ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ፥ ‘ብዓብይ ተኣማንነት ናብ ኣፍሪቃ ንጥምት’ ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ፥ ‘ብዓብይ ተኣማንነት ናብ ኣፍሪቃ ንጥምት’  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ፥ ‘ብዓብይ ተኣማንነት ናብ ኣፍሪቃ ንጥምት’

ናብ ኣፍሪቃ ብዓቢ ምትእምማን ኢና ንጥምታ ምኽንያት መገድታት መጻኢ ክትሕንጽጽ እትኽእል ኣህጉር ክትከውን ዘድሊ ኩሉ ስለ ዘለዋ!

ዕለት 1 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓለም ሓቆፍ ውዕል ትምህርቲ ኣብ ኣብ ማዕቅፍ ኣፍሪቃ ዘነቓቕሑ ኣካላት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ቃለ ምዕዳን፥ ነቲ ተበግሶ ክብርታት ካብ ክርስቲያናውን ባህላውን ያታን ባህልን ኣፍሪቃ ብምውሳድ ንመንእሰያት ንምሕናጽ ዝዓለመ ሸቶታቶም ከም ዝነኣዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ዕለት 1 ሰነ ንኣፍሪቃዊ ስምምዕ ትምህርቲ ብምንኣድ፡ ካብ ዓለም ለኸ ሃይማኖታውን ማሕበረሰብኣዊ ትካላትን ንዝመጹ ኣዳለውቲ ውዕል ኣፍሪቃ ብዛዕባ ትምህርቲ ልኡካን ተቐቢሎም፥ “ናብ ኣፍሪቃ ብዓቢይ ምትእምማን ኢና ንጥምት” ቢሎም፥ “ሎሚ ምስቲ ምሳኹም ሒዝኩምዎ ዘለኹም ኣገዳሲ ሓድሽ ነገር ማለት ናይ ኣፍሪቃ ውዕል ትምህርቲ ምሳኹም ሓቢረ ክቕበሎን ከተባብዖን ሓጐስ ይስምዓኒ፥ እቲ ውዕል ፍረ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ኣብ ኪንሻሳ ብሓገዝ ጉባኤ ጳጳሳት ኮንጎን ብኣህጉራዊ ሃይማኖታትን ማሕበራትን ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ኮንጎን ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዘረጋገጺ ምዃኑ ገሊጾም፡ ኣብቲ ቅዱስነቶም ኣብ 2019 ዓ.ም. ዘበገስዎ ዓለም ሓቆፍ ውዕል ትምህርቲ ዝተደረኸ ካብ ዝተፍላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኪኖ ዝመጹ ብርክት ዝበሉ ጳጳሳትን ካህናትን ሊቃውንቲ ስነ ፍልጠትን ምሁራትን ኣብዚ ኣፍሪቃዊ ውዕል ትምህርቲ ዝሳተፉን ዘነቓቕሑን ተቐቢሎም ስለ ኣገልግሎትም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ብኣህጉራዊ መድርኽ ትምህርታዊ ውዕል ዘረጋገጽኩም ብምዃንኩም እንቋዕ ሓጎሰኩም እብል፡ በዚ ተበግሶ እዚ ነቲ ዘቕረብክዎ ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርቲ እንታይ ዕላማ ከም ዝደረኸኒ ዝተረዳአኩም ምዃንኩም ብዕዮታትኩም ተርእዩ ኣለኹም!

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ፥ ‘ብዓብይ ተኣማንነት ናብ ኣፍሪቃ ንጥምት’
ር.ሊ.ጳ. ኣብ ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ፥ ‘ብዓብይ ተኣማንነት ናብ ኣፍሪቃ ንጥምት’

ኣፍሪቃዊ ጥበብ

ቢሎም ነቲ ዓለም ሓቆፍ ውዕል ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣፍሪቃዊ ምስላ ዝሓሰብዎ ምዃኖም ገሊጾም፥ “ነቲ ወትሩ ኣካል ናይቲ ናይ ሽሕ ዓመት ትምህርታዊ ልምድኻትኩም ዝነበረ ማሕበረሰብኣዊ ሸነኽ ትምህርቲ ንምጉላሕ ንሱ ድማ ‘ናይ ህጻን ትምህርቲ ዓዲ ምልኡ እዩ ተሓታቲ’ ዝብል ምዃኑን ነዚ መሰረት ዝገበረ እዩ፡ “ህንጸት ንወለዲ ዝሕደግ ጥራሕ ዘይኮነ መላእ ዓዲ ዝምልከት ጉዳይ እዩ ዝብል እዚ ትምህርታዊ ቃል ኪዳን እዩ፡”

ኩሉ ሰብ ትምህርቲ ናይ ምድጋፍ ግዴታ ኣለዎ፡ እዚ ድማ ኩሉ ግዜ ናይ ሓባር ጻዕሪ እዩ!

ንትምህርቲ ናይ ምድጋፍ ግደታ

“ኣብ ትምህርቲ ከም ጉጅለ መዘመራን ክህሉ ዝኽእል ስግኣት ከይፈራሕና ክንዋሳእ ኣሎና፡” ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ፥”ማሕበረሰባውን ጋድማውን ሸነኽ ዝምድናታት” ንምሕዋይን ንምሕያልን ጥራይ ዘይኮነ “እቲ ቐጥታዊ ሸነኽ” ማለት “ምስ ኣምላኽ ዘሎ ርክብ” ንምጉላሕ ኣበርክቶ ክገብር ከም ዘለዎ ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹን ኣፍሪቃ ንኣዋጅ ክርስትና ብዓቢ ፍናን ገዛእ ርእሳ ዘርሃወት ኣብዚ እዋን እዚ ድማ ብዝሒ ክርስቲያንን ካቶሊካውያንን ዝለዓለ ወሰኽ ዝረኣየላ ምዃና ኣመላኺቶም፥ “ስለዚ ውዕል ትምህርቲ ኣፍሪቃ ብዝግባእ ኩርዓት ‘ኣነ ዘለኹ ንሕና ምህላውና እዩ’ ኣብ ዝብል ጭርሆ ዝተመስረተ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንእሰያትን መምሃራንን ወፍሪ ምግባር

ቅዱስነቶም ኣብ ትምህርቲ መንእሰያት ጸዓት ከውፍሩ ኣተሓሳሲቦም፡ “ድሕሪ እቲ ኣብ ቀዳሞት ዓሰርተታት ዓመታት ድሕረ - መግዛእታዊ ባዕዲ ዝነበረ መምርሕታት ሕጂ ምስ ከባቢያዊ መንግስታት ብሓባር ንዝኸይድ ዘሎ ብቕዓት ትምህርቲ ብፍላይ ድማ ንመምሃራን ብጽቡቕ ብምስልጣን ዋጋ ብምሃብን እንሰርሓሉ እዋን እዩ፡” ከምኡ እውን መምሃራን ነቲ ክቡር መያኦም ንኽጥቀሙሉ ዘድሊ ኩነታት ምፍጣር” የድሊ፥

ናብ ኣፍሪቃ ብዓቢ ምትእምማን ኢና ንጥምታ ምኽንያት መገድታት መጻኢ ክትሕንጽጽ እትኽእል ኣህጉር ክትከውን ዘድሊ ኩሉ ስለ ዘለዋ!

ነዚ ዘብለኒ፥ “ንዓበይቲ ማዕድናዊ ጸጋታትን ቁጠባዊ ምዕባለን መስርሕ ሰላምን ጥራይ እናሓሰብኩ ኣይኮነን፡ ልዕሊ ኩሉ ናይ ትምህርቲ ጸጋታት እናሓሰብኩ እዩ፡ ክብርታት ባህላዊ ትምህርቲ ኣፋሪቃ ብፍላይ ድማ ናይ ኣጋይሽ ሓንጎፋይ ዝብል ኣቀባብላን ምትሕግጋዝን ዝብሉ ክብርታት ምስቲ ትምህርታዊ ውዕል ፍጹም ዝሰማምዑ ክብርታት እዩ። . . ። ምስ ዝበለጸ ክፋል ናይ ነፍሲ ወከፍ ባህሊ ዝሰማማዕ ኮይኑ ነቲ ሓቀይና ሰብኣዊ ዘይኮነ ስለዚ ድማ መለኮታዊ ከይተረፈ ንምንጻሕ ይሕግዝ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ንኻልኦት ሃገራት ዝኸውን ኣብነት

ፍቑራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ምስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘሎ ናይ ምትህርቲ ውዕል ተተሓሒዙ ካብ ኣፍሪቃ ወትሩ ሓድሽ ነገር ይብገስ ዝብል ኣበሃህላ ከም ዘሎን ከምዚ ምዃኑ እውን ንስኻትኩም ትምስክርዎ ኣለኹም፡ ካልኦት ኣብነትኩም ክስዕቡ ተስፋ እገብር፥ ኣደ ኣፍሪቃ ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ምስቶም ነቲ ውዕል ዘተባብዑ ሰባት ሓቢራ ክትጓዓዝ ንጸልይ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

02 June 2023, 15:41