ድለ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽተይና ሰላም ካርዲናል ዙፒ ናብ ሞስኮ ክበጽሑ እዮም ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽተይና ሰላም ካርዲናል ዙፒ ናብ ሞስኮ ክበጽሑ እዮም 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ መልእኽተይና ሰላም ካርዲናል ዙፒ ናብ ሞስኮ ክበጽሑ እዮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሰላም ዝጣበቑ ከም ዝኾኑን መራሕቲ ዓለምን ውልቀ ሰባትን ብማዕረ ሰላማዊ መገዲ ግርጭታት ንምፍታሕ ክሰርሑ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ጻውዒት ከም ዘቓልሑን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንዝሳቐዩ ሰባት ክጽለ ማእለያ ዘይብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘዘኻኽርን ምእንቲ ሰላም ክጽለ

ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ ኣብ ዩክሬይንን ሩሲያን ኮይኖን ንኸገልግሉ ብቕዱስነቶም ዝተመዙ፡ እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንምድላይን ዘተ ንምዕባይን ኣብ ሩሲያ ምብጻሕ ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳስ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ብጹዓን ጳጳሳት ኢጣሊያ ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ ኣብ ሞስኮ ክሳብ ዕለት 29 ሰነ ዝቕጽል ዑደት ንኸካይዱ ዕለት 28 ሰነ ሞስኮ ከም ዝኣተዉን፥ እዚ እውን “ነዚ ሕጂ ዘሎ ዘሕዝን ኲናት ፍታሕ ኣብ ምድንፋዕን ናብ ፍትሓዊ ሰላም ዝወስድ መገድታት ንምድላይ ኣበርክቶ ክግበሩ ዝኽእሉ ናይ ሰብኣውነት ምልክታት” ንምሕያል ዝዓለመ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብጹዕነቶም ኣብ ሞስኮ ዑደት ኣብ ዝገብርሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣህጉር ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት ከቕርቡን ነዚ ብምድጋፍ እውን ናብ ዘተ ዝመርሕ መገዲ ኣማእኪሎም ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክዝትዩ ምዃኖም ኣመላኺቱ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምእንቲ ሰላም ዝጣበቑ ከም ዝኾኑን መራሕቲ ዓለምን ውልቀ ሰባትን ብማዕረ ሰላማዊ መገዲ ግርጭታት ንምፍታሕ ክሰርሑ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ጻውዒት ከም ዘቓልሑን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ዩክረይን ንዝሳቐዩ ሰባት ክጽለ ማእለያ ዘይብሉ ዘቕረብዎ ጻውዒት ዘዘኻኽርን ምእንቲ ሰላም ክጽለ ክተባብዑ እውን ምዃኖም ኣፍሊጡ።

ኣብ ዩክሬይን ዘካየድዎ ወግዓዊ ምብጻሕ

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍሉይ ናይ ሰላም ልኡኽ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ዙፒ፥ ኣብ ዩክረይን መገዲ ሰላም ንምድህሳስ ኣብ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት፡ ተኸታታሊ ኣኼባታትን ናይ ጸሎት መደባትን ከም ዝፈጸሙን፥ ምስ ናይ ዩክረይን ናይ ፖለቲካን በርገሳሳውያንን ናይ ቤተ ክርስቲያን መራሕትን ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ በዓል መዚ ተሰንዮም ጹዑቕ ርክባት ከም ዘካየዱ ዘዘካኸረ ዜና ቫቲካን፥ ብጹዕነቶም ካብ ዕለት 5 – 6 ሰነ ኣብ ኪየቭ ዘካየድዎ ዑደት ምስ ናይ ዩክሬይን ርእሰ ብሔር ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ካልኦት ናይ መንግስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ከምእተራኸቡን ንመንግስቲ ዩክሬይን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንህዝቢ ዩክሬይን ዘለዎም ሓልዮት እውን ከምዘመሓላለፉ የዘኻኽር።

ኣብቲ ኲናት ዝሳተፉ ወገናት ንዘተ ቀዳምነት ክህቡን ናይ ሓባር መርገጺ ዝኾነ ፍትሓዊ ፍታሕ ክረኽቡን፥ ምስ ርእሰ ብሔር ዘለንስኪ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ስቓይ ንምቕላል ዳግማይ ምትእምማን ንምህናጽን ዕርቂ ንምፍጣር ክውሰዱ ዘለዎም ስጉምትታት ኣማእኪሎም ከም ዝመኸሩን ቫቲካን ብስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባትን ሰብኣዊ ተበግሶታትን ኣቢላ ንምሕጋዝ ድልውቲ ምዃና እውን ደጊሞም ከም ዘረጋገጹን፡ ከም ልኡኽ ሰላም መጠን ናብ ሞስኮ ዘካይድዎ ምብጻሕ ቅድስቲ መንበር ኣብ ጻዕርታት ህንጸት ሰላም ብንጥፈት ንምስታፍን ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብስም ሰላም ንምትሕብባርን ዘለዋ ተወፋይነት ንምጉላሕ ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሱ ይሕብር።

28 June 2023, 16:22