ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኤድና፣ ኣብ ጉዕዞኺ የሰንየኪ!”

“ኤድና ስለ ዝለኣኽለይ ደብዳበ አመስግነኪ! ስለ ለውሃትኪ አመስግነኪ! ስለ እቲ ኣብ ልብኺ ዘሎ ሰላም ድማ አመስግነኪ! እዚ ሰላም እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣልባብ እቶም ንዓኺ ዚራኸቡኽን ዚዛረቡኽን ዝተዘርአ ዘርኢ እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓንቲ ብከቢድ ሕማም እትሳቐ ጓል 17 ዓመት ፖርቱጋላዊት፥ ኣብቲ ኣብ ሊዝበን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክትሳተፍ ዘኽእል ጥዕናዊ ዓቕሚ ከምዘይብላ ዝገልጽ ዘመሓላለፍትሎም መልእኽቲ  መሰረት ገይሮ ልቢ ዝትንክፍ ብምስማዐ ርእየት ዝተሰነየ መልእኽቲ ከምዘመሓላልፉላ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኤድና ጓል 17 ዓመት ኣብ ቀረባ እዋን ምስ ኣምላኽ ክትራኸብ ምዃና እትፈልጥ፡ እዚ ድማ እቲ ንሸሞንተ ዓመታት ብዘጋጠማ ከቢድ ሕማም ምኽንያት ዝከናኸንዋ ሓኻይም ዘረጋገጽዎ ክኸውን እንከሎ፥ ንሳ ንቕዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፈትሎም መልእኽቲ ድማ፥ “ሓኪመይ መዓስ ምስ ኢየሱስ ክራኸብ ምዃነይ ብትኽክል ዝፈልጥ እውን ኣይኹን ኣብ ቀረባ ግዜ ከም ዝኸውን ግን ነጊሩኒ” ክትብል ኣብቲ ንቕዱስነቶም ዘመሓላለፈቶ መልእኽቲ ኣብዛ ምድሪ ናይ ምጽናሕ ዕድመኣ ሓጺር ምዃኑ ትሕብር . . . እዚ ድማ ካብዚ ዓለም ብሞት ኣትፍለየሉ ግዜ ቀረባ ምዃኑ ትሕብር።

ኣብቲ ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዝቕጽል ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንኽትሳተፍ እኳ እንተ ተመዝገበት ምስ ቅዱስነቶም ብኣካል ክትራኸብ ከም ዘይትኽእል ክትሕብር እንኮላ፡ እታ ምስ ቅዱስነቶም ክትራኸብ ብምሉእ ልባ ሃረር እትብል ኤድና ነዚ ኩነታት እዚ ብጓሂ ጥራይ ዘይኮነስ ብናይ ሓቅን ቅንዕናን እምነት ከምኡ እውን ከምቲ እቶም ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ወሰናስን ሊዝበን ዝርከብ ቁምስና ቅዱስ ማሲሚሊያን ኮልበ ኣባላት ብቐረባ ዝምስክርዎ ነቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ጽንኩር ሕማም ብፍሽኽታን ብእምነትን እያ እትነብሮ ዘላ።

ናይ ኤድና መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና
ናይ ኤድና መልእኽቲ ናብ ቅዱስ ኣቦና

ኤድና ኣብታ ንቕዱስነቶም ዘመሓላለፍትሎም መልእኽታ፥ “ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ፖርቱጋል ከም ዝጽንበል ምስ ሰማዕኹ ኣዚየ ተሓጉስኩ፡ ከመይሲ እቶም ክዛረቡን ክምዕዱን ብቴለቪዥን ጥራሕ ዝርእዮም ዝብልዎ ኩሉ ባህ ዘብለኒ ር.ሊ.ጳ. ብኣካል ክራኸቦም ምዕዳኖም ክሰምዕ እቲ ኣጋጢሙኒ ዘሎ ሕማም ዘይዓግተኒ ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ፡ ስለዚህ  ድማ እዚ ስምዒት እዚ ንቕዱስነቶም ንኸተካፍሎም ብዝሓደራ ዓቢይ ድላይ ተደሪኻ ነዛ ትስዕብ ደብደባ ትልእኽ፥

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኤድና፣ ኣብ ጉዕዞኺ የሰንየኪ!”
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ኤድና፣ ኣብ ጉዕዞኺ የሰንየኪ!”

ቅዱስ ኣቦና ነታ ኤድና ንሕክምና ካብ እትርከበሉ ቤት ሕክምና ኮይና ዝጸሓፈትሎም ደብዳበ ምስ ኣንበቡ - ደጋጊሞም የመስግንዋ፡ “ኤድና ስለ ዝለኣኽለይ ደብዳበ አመስግነኪ! ስለ ለውሃትኪ አመስግነኪ! ስለ እቲ ኣብ ልብኺ ዘሎ ሰላም ድማ አመስግነኪ! እዚ ሰላም እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኣልባብ እቶም ንዓኺ ዚራኸቡኽን ዚዛረቡኽን ዝተዘርአ ዘርኢ እዩ፡ የቐንየለይ! ኣብዚ እትገብርዮ ዘሎኺ ጉዕዞ ድማ አሰንየኪ ኣለኹ! ምሳኻትኩም ክራኸብን ጽቡቕ ኣቀባብላ ከም ኣተገብሩለይ ድም እኣምን፡ ምእንታኽን ምሳኽን ብምጽላይ ከምኡ እውን ነቲ ወትሩ ዚጽበየና ዘሎ ኢየሱስ ብምርኣይ ምሳኺ እሓብር! አመስግነኪ!” ዝብል  ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉላ ዜና ቫቲካ የመላኽት።

ኤድና ኣብ መልእኽታ ቅዱስነቶም ስሌኣ ክጽልዩ ሓቲታቶም ነይራ፡ ንሶም እውን ንሳ ምእንታኦም ክትጽሊ ይሓትዋ፡ እቲ ቅዱስነቶም ስሌኣ ዘቕረብዎ ጸሎት ድማ፥ “ኣብዚ ጒዕዞ እዚ እውን ሓይሊ ምእንቲ ክትረኽቢ ቡራኬይ እመሓላልፈልኪ . . . “ ዝብል ጸሎት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 June 2023, 15:45