ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ዕርቂ ኣብ ሆንዱራስ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ዕርቂ ኣብ ሆንዱራስ ይጽልዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ምእንቲ ዕርቂ ኣብ ሆንዱራስ ይጽልዩ

ቅዱስነቶን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሱያፓ ሓላዊት ሆንዱራስ፥ “ልብታት ንዕርቂ ክኽፈቱን ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ማእሰርቲ ከይተረፈ እውን ሕውነታዊ ሓባራዊ ምንባር ቦታ ክወሃቦ ትሓግዝ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 25 ሰነ 2023 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሐር ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሆንዱራስ ኣብ ቤት ማሕቡስ ደቂ ኣንስትዮ ብዝተፈጥረ ጉጅላዊ ናዕቢ ዘጋጠመ ሓደጋ ብዙሕ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም፥ “ዕርቅን ሕውነትን ሓባራዊ ህይወትን ክጸንዕ ኣጽልይ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶን ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘሱያፓ ሓላዊት ሆንዱራስ፥ “ልብታት ንዕርቂ ክኽፈቱን ኣብ ውሽጢ ኣቢያተ ማእሰርቲ ከይተረፈ እውን ሕውነታዊ ሓባራዊ ምንባር ቦታ ክወሃቦ ትሓግዝ” ዝብል ጸሎት ዕለት 20 ሰነ ኣብ ሆንዱራስ ከተማ ታማራ ኣብ ዝርከብ ቤት ምእሰርቲ ደቂ ኣንስትዮ ልዕሊ 40 ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ንሞት ዝዳረገ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈጸመ ጉጅላዊ መጥቓዕቲ ዝፈጠረሎም መሪር ሓዘን ገሊጾም ዘቕረብዎ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ንሓድሕዶም ብነኣሽቱ ሸጓጉጥ ተሰነዮም ብዘካየድዎ ግጭትን ብዝፈጠርዎ ሓደጋ ባርዕ ዝተፈጸመ ግብረ ቅትለት ዝተሓበሩ ቅዱስነቶም፥ “ሞትን መከራን ዝዘርኡ ተጻባእቲ ጉጅለታት ዘለዓዓልዎ ዓመጽን ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ብርቱዕ ሓዘን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም፥ ንስድራ ቤት እሱራትን ምዉታትን ዝተሃሰዩን ኩሎም ቅርበቶም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ሆንዱራስ ዚዮማር ካስትሮ እቲ ኣብቲ ቤት ማሕቡስ ድቂ ኣስንትዮ ዝተፈጸመ ናዕቢ በቶም ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ናይ ጉጅለታትን ብኣፍልጦን ስምምዕን ሰብ መዚ ጸጥታ እቲ ቤት ማእሰርትን” ዝተወደበ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሓበሬታ ከም ዘሎ ገሊጾም፡ ጽኑዕ ስጉምቲ ክወስዱ ከም ዝኾኑ ድማ ቃል ከም ዝኣተዉ ዜና ቫቲካን ካብ ሆንዱራስ ዝወጸ ሓበሬታ ጠቒሱ የመላኽት።

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም እውን ዕለት 22 ሰነ እታ ኣብ 1983 ዓ.ም. 15 ዓመት ዕድመ ዝነበራ ምስ ወለዳ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐማጢት ዝነበረት ኣብ ሮማ ዝተጨውየት ክሳብ ሎሚ ሃለዋታ ዘይፍለጥ ኤማኑኤላ ኦርላዲ ዝተጨወይትሉ መበል 40 ዓመት ዝዝከረሉ ዕለት ከምዝነበረ እውን ገሊጾም፥ ብዛዕባ እዚ ግብረ ጨወያ እዚ ብዙሕ ናይ ውዲት ክልሰ ሓሳባት ብተደጋጋሚ ዝቐርብ ኮይኑ፥ ቅዱስነቶም ንስድራ ቤት ኦርላንዲ ቅርበቶም ገሊጾም፡ ጸሎትም እውን ኣረጋጊጾም፡ ንብዙሓት ኣብ ዓለም ዝተጨውዩን ኣባይቲ ስድራኦምን ከም ዝዘከሩን ስሌኦም እውን ከም ዝጸለዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ኤማኑኤላ ኦርላንዲ ዝትርኽ ኣብ ኢጣሊያ ንምርኢት ዝቐረበ ሰነዳዊ ፊልም ብቤተ ፍርዲ ቫቲካን ኮነ ብናይ ኢጣሊያ ከተማ ሮማ ለዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓድሽ መርመራ ክብገስ ከም ዝደረኸ ኣፍሊጡ።

26 June 2023, 16:37