናይቶም ኣብታ ሃገር ዘለዉ ብዙሓት ቀዳሞት ተወለድቲ -  ደቀባት ምውካል ማለት እውን እዩ። ኣውስትራሊያ ኣብ ዓለም እቲ ጥንታዊ ዝኾነ ባህሊ ህያው ዝኾነላን ዝንበረላን ምዃና ብምሕባር፥ በዚ ባህልን ልምድን ንሕበን . . . ቅርስን ባህልን ቀዳሞት ኣህዝብ ኣስትራሊያ ኣብ ዓለም ክፍለጥ ምግባር ማእከላይ ናይ ኣውስትራሊያ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ መስርሕ ኮይኑ ኣሎ . . . ንድምጽታት ደቀባት ናብ መድርኽ ዓለም ምምጻእ ኣገዳሲ ዝብል መስርሕ እዩ . . . ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እውን ኣብ ምዕቃብን ምሕላውን መሰልን ክብርን ደቀባት ኣብ መላእ ዓለም እዚዮም ድምጾም ዘስምዑን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ እውን ቤተ ክርስቲያን ፍልዩ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ክህልዎ ኣነቓቒሖም እዮም. . . ስለዚ ኣብዚ ከምዚ ዓይነት ተልእኾ እዚ ናይ ወጻኢ ፖለቲካ ጉዳያት ክዋሳእ ምግባር ግብረ ገባዊ ሓላፍነት እዩ” ኢለን።

መጻኢ ዕድል ደቀ ኣንስትዮ ኣብ ክሌኣዊ ስነ መላዊ ርክብ

“ . . . ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ምስ ብጾተይ ደቂ ኣስንትዮ ልኡካነ መግንስታት ምስራሕ” ኣነቓቓሒ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ቅድስቲ መንበር ካብ ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መንግስታት ኣብ ሮማ ካብ ዝወምበሩ እተን 25 ደቂ ኣንስትዮ እያተን እቶም ኣብ ሮማ መቐመጢ ዘይብሎም ካብ ካልእ ሃገራት ኮይኖም ብውክልና ልኡከ መንግስቲ ኣብ ቅድስቲ መንበር እውን ብምዃን ካብ ዘገልግሉ እውን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እያተን ስለዚ እቲ ብዝሒ ኣገዳሲ እዩ። . . . ደቂ ኣንስትዮ ኣብ መድርኽ ዓለም ዘምጽእኦ ጉዳያትን ለውጥን ኣፍልጦ እናረኸበን እናዓበየን ይመጽእ ኣሎ . . .

ስለዚ መጻኢ ዕድል ደቂ ኣስንትዮ ኣብዚ መዳይዚ ብሩህ ይመስለኒ

ምትእምማን ክብ ምባልን ክፉት ምዃንን

. . . ኩላትና ኣብ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት መዳይ እንሰርሕ ብሓቂ ነፍሲ ወከፍና ምትእምማን ሒዝና ናብ መድርኽ ዓለም እነምጽኦ ነገራት ምርዳእን ዋጋ ምሃብን የድሊ . . . ብፍልያ ኣብዚ ሃዋህው እዚ ገዳማውያትን ደንጋልን ኣሓት ርእሰ ተኣማንነት ከዕብያ እኳ እንተለወን ንባዕለን ከምዝከኣል ናብ መድርኽ ዓለም ዘምጽእኦ ጉዳይ ብዙሕ ግዜ ጥበብ ዝዓሰሎ እዩ . . . ስለዚህ ኣብ ዓቕምኻ ምትእምማን የድሊ ብሓባር ንምስራሕ ድማ ክፉት ምዃን ወሳኒ እዩ . . . ኣብዚ መዳይ እዚ ደቂ ኣስንትዮ ኣብነት እያተን” እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ዛዝሚመን።

26 June 2023, 16:40