ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ዋጋ ዘኽፍል እውን ይኹን ኣብቲ ኣገዳሲ ነገራት እሙን ምዃን

ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ብቕዓትን ሃልኪን ገለ ምኽሓድ ዘጠቓልል እኳ እንተኾነ ኣብ ነገራት ዘይምጥፋእ ግን ኣድላዪ እዩ” ነቲ ዋጋ ዘለዎ ክብሪ እሙን ምዃን ዋጋ ኣለዎ፥ ኣንጻር ውሕጅ ዓለም ምኻድ፡ ካብ ኩነታት ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ሓራ ምውጻእ፡ ነቶም ውሕጅ ዓለም ዝኽተሉ ኣይፋል ምባል ዋጋ የኽፍል እዩ”

ዕለት 25 ሰነ ስንበት ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 10, 26 – 33 ዝተወስደ ናይ ዕለቱ ምንባበ ወንጌል ኣማእኪሎም፥ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ምእመናን ቅኑዕ ኣቃልቦን ሓልዮትን ኣብቲ ብሓቂ ንህይወት ኣገዳሲ ዝኾነ እምበር ነቲ ንህይወት ዘልምስን ዝዕብልል ከይውፈዩ ይላበዉ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኢየሱስ፥ ዋጋ ዘኽፍል እውን እንተኾነ ነቲ ዘገድስ ነገራት እሙን ኴንካ ክትስጉም ነቲ ዝተረፈ ባዕሉ ብሓልዮቱ ክከናኸኖ ከም ዝኾነ የረጋግጸልና፥ ቅዱስነቶ ነዚ ዝበሉ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ክኸውን እንከሎ፥ ምእመናን ኣንጻር እቲ ዝኾነ ይኹን ማዕበል ዓለም ክኸዱን ነቲ ከም ልሙድ ኩሉ ዝስዕቦ ዝበሃል ዓብላሊ ኣተሓሳስባ ንምንጻግ ሰጋእ መጋእ ከይብሉ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኢየሱስ ኣብ ናይ ዕለቱ (ሰንበት 25 ሰነ 2023 ዓ.ም.) ምንባብ ወንጌል፡ ንደቀ መዛሙርቱ ሰለስተ ሳዕ “ኣይትፍርሁ” ከም ዝበሎምን ብዛዕባ እቲ ምእንቲ ወንጌል ኢሎም ኪጻወርዎ ዘለዎም መስጐጒቲ ይዛረቦም፡ ከይፈርሑ ድማ የተባብዖም።

ህይወትካ ናይ ምጥፋእ ሓደጋ

እቲ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ዝበሎም ሎሚ እውን ንቤተ ክርስቲያንን ምእመናንን ዝብሎ ከም ዝኾነ ኣዘኻኪሮም፡ ቤተ ክርስቲያን ሓጎስ ግን ከኣ ዓቢ ስደት እውን ብቐረባ ተሞኪራቶ ኢያ፡ “እዋጅ መንግስቲ ኣምላኽ ተቓውሞን ስደትን ዘጋጥሞ እውን እንተኾነ፡ ኣብ ሕውነታዊ ፍቕርን ይቐረታን ዝተመስረተ መልእኽቲ ሰላምን ፍትሕን እዩ፡  እዚ ተጋራጫዊ ይመስል፡” ኢየሱስ ኣይትፍራሕ ይብል . . . “ኣብ ዓለም ኩሉ ጽቡቕ ስለ ዝኾነ ዘይኮነስ ንኣቦ ክቡራት ስለ ዝኾንናን ሰናይ ነገር ድማ ሰለ ዘይጠፍእ እዩ . . . ነቲ ነፍስን ስጋን ከጥፍእ ዝኽእል ገሃነም እዩ ከፍርሃና ዘለዎ”

ሓደ ሰብ ብግጉይ ምርዳእን ነቐፌታን ክሳቐ ንወንጌል እሙን ምእንቲ ክኸውን ክብርን ቁጠባዊ ብልጫን ካብ ምጥፋእ እንታይ ደኣ ንህይወት ብትርጉም ዘይመልእ ንእሽቶ ነገራት እናሰዓበ ህላወኡ ካብ ምብኻን ክፈርሕ ኣለዎ!

ንኹላትና ዝምልከት

እዚ ንነፍሲ ወከፍና ኣገዳሲ እዩ፥ “ሎሚ እውን እንተኾነ ሓደ ሰብ ዝተወሰነ ቅድታት እንተዘይሰዓበ ክሰሓቖ ወይ ድማ ኣድልዎ ከጓንፎ ይኽእል። እዚኦም ግን መብዛሕቲኡ ግዜ ክውንነት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘቐምጡን ኣብ ክንዲ ሰባት ነገራት ኣብ ክንዲ ዝምድናታትን ርክባትን ደጋዎ ኣፈጻጽማን ዘቐድሙ እያቶም!

ወለዲ ንስድራኦም ንምድጋፍ ክሰርሑ ኣለዎም፡ ግን ከኣ ስራሕ ኣገዳሲ እውን እንተኾነ ምስ ደቆም ዘሕልፍዎ ግዜ ክህልዎም ይግብእ፡ ካህናት ወይ መነኮሳት “ንኣገልግሎት ተወፋይነት ክህልዎም ኣለዎ፡ ምስ ኢየሱስ ንኽኾኑ ግዜ ምውፋይ ከም ዝግብኦም ክዝንግዑ የብሎምን፡ እንተዘይኮይኑ ኣብ መንፈሳዊ ዓለማውነት ይወድቁን መን ምዃኖምን መንነት ስምዒቶም ድማ የጥፍኡ።” ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ብዛዕባ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እናሕሰቡ፥ “ ሽሕ ቃል ኪዳንን ኒሕን ዘለዎም ናይ ትምህርትን ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለየ ድሌት ዘለዎም ናይ ኢድ ተለፎንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን የድልዮም፡ ግን ከኣ ምስ ሰባት ክራኸቡን ዓበይቲ ሕልምታት ክጭብጡ እውን የድልዮም እዩ፡ ኣብ ነገራት ግዜ ከየባኽኑን ገዛእ ርእሶም ነቲ ዝባኽን ነገር ኣሕሊፎም ከይህቡ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣንጻር ውሕጅ ዓለም ንምኻድ ዘድሊ ተጋድሎ

ኣብ ቅድሚ ጣዖታት ብቕዓትን ሃልኪን ገለ ምኽሓድ ዘጠቓልል እኳ እንተኾነ ኣብ ነገራት ዘይምጥፋእ ግን ኣድላዪ እዩ” ነቲ ዋጋ ዘለዎ ክብሪ እሙን ምዃን ዋጋ ኣለዎ፥ ኣንጻር ውሕጅ ዓለም ምኻድ፡ ካብ ኩነታት ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ሓራ ምውጻእ፡ ነቶም ውሕጅ ዓለም ዝኽተሉ ኣይፋል ምባል ዋጋ የኽፍል እዩ” ኢየሱስ ነቲ ዝዓበየ ክቡር ህይወት ከይንጉሕፍን ነቲ ሓቀይና ዋጋ ዘይብሉ ክንክሕድ ይዕድመናን ኣይትፍርሑ ይብለና ኣሎ።”

እምበር ኣስከ ንገዛእ ርእስና፥ እንታይ እየ ዝፈርሕ . . . እቲ ዘፍርሓኒ እንታይ እዩ? ኢልና ንሕተት

እቲ ዘፍርሓኒ እንታይ እዩ? እቲ ዝደልዮ ዘይምርካበይ ድዩ ዘፍርሓኒ? እቲ ሕብረተሰብ ዝጽዕኖ ሸቶታት ዘይምብጻሕ ድዩ? ናይ ካልእ ፍርዲ? ወይስ ንጎይታ ዘይምሕጓስን ንኣኡ ዘይምህላውን ንወንጌ ቀዳምነት ዘይምሃብ እዩ ዘፍርሓኒ?

ዝብሉ ሕቶታት ኣቕሪቦም፥ ነታ ኣደ ጥበብ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ እንገብሮ ምርጫታት ጥበብን ትብዓትን ክተማልደልና ንለምና ቢሎም ብሓባር ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 June 2023, 16:32