ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ንዘሎ በርገሳውን ሃይማኖታውን ሚዛን ኣብ ሓደጋ የእትዎ ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ንዘሎ በርገሳውን ሃይማኖታውን ሚዛን ኣብ ሓደጋ የእትዎ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእ እቲ ኣብ ኤውሮጳ ንዘሎ በርገሳውን ሃይማኖታውን ሚዛን ኣብ ሓደጋ የእትዎ

ክንየው እቲ ተግባር ማለት ካብቶም ደገፍን ሕውነታውን ህላወን ኣዚዩ ዘድልዮም ጀምሪካ ንሕዝቢ ቀረባ ምዃን ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ ኣምላኽ ቀረባ ምዃኑ ዘርኢ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ነቶም ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን መንፈሳዊ ንግደትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ብፍሉይ ተውፋይነት ዘገልግል ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ዘእርገቱ ኣብ ዘካየዶ መበል 34 ሓፈሻዊ መሉእ ዓውደ ኣኼባ ተጋባእያን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንበመል 34 ሓፈሻዊ ጉባኤ ንኸካይዱ ኣብ ሮማ ንዝተረኽቡ ናይ ዘርእገቱ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኣባላት ተቐቢሎም፥ “መንግስቲ ኣምላኽ ቀሪቡ እዩ” ብዝብል መርሕ ቃል ዘካይድዎ ዓውደ ጉባኤ ምዃኑ እውን ገሊጾም፥ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ዘካይዶ ዓውደ ኣኼባ መርሕ ቃል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ እቲ ናይቲ ዓውደ ኣኼባ ኣርእስቲ ሓደ ናይቲ ማሕበር ናይ ዘካይዶ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ሕመረት ምዃኑ ገሊጾም፥ “ስለዚ ድማ ተስፋ ንነፍሲ ወከፍ ሰብን ንመላእ ዓለምን” ምግላጽ ማለት ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ነቶም ተገልግልዎምን ትራኸብዎምን ኩሎም ምልክት መንግስቲ ኣምላኽ ኢኹም” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብተግባር ጥራይ ዘይኮነ ቅርበት

እዚ ቅርበት እዚ ብተግባራት ከም ዝሓልፍ ብተፈጥሮኡ ምስ ጉባኤ ዝተኣሳሰረን ምስቲ ማሕበር ዘእርገቱ ኣበርክቶ ዝገብረሉ ሓዋርያዊ ተበግሶታት ቤተ ክርስቲያን ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ገሊጾም፡ . . . ክንየው እቲ ተግባር ማለት ካብቶም ደገፍን ሕውነታውን ህላወን ኣዚዩ ዘድልዮም ጀምሪካ ንሕዝቢ ቀረባ ምዃን ንገዛእ ርእሱ መንግስቲ ኣምላኽ ቀረባ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። እዚ ቅርበት እዚ ብውልቅን ብሓባርን ብእተቕርበዎ ወንጌላዊ ምስክርነት ዝንበር ይኹን” ስለዚ እቲ ቅርበት ክነገር ብሰብኣዊ ሃገዝ ካብ ዝግበር ቅርበት ገዛእ ርእስኻ ቀረባ ኣብ ምግባር ዝግለጽ ክኸውን ከም ዘለዎ ድማ ምዒዶም፥

መንፈሳዊ ንግደትን ተወፋይነትን ኣብ መዳይ መራኸቢ ብዙሓንን

ማሕበር ዘእርገቱ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎቱ ካብ ዘጠቓልሎም፥  መንፈሳዊ ንግደትን ተወፋይነትን ኣብ መራኸቢ ብዙሓንን ዝብሉ ጠቒሶም፥  . . . እዚ ማሕበር ናብ ዝተፈላለየ ቅዱስ ስፍራ ዝግበር መንፈሳዊ ንግደት ዘሰናድው ምዃኑ እውን ዘኪሮም፡ እዚ ንግደት እዚ ልክዕ ብኸዋኽብቲ ተመሪሕካ ናብቲ ዘገድስን ሕይወትን ናብ ዝኾነ ምጉዓዝ ማለት እዩ” ቢሎም፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብመራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ እቲ ማሕበር ዝነብሮ ተወፋይነት ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘለዉን ካብ ቤተ ክርስቲያ ዝረሓቑን ዝዛረብ እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሓዋርያዊ ጉስነት ኣብ እዋን ግጭት

ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ታሪኻውን ንጹርን እዩ፡ እዚ እውን ሓደ ናይቲ ማሕበር ኣነባብራ ሓዋርያዊ ጉስነት ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ግጭትን ዘሰክፍን  ኩነታት ዝበዝሓሉ ዓለም ንሓዋርያዊ ጉስነት ብድሆ እዩ። . . . ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት በርገሳውን ሃይማኖታውን ሚዛን ናይቲ ዞባ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ . . . ነቲ ኣብ ቡልጋርያ ዘሎ ውስጠ ሃይማኖታዊ ርክባትን ዘተን ዘኪሮምን ኣመስጊኖምን፡ እዚ ተመክሮ እዚ ንቤተ ክርስቲያን ክቡር እዩ፡ እዚ መገዲ ሰላም እዩ፥ ሎሚ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ናይ ሓድነትን ሱታፌን ኣገልግሎትኩም ንሰላም ኣንጠረይናታት ይገብረኩም። . . . እቲ ማሕበር ኣብዚ ዘካይዶ ዘሎ መበል 34 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼብኡ ናይቲ ማሕበር ናይ ዝቕጽል ሽዱሽተ ዓመት መደባት ዝሕንጽጽ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥ ነቶም ተጋባእያን ጸሎትም ኣረጋጊጾም . . .

ስሉስ ፍቕሪ ምምዕባል

ነቲ ናይቲ ማሕበር መሰራቲ ኣባ ኤማኑኤል ዳልዞን ጠቒሶም፥ “ስሉስ ፍቕሪ ከተማዕብሉ ኣይትፍርሑ” ንክርስቶስ ኣፍቅሩ ንድንግል ማርያም ኣፍቅሩ ንቤተ ክርስቲያን ኣፍቅሩ . . . ንናይ ማሕበርኩም መንፍሳዊ መስሕብ እሙናት ኮኑ ብመሃዝነት 

23 June 2023, 16:23