ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ሃብቲ ኣብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣብነት ዝጸንዐ ንግዲ ክሃንጹ ኣለዎም! ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ሃብቲ ኣብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣብነት ዝጸንዐ ንግዲ ክሃንጹ ኣለዎም!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ሰብ ሃብቲ ኣብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ኣብነት ዝጸንዐ ንግዲ ክሃንጹ ኣለዎም!

ሰብ ሃብቲ ብወንጌል ዝምራሕን ኣብ ተስፋ ዝተመስረተን መርበብ ክሃንጹ

ዕለት 1 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ኣባላት ባይቶ ንግዲ ላቲን ኣመሪካ ተራኺቦም፥ ሰብ ሃብቲ ኣብ ንግዳዊ ጻዕርታቶም ተስፋን ኣንፈትን ንምርካብ ኣብ ወንጌል ክጥምቱ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ስራሕ ኣብ ናይ ምርኻብ ባህሊ ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ፡ . . . እዚ ኸኣ ንሰባት ሓባራዊ ጥቅሚ ከደልድል ኣተባቢዖም፥ ስለዚ ናይ ምርኻብ ባህሊ ብዅለ መዳይ ምትብባዕ ሓደራ እንክብሉ ምዒዶም፥

ናይ ሓባር ጸገማት ምግጣም

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ሰብ ሃብቲ ብወንጌል ዝምራሕን ኣብ ተስፋ ዝተመስረተን መርበብ ክሃንጹ ኣተሓሳሲቦም፥ እቲ ዓመታዊ ጉባኤ፥ ዛዕባ ስደትን ለውጢ ከባቢ ኣየርን ከምኡ እውን ኵለንተናዊ ምሉእ - ሓቛፊ ሰብኣዊ ምዕባለ ዝኣመሰሉ ዝምልከት ኮይኑ እዞም ጸገማት ኣብ ኩሉ ካልእ ካፋላት ዓለም ክርከቡ ከም ዝኽእሉ ኣመልኪቶም፥ “ሓሳብ ምልውዋጥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ መላእ ስድራ ቤት ደቂ ሰባት ሓባራዊ ዝኾነ ጸገማት ብሓባር ንምግጣም ሓይልኹም ክትጥርንፉ ክሕግዘኩም ይኽእል” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኻልኦት ዘኽብር ባህሊ ብድሕሪኡ ናብ ማእለያ ዘይብሉ መዓልታዊ መስዋዕት ንካልኦት ንኽዓብዩ ንምትሕግጋዝ ዝግበር ጻዕርን ይትርጎም” ምስ በሉ፥ “ሰብ ሃብቲ ላቲን ኣመሪካውያን ንሰራሕተይናታቶም ቀጻሊ ህንጸትን ትምህርትን ከቕርቡ” ኣተሓሳሲቦም፡ እዚ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተይና ንሓንቲ ጭቡጥ ቁጠባዊ ድሌታት ዘለዋ ስድራ ቤት ስለ ዝውክል “ግርጭትን ቃንዛን ከምጽእ ዝኽእል ስእነት ስራሕ ንኸይህሉ ዘለዎ ኣበርክቶ ዓቢይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምእንቲ ካልኦት መዓልታዊ ኣገልግሎት

ነጋዶን ደቂ ኣንስትዮን ናብቶም ገፈፍቲ ዓሳ ዝነበሩ ቀዳሞት ደቀ መዛሙርት ኢየሱስ ክጥምቱ ዓዲሞም፥ መልእኽቲ ክርስትና ንምስፋሕ ናይ ገዛእ ርእሶም ጽንኩርን ማዕበላውን ባሕርታት ከመይ ከም ዘተኻኽሉ ከም እተመሃሩን ናይ እዋንና ሰብ ሃብቲ ክመህሩሉ ዝክእልሉ ኣብነት ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም፥ “እቲ እተካይድዎ ኣገልግሎት ረቒቕ ዘይኮነስ ናብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝቐንዐ እዩ። እዚ ድማ ንማንም ዘይጎስይ ንማንም ከይጠንጠንካ ብሓባር ምስራሕ ኣድላዪ ይገብሮ።”

እቲ ናይቲ ማሕበር ጉባኤ ኣብ ሮማ ንምክያድ ዝተገብረ ምርጫ ንተሳተፍቲ ምስ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓዊሱ ኣብ ዘለዓለማዊት ከተማ ሮማ ዝተቐብሩ ብዙሓት ሓዋርያት ብቐጥታ ንኽራኸቡ ዕድል ከም ዝፈጥር እውን ሓቢሮም፥ “ኣብዚ ኣሰር ናይቶም መዓላታዊ ምስክርነቶም ብምቕራብ ንከባቢኦም ብብርሃን ወንጌል ዝቐየሩ ብዙሓት ደቂ መዛሙርቲ ኢየሱስ ንረክብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ወንጌል ቡሶል እዩ

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም እቶም ሰብ ሃብትን ሰብ ትካላትን እቲ ናይ ህይወት ቡሶላ ዝኾነ ወንጌልን ውህበትን ተስፋን ከስተማቕሩ ምዒዶም፥ “ስለዚ እግዚኣብሔር ኣብ ጉዕዞና ከም ዝመርሓናን ከም ዘሰንየናን ተኣሚንና ቀኒዕና ክንጓዓዝ ንኽእል” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

02 June 2023, 15:36