ድለ

2023.06.28 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነት መሪሕና እዩ! 2023.06.28 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነት መሪሕና እዩ!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነት መሪሕና እዩ!

“ብጸሎትን ብመንፍስ ዝተደረኽ ንቅዱስ መጽሓፍ ክፉት ብዝኾነ ልብን ክንቀራረብ እንኮለና መንፍስ ቅዱስ ኣባና ክዛረብን ክዓይን ንፈቅድ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኣባላት ዓለም ሓቆፍ ሽማግለ ዘተ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ክርስቲያናዊ ሓድነት ብሓባር ብምጉዓዝን ብምጽላይን ከምኡ እውን ብዕዮ ግብረ ሰናይን ዝረጋገጽ ምዃኑ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መንፈስ ቅዱስ “መገዲ ተዓጽዩን ተቛሪጹን እዩ ቢልና ኣብ እንሓስበሉ እዋን ንሱ ሓድሽን ዘይተጸበናዮን ኣሰር ዝኸፍት ዝኽርን መምርሕን እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ቤተ ክርስቲያን ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝመደብሩ ናይ ፕሮተስታንት ምንቅስቓስ ንሓድነት ክርስትና ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዘተ ካብ 1977 ዓ.ም. ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ኣብ ሻድሻይ ምዕራፍ ከምዝበጸሐን ክሳብ 2027 ዓ.ም. “ኣገልግሎት መንፍስ” ብዝብል መርሕ ቃክ ክቕጽል መደብ ተታሒዙ ምህላዉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፣ “ኣብዚ ንእምነት ቀሊል ግዜ ዘይኮነ ዘመንና፡ ተስፋና ኣብ ምጽንናዕ ብኣምላኽ ምዃኑ ብምስትውዓል ሓዋርያት ከመሓላልፍዎ ኣብ ዝደልይዎ ምትእምማን ንጥርነፍ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንማሕበረሰብ ክርስትና ወትሩ መንእሰይ ምግባር

“ብጸሎትን ብመንፍስ ዝተደረኽ ንቅዱስ መጽሓፍ ክፉት ብዝኾነ ልብን ክንቀራረብ እንኮለና መንፍስ ቅዱስ ኣባና ክዛረብን ክዓይን ንፈቅድ” ዝበሉ ቅዱስነቶም፣ “እቲ ጥዑይ ዝኽሩ ኣብ ህይወት ዋጋ ምስ ዝህልዎ ኣምላኽ ዝሰኣኖ ነገር ከምዘየለ የዘኻኽረና።” ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ከም ዘዘኻኸሮ፣ መንፈስ እውን “ንማሕበረሰብ ክርስቲያን ወትሩ መንሰይ ዝገብር መምርሒ እዩ” ብምባል ኣስዒቦም፥ ኣብኡ “ንኢየሱስ ከም ጎይታን መድሓንን ምዋጅ ኣብ ዝፈጥረልና ሓጎስ ሓይሊ ንረክብ።” ንሱ “ንመንፈስና ከም ጓሂ፣ ርእሰ ውከሳን ዓለማውነትን ካብ ዝኣመሰሉ ፈተናታት እናዓቀበ ስሙ ኣብ ምውዳስን ክብ ኣብ ምባልን የጽንዓናን የዕብየናን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስኒት ኪኖ ዘተ ዘምጽኦ ፍታሕ እዩ

“መንፈስ ቅዱስ ሓቀይናን ቀንድን ናይ ተልእኾ ተዋሳኢ እዩ” ከምኡ እውን፣ “ብዓይኒ እምነት ዋላ ካብ ደረት ማሕበረሰባት ወጻኢ” ህላወኡ ከርኢ ከምዝኽእልን፡ “ንመንፈስ ተኣዘዝቲ እንተኾይንናን” ባዕሉ ንመገድታት ስምምዕ ክመርሕ እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ “መንፈስ ስኒት እዩ፣ እዚ እይንረስዕ። ኣብ እዋን ጴንጠቖስጠ ዝነበረ ዝተፈላለየን ዝተኸፋፋለን ህያባት ንዘክር . . . ድሕሪኡ ግን ስኒት ፈረየ። እዚ ድማ ብዘተ ኣይኮነን፡ ስኒት ካብ ብዝተ ዝግበር ስምምዕ ኪኖ እዩ፡ መገዲ መንፍስ ቅዱስ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብሓባር ምጽላይን ምጒዓዝን

ኣብ 1964 ዓ.ም. ኣብ ኢየሩሳሌም ኣብ መንጎ ጳውሎስ ሻድሻይን ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣቴናጎራስ ዝተኻየደ ታሪኻዊ ርክብ ብምዝካር፡ “መንፈስ ዘመልክቶ ናይ ስምምዕ መገድታት ክንስዕቦ ፈጺምና ኣይንፍራሕ” ቢሎም፥ “ኣብ ጉዕዞ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ከምኡ እውን ምስ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያናትን ማሕበረሰባት ክርስቲያንን ኣብ ዝግበር ዘተ ወትሩ ዘዘኻኽረኒ፡ ፓትሪያርክ ኣቴናጎራስ ንጳውሎስ ሻድሻይ፥ ነቶም ናይ ቲዮሎጊያ ሊቃውንቲ ኣብ ሓንቲ ደሴት ንኣክቦም እሞ፡ ሽዕኡ ንሕና ብሓባር ክንጓዓዝ ኢና” ዝበልዎ እዩ፡ ክርስቲያናዊ ሓድነት ብሓባር ምጉዓዝ እዩ። ብሓባር ኣብ ምጉዓዝ እዩ ዝረጋገጽ። ብርግጽ ሊቃውንቲ ቲዮሎጊያ የድልዩ እዮም፡ ከጽንዑን ክዝትዩን የድልዮም፡ ይኹን እምበር ኣብ ዕዮ ግብረ ሰናይ ብሓባር ንጎዓዝ፡ እዚ እቲ ተስፋ ዘየቝርጽ መገዲ እዩ|” እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

29 June 2023, 14:52