ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኢየሱስ ምስዓብን ቃሉ ምእዋጅን

ኢየሱስ ኣብ ህይወተይ መን እዩ? ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለዉ ክልቲኦም ከም ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይርና ክንዓቢ ክምዝግብኣና ምስርክን ምልክትን ይህቡ!

ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ንሓደስቲ ሊቀ ጳጳሳት እውን ኣክሚም ባሪኾም ከምዘረከቡን፥ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ህዝበ እግዚኣብሔር ድማ ንኢየሱስ ክስዕብን ወንጌሉ ክእውጅን ዝተጸውዐ ምዃኑ ከምዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ንሓደስቲ ሊቀ ጳጳሳት ሜጥሮጶሊታ ኣክሚም ባሪኾም ከም ዘረከቡን፥ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ግብረ ሓዋርያት ምዕ. 12, 1-11፣ 2ጢሞ. 4, 6-8, 17-18, ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 16, 13-19 ዝተወስዱ ምንባባት ኣማእኪሎም ኣብ ትምህርቲ ጴጥሮስን ጳውሎስ ኣተኵይሮም ነታ ከም ደቀ መዛሙርቱ ከም ሰዓብቲ ክርስቶስን ኣገዳሲት ሕቶ ኣብ ህይወት - “ኢየሱስ ንዓይ መን እዩ? እትብል ሕቶ ኣቕሪቦም። ቤተ ክርስቲያን ብተመሳሳሊ መገዲ “ንጐይታ ብምስዓብ ብቐጻልነት ብትሕትናን ንኣኡ ብምድላይ” ከምኡ እውን “ኣብ ቅድሚ ዓለም ወንጌል ብምብሳርን ልቢ ሰባት ንህላዌ እግዚኣብሔር ብምኽፋትን” ከመይ ጌራ ክትዓቢ ከም ዝተጸውዐት ዘስተንተኑ ቅዱስነቶም፡ ምእመናን ንኢየሱስ ናብ ኵሉ ቦታ ከብጽሑ “ብፍላይ ኣብቲ ድኽነትን ሕሰምን ምግላልን ሱር ዝሰደደሉ ቦታታት።” ንህይወትን ምርጫን ጴጥሮስን ጳውሎስን እናሓሰቡ፥ “ነዞም ክልተ ብጐይታ ዝተፈትዉ ሓዋርያት ክልተ ኣዕኑድ እምነት ቤተ ክርስቲያን” እንክብሉ ገሊጾም፡

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነት መሪሕና እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ መገዲ ክርስቲያናዊ ሓድነት መሪሕና እዩ!

ኢየሱስ ኣብ ህይወተይ መን እዩ? ንዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለዉ ክልቲኦም ከም ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይርና ክንዓቢ ክምዝግብኣና ምስርክን ምልክትን ይህቡ!

ጴጥሮስ ኣብ ኣሰር ኢየሱስ ይጓዓዝ

ጴጥሮስ ነቲ ኢየሱስ “ኣነ መን እየ ትብሉ? (ማቴ. 16,16) እንክብል ዘቕረቦ ሕቶ “ንስኻ መሲሕ ወዲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” እንክብል ከምዝመለሰሉን እቲ መልሲ ንጐይታ ብምስዓብ ምስኡን ደድሕሪኡን ንዝተወሰነ ግዜ ብምኻድ ዘጋጠሞ “ፍረ ጉዕዞ” እዩ።

“ጴጥሮስ ናብቲ ብጸጋ ብእምነት ክሳዕ ክንድዚ ብንጹር ኣብ ዘሰንዮ መንፈሳዊ ብስለት በጽሐ።” . . . “ከም ሰዓቢ ክርስቶስን ወደ መዝሙርን ጴጥሮስ ኣብ ኣሰር ኢየሱስ እናተጓዕዘ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ክህነጽ ነይርዎ። ጴጥሮስ ነቲ ‘ኢየሱስ ንዓይ መን እዩ?’ ዝብል ሕቶ ብዘይ ገለ ጌጋ ጠመቓዊ ቀመር ወይ ኣብ ኣኼባ ኣቐዲሙ ዝተሓስበ ኣተሓሳስባ መሰረት ምምላስ እኹል ከምዘይኮነ ይነግረና። . . . ጐይታ ብምስዓብ ጥራይ ኢና ኣዕሩኽቱ ክንከውን እንኽልን ነቲ ዝልውጥ ፍቕሩ እንራኸብን” . . .

ኵሉ ነገር ኣብ ዓቕምና ከም ዝምርኮስ ብምግባር ኣብ ጸጋ ኣምላኽ እምነት ካብ ዝምንዝዕ ተንኮላት ዲያብሎስ ንጠንቀቕ!

ሰዓቢት - ቤተ ክርስቲያን

ጴጥሮስ ኣብ ቅድመና ዘቐምጦ ሓላፍነት፥ “ካብ ኩሉ ምድራዊ መልክዕ ውሕስነት ክንፍለ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ድማ ንኢየሱስ ብሓድሽ መንፈስ ምስዓብ” ዝብል እዩ።

እትስዕብ ቤተ ክርስቲያን ክንከውን ይዕድመና!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኢየሱስ ምስዓብን ቃሉ ምእዋጅን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኢየሱስ ምስዓብን ቃሉ ምእዋጅን

ቤተ ክርስቲያን “ጓል መዝሙር እግዚኣብሔር ትሕቲ ኣገልጋሊት ወንጌል” ክትከውን ካብ ምጽዓር ጥራይ እዩ “ምስ ኩሉ ክትዝትይን ናይ ዘመንና ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን መሰነይታን ናይ ቅርበትን ተስፋን ቦታ ክትከውን እትኽል” . . .

ጳውሎስ ኣብ ሓቛፊ ፍቕሪ ኣምላኽ ተኻፈለ

ቅዱስነቶም ናብ ሓዋርያ ኣህዛብ ዝኾነ ጳውሎስ ተመሊሶም፡ ነቲ ጴጥሮስ ዝሃቦ መልሲ ጳውሎስ የበስሮ . . .  ጳውሎስ ምስቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ኢየሱስ ምስ ተራኸበን ፍጻሜ ምስጢር ድሕነት ምስ ረኸበን “ንኢየሱስ ክርስቶስ ክበስር ኢሉ ስእነትን ስደትን ከይተገደሰ ንህይወቱ ኣብ ምድርን ባሕርን ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኣብ ምብጻሕ ኣወፈየ . . . ንህይወት ጳውሎስ እንተርኢና ዳርጋ ወንጌል ብዝሰበኸ መጠን ኣብ ፍልጠት ኢየሱስ እናዓበየ ይኸይድ። ንኻልኦት ቃል ብምብሳር ድማ ናብ መዓሙቕ ምስጢር እግዚኣብሔር ብዕምቆት ክጥምት ክኢሉ።”

ሓዋርያዊ ጳውሎስ እምበኣር፥ ወንጌል ከነብስር እንኮለና ንገዛእ ርእስና ወንጌል ከም እነበስር ይምህረና . . . ንኻልኦት ኣብ ምሃብ ዝያዳ ንረክብ። እዚ ኣብ ዘመንና ንቤተ ክርስቲያን ዘድልያ እውን እዩ፣ ስብከት ኣብ ማእከል ምግባር፡ ወንጌል ኣብ ምብሳር ዘይትደክም . . . “ንዓይ ህይወት ክርስቶስ እዩ ስለዚ ወንጌል እንተዘይኣዊጀ ወይለይ!”

ንግዳም እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን

ንኢየሱስ ክንስዕቦን ወንጌሉ ክንእውጅን ዝዕድሙና ጴጥሮስን ጳውሎስን ነብዕሎም ኣሎና እንክብሉ ድማ ንኹሎም ኣዘኻኺሮም ቤተ ክርስቲያን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ክትዓቢ ኣለዋ - “ኣብ ቅድሚ ዓለም ብትሕትና ወንጌል ብምስባኽን ንህላወ እግዚኣብሔር ልቢ ሰባት ክኽፈት ብምግባር ሓጐስ ንረክብ። . . . ንጐይታ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኩሉ ቦታ ከነብጽሕ ይግባእ። ብትሕትናን ብሓጐስን፡ ኣብ ከተማታትናን ስድራናን ኣብ ዝምድናታትናን ኣብ በርገሳዊ ማሕበረሰብን ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ብምሉኡ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ድኽነትን ሕሰምን ምግላልን ሱር ዝሰደደሉ ቦታታት።”

ኣክሚም

ቅዱስነቶም ዘስምዕዎ ስብከት ዛዚሞም ብርክት ንዝበሉ ሊቀ ጳጳሳት “ምስ ቤተ ክርስቲያን ሮማ ናይ ሕብረትን ውህደትን ምልክት” ዝኾነ ኣክሚም ባሪኾም ከም ዘረከቡን፥ ንኣእኣቶም ድማ፥

ከም ጴጥሮስን ጳውሎስን ሓዋርያት ኩኑ፡ ኣብ ምስዓብን ኣብ ምእዋጅን ሓዋርያት ኩኑ፡ ጽባቔ ወንጌል ብሓባር ምስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ኴይንኩም ኣብ ኩሉ ቦታ ኣብጽሑ!

ሰላምታ ንልኡካን ናይ ቁስይንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን

ቢሎም ብምኽንያት ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ዎጳውሎስ ናብ ሃገረ ቫቲካን ዝመጹን ኣብቲ ጽምብል ንዝሓበሩ ልኡካን ፓትሪያርክ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥

ስለ ምርኻብኩም የቐንየልና! ኣብ ሕውነት እናዓበና ምስ እንኸይድ ኣብ ምስዓብን ኣብ ቃል ኣምላኽ ምብሳርን ብሓባር ንስጉም። ጴጥሮስን ጳውሎስን የሰንዩናን የማልዱልናን!”

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኢየሱስ ምስዓብን ቃሉ ምእዋጅን
29 June 2023, 15:01