ድለ

ር.ሊ.ጳ. ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት

ነቶም መንእሰያት ንህይወት ብሰለስተ ቃላት ወይ ድማ ቋንቋ ማለት “ብርእሲ ልብን ኢድን” ክቐርቡ ምዒዶም፥ ርእሲ፥ ብዛዕባ ዝስምዓናን እንገብሮም ብንጹር ክንሓስብ፡ ልቢ ጽቡቕን ብዕምቆት ክስምዓናን እንሓስቦን እንገብሮን፡ ኢድ እቲ እንሓስቦን ብዕምቆት ዝስምዓናን ክንክውኖን” መታን፡ በዘን ሰለስተ ቃላትን ቋንቋን እዚኣተን ኣቢልና ንህይወት ቀረባ ንኹን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ፖርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክሳተፉ ምዃኖም ንዝሳተፉን ነቶም ብመራኸቡ ብዙሓን ኣብቲ ቅነ መንእሰያት ንዝሳተፉ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብቲ ጽምብል ክሳተፉ ከም ዝክእኽእሉ ሓኪሞም ከም ዝነገሩዎም ገሊጾም፥ “ንኽራኸበኩም ሃረር እብል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ገሊኦም ኣጋጢሙኒ ብዝነበረ ሕማም ምኽንያት ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክርከብ ዘይክእል ይመስሎም ከምዝነበረ ገሊጾም ሓኪመይ ግን ክኸይድ ከምዝኽእል ነጊሮምኒ። ስለዚህ ምሳኹም ክራኸብ እየ፥ ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝከያድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብሰላም የራኽበና መንእሰያት ክትሳተፉ እዕድም” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ድሕሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ ቅነ መንሰያት ክርከብ ድልው እየ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ምእንቲ እቶም ንህይወት ናብ ሓሳብ ዝንክዩ ንጸሊ

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ብኣካል ንኽርከቡ ዝዳለዉ ንዘለዉ መንእሰያት፥ ናይ ሊዝበን ተራዳኢ ሊቀ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን ብጹዕ ኣቡነ ኣመሪኮ ማኑኤል ኣልቨስ ኣጒያር ዕለት 22 ሰነ ተቐቢሎም ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ንኹሎም ነቶም ኣዳለውቲ እውን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኹሉ ዝስሕብ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ናብቲ ንስኻትኩም መንእሰያት እትጥምትዎ ኢና ክንጥምት ዘሎና . . . ነቶም ንህይወት ናብ ሓሳብ ዘናእሱ ኣይትስሞዎም . . . ምእንታኦም ድኣ ጸልዩ” ከም ዝበሉን፥

ሰለስተ ቃላት

ኣስዒቦም፥ ነቶም መንእሰያት ንህይወት ብሰለስተ ቃላት ወይ ድማ ቋንቋ ማለት “ብርእሲ ልብን ኢድን” ክቐርቡ ምዒዶም፥ ርእሲ፥ ብዛዕባ ዝስምዓናን እንገብሮም ብንጹር ክንሓስብ፡ ልቢ ጽቡቕን ብዕምቆት ክስምዓናን እንሓስቦን እንገብሮን፡ ኢድ እቲ እንሓስቦን ብዕምቆት ዝስምዓናን ክንክውኖን” መታን፡ በዘን ሰለስተ ቃላትን ቋንቋን እዚኣተን ኣቢልና ንህይወት ቀረባ ንኹን . . . ብሰላም የራኽበና ሕጉሳት ኩኑ!” ቢሎም ንመንእሰያት ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ዛዚሞም ኣስዒቦም እውን፥

ምስጋና ንኹሎም ምእንቲ እቲ ቅነ መንእሰያት ንዝዓዩ

ቅድሚ ኩሉ ንኹሎም እቶም እቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መንእሰያት ኣብ ምስንዳውን ኣብ ዘድሊ መዳያት ተጸሚዶም ንዝሰርሑ ዘለዉ ኣመስጊኖም፡ የቐንየለይ ቢሎም፥ ነቲ ቅነ መንእሰያት ዘድሊ ዘበለ ኩሉ ኣብ ምስንዳው እትርከቡ ግዜኹም እተወፍዩ ዘለኹም ብዘይ ብኣኹም እቲ ቅነ መንእሰያት ዝከኣል ኣይኮነን፡ ስለዚ ብልቢ የቐንየለይ እብል። ንስኻትኩም ትዘርኡ ኣለኹም እቲ ፍረ ድማ ክውለድ እዩ . . .

ምትብባዕ

ስለ ልግስኹምን ምውፋርኩምን የቐንየለይ . . . ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ እውን ከም ዝሓበሮ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 2 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ከም ዝርከቡን ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ እውን ክነግዱ ከም ዝኾኑን ቅዱስነቶም ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ግልጸት ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን ንሓምሻይ ግዜኦም ኣብ ፋጢማ ማርያማዊ ቅዱስ ስፍራ መንፈሳዊ ንግደት ክፍጽሙ ምዃኖም የዘኻኽር።

23 June 2023, 16:27