ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ሜሪ ማኪሎፕ ፍቕሪ ክርስቶስ ናብ ገጠራት ኣውስትራሊያ ዘብጸሐት!

“ቃል ብስራት ንምዝርጋሕን ንኻልኦት ሰባት ምስ ህያው ክርስቶስ ንኺራኸቡ ንምዕዳም” ዝተላእከት እንክብሉ ገሊጾም፥ ምልክታት ግዜ ከም ዘነበበቶ እሞ ብትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ወንጌል ኣተስፍሓሉ ሓያሎ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝመስረተት

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሓዋርያዊ ቅንኣት ዓቢይ ኣርእስቲ ኣማኣኪሎም ዘበገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፡ ዕለት 28 ሰነ ኣብ ናይ “ቅድስቲ ሜሪ ማኪሎፕ” ሓዋርያዊ ቅንኣት ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “ንኽርስቶስን ሰናይ ትምህርትን ኣብ ገጠራት ኣውስትራሊያ ንደቀባት ህዝብታት ንምብጻሕ ዝነበራ ዓቢይ ድሌት” ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም እቲ ንሓደ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ሓጋይ ዕረፍቲ ቅድሚ ምጅማሮም ዕለት 28 ሰነ ድሕሪ ናይ ምወዳእታ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝለገሱን፡ ኣብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ቅንኣት ኣማእኪሎም ዘበገስዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፥ ኣብ ህይወትን ኣብነትን ቅድስቲ ሜሪ ማኪሎፕ (1842 – 1909 ዓ.ም.) ማሕበር ደናግል ቅዱስ ዮሴፍ ዘቕዱስ ልቢ ዝመስረተት ኣተኲይሮም፥ ኣብ ጥቓ መልበርን ካብ ስኮትላንዳውያን ስደተይናታት ስድራ ቤት ኣብ ኣውስትራሊያ ዝተወልደት ሜሪ ካብ ንእስነታ ኣትሒዛ ንኣምላኽ ብፍሉይ መገዲ ከተገልግል ዝተጸወዐት፥

ድኻታት ንምግልጋል ዝነበራ ሓዋርያዊ ቅንኣት

“ቃል ብስራት ንምዝርጋሕን ንኻልኦት ሰባት ምስ ህያው ክርስቶስ ንኺራኸቡ ንምዕዳም” ዝተላእከት እንክብሉ ገሊጾም፥ ምልክታት ግዜ ከም ዘነበበቶ እሞ ብትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣቢላ ወንጌል ኣተስፍሓሉ ሓያሎ ኣቢያተ ትምህርቲ ዝመስረተት፡ “ሓደ ካብቲ ንወንጌል ዘለዋ ቅንኣት ኣገዳሲ መለለዪ ንድኻታት ንምእላይ ዝነበራ ባህጊ እዩ። እዚ ኸኣ ናብቲ ካልኦት ክኸድዎ ዘይደልዩሉ ወይ ኪኸዱሉ ዘይከእሉ ቦታ ንኽትከይድ ደረኻ።” ሜር ዕለት 19 መጋቢት 1866 ዓ.ም. ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሴፍ ናይ መጀመርታ ቤት ትምህርታ ኣብ ደቡባዊ ኣውስትራሊያ ከፊታ፡ ደድሕሪኡ ከኣ ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገርን ኔው ዚላንድን ኣብ ዝርከብ ገጠራት ኣቢያተ ትምህርቲ ከም ዝመስረተት ቅዱስነቶም ናይታ ቅድስቲ ናይ ታሪኽ ማህደር ጠቒሶም ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ካቶሊካዊ ትምህርቲ

ቅዱስነቶም ትምህርቲ፥ “ብወገን ነፍሲ ወከፍ መምህር ጥበብን ትዕግስትን ፍቕርን ሓልዮትን ዝሓትት ኩልንተናዊ ምዕባለ ውልቀ-ሰብ ይኹን ማሕበረሰብ ዘስፍሕ ክኸውን ኣለዎ” ዝብል እምነቶም ገሊጾም፥ “ትምህርቲ ርእሲ ብሓሳብ ምምላእ ዘይኮነስ ንተመሃሮ ኣብቲ ሰብእውን መንፈሳውን ዕብየቶም ዝገብርዎ መገዲ ምስናይን ምትብባዕን፡ ምስቲ ልቦም ዘርህው ንህይወቶም ዝያዳ ሰብኣዊ ዝገብሮን ትንሱእ ክርስቶስ ምሕዝነት ከቕሙ ዝድግፍ እዩ . . . እዚ ቅድስቲ ሜሪ ዘቖመቶም ኣቢያተ ትምህርቲ ዝኽተሎ ዕላማ ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ምስትውዓል እዚ ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ዘመን ዝዛመድ እዩ” እንክብሉ ንታ ጓል ቤተ ክርስቲያን ንኢዶም፥ እዚ ድማ ኣብቲ ንቤተሰብን ኣቢያተ ትምህርትን ማሕበራትን ንምጥርናፍ ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ክረጋገጽ ኣብ ዝገብርዎ ዘለዉ ናይ ገዛእ ርእሶም ጻውዒት ሰሪጹ ዝርእይዎ ዕላማ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ ምትእምማን

ሓዋርያዊ ቅንኣት ሜሪ ማኪሎፕ እውን ካብት ኣብ ኣደላይድ ዝርከብ “ቤት ሓልዮት እግዚኣብሔር” ጀሚራ ንዘኽታማትን ዝተጠንጠኑን መንእሰያትን ኣረጋውያንን ንምቕባል ዝተፈላለየ ናይ ግብረ ሰናይ ኣባይቲ ንኽትከፍት ምኽንያት ኮይኑዋ። ኣብቲ መዓልታዊ ክትገጥሞ ዝነበራ ዕጽፍታት ቁጠባውን ውደባውን ጸገማት ኣብ ሓልዮት ኣምላኽ እምነታ ከትዓብይ ገበራ . . . ብዙሕ ጸገማት እኳ እንተነበረ ኣገዳሲ ኣካል ተልእኾኣ ጌይራ ህድእ ኢላ መስቀላ ብትዕግስቲ ተሰከመት።”

ፍቕሪ መስቀለ ክርስቶስ

ኣብ መደምደምታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድስቲ መሬ ማኪሎፕ መስቀል ክርስቶስ ምፍቃር ከም ዝተማህረትን ንናይቲ ዝበረቶ ዘመን ድልየታት መልሲ ንምሃብ ናይ ገዛእ ርእሳ መገዲ ከም ዝረኸበትን ኣስተብሂሎም፥ መንእሰያት ንምቛምን በእጋሮም ደው ንኽብሉ ዝገበረቶ ጻዕሪ ሎሚ የነቓቕሓና . . . ኣማላድነታ ድማ ንመንእሰያት ሰናይን ሰናይ መጻእን ክህልዎም ዝፍጸም መዓልታዊ ስራሕ ወለዲ፡ መምሃራን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራንን የሰንይዮን ሰብኣውን ምሉእ ተስፋ ዝዓሰሎን ክኸውን ይደግፍ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 June 2023, 16:29