ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላን ብስልኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላን ብስልኪ ተራኺቦም  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላን ብስልኪ ተራኺቦም

ርእሰ ብሔር ሉላ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሃገሮም እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ እተካይዶ ዘላ ርክባትን ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ርእሰ ብሔር ሉላ ቅዱስነቶም ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምኽንያት እውን ከም ዘመስገንዎም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ሉላ ዳ ሲልቫ ብስልኪ ከም እተራኸቡን ኣብቲ ናይ ስልኪ ክሌኣዊ ርክብ ዛዕባ ናይ ሰላም ተስፋ ኣብ ዩክሬይን ድኽነት ንምምካት ዝገብርዎ ክሌኣዊ ጻዕርን ከም እተመያየጡን ከምኡ እውን ካብ ርእሰ ብሔር ሉላ ቅዱስነቶም ንብራዚል ንኽበጽሑ ወግዓዊ ዕድመ ከም ዝቐረበሎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 31 ግንቦት ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊስ ኢግናዚዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ተሌፎን ዛዕባ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክሬይን ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ናይ ብራዚል ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ጠቒሱ ከመላኽት እንከሎ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ርእሰ ብሔር ሉላ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ሃገሮም እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብሰላማዊ መገዲ ክፍታሕ እተካይዶ ዘላ ርክባትን ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን ርእሰ ብሔር ሉላ ቅዱስነቶም ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ ምኽንያት እውን ከም ዘመስገንዎም ዜና ቫቲካን ብመሰረት ናይ ብራዚል መንግስቲ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ኣመላኺቱ፥ ርእሰ ብሔር ሉላ ኣብ ዩክሬይን ሰላም ክረጋገጽ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት መንግስታት ዘካይድዎ ዘለዉ ርክብ ንቕዱስነቶም ሓቢሮም፡ እቲ ውግእ እናገደደ ይኸይድ ምህላውን እዚ እውን ዓቢይ ሓዘን ይፈጥር ኣሎ ከም ዝበሉን ገሊጾም፡ ኣተሓሒዞም መንግስቶም ድኽነት ንምውጋድ ዘካይዶ ኵሉ ጻዕርታት ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ብራዚል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ነቲ ናይ ዓለም “ሓምላይ ሳምቡእ” ንምምዝማዝ ካብ ዝጽዕሩ ሓይልታት መጥቓዕቲ ዝወርዶ ዘሎ ሓውሲ ደሴት ኣማዞን ንምዕቃብ ስለ እተካይዶ ወፈያ ከም ዘመስገኑን ኣብ ልዕሊ መሬት ደቀባት ኣማዞን ዝፈጸም ዓመጽ ዝመልኦ ናዕቢ ኣብ ግምት ብምእታው እዚ ኸቢድ ጸገም ንምምካት ተወፋይነት ኣገዳሲ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ወግዓዊ ዕድመ ብራዚል ንኽበጽሑ

ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ርክብ ርእሰ ብሔር ሉላ ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ ቁርብ ኣዋርሕ ሕርየቶም ኣብ 2013 ዓ.ም. ወርሒ ሓምለ ኣብ ሪዮ ደጃነይሮ ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽሳተፉ ኣብ ብራዚል ከም ዝበጽሑ ዘኪሮም ደጊሞም ቅዱስነቶም ኣብ ብራዚል ምብጻሕ ንኸካይዱ ወግዓዊ ዕድመ ከም ዘቕረቡሎምን ከምኡ እውን ርእሰ ብሔር ብራዚል ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ከካይዱን ምስ ቅዱስነቶም ብኣካል ንኽራኸቡ ድላይ ከም ዘለዎምን ገሊጾም ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ሉላ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2009 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ተራኺቦም ከም ዝነበሩን ኣብ 2020 ዓ.ም. እውን ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ከም ዝነበሩ የዘኻኽር።

01 June 2023, 16:03