ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ቤት ሕክምና ጀመሊ ስለ ዝገበሩሎም ክንክንን ቆላሕታን የመስግኑ ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ቤት ሕክምና ጀመሊ ስለ ዝገበሩሎም ክንክንን ቆላሕታን የመስግኑ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ንሰራሕተይናታት ቤት ሕክምና ጀመሊ ስለ ዝገበሩሎም ክንክንን ቆላሕታን የመስግኑ

ናይቲ ቤት ሕክምና ሰራሕተይናታትን ሓኻይምን ንዝገበሩሎም ክንክን ጥዕናን ንዘርኣይዎም ሰብኣውነትን ናብቲ ናይቲ ቤት ህክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ናይ ስነ ሕክምና መንበረ ጥበብ ማሕበር ኣቦ መንበር ማርኮ ኤለፋንቲ ዕለት 26 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስጋንኦም ከም ዘቕረቡ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት መዓልታት በቶም ንቕዱስቶም ዝሕግዙ ጉጅለ ሕክምና እተወሰነ ነቲ ብሰንኪ መዓናጡ ምውራድ ዝፈጥረሎም ቃንዛ ንምእላይ ዕለት 7 ሰነ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ናይ ከብዲ መጥባሕቲ ከም ተገይሩሎምን ድሕሪ ዘድሊ ክንክን ጥዕና ሓውዮም ዕለት 16 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ከም ዝወጹን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዝተገብረሎም መጥባሕቲ ኣብቲ ቤት ሕክምና ትሽዓተ መዓልቲ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን እቶም ናይቲ ቤት ሕክምና ሰራሕተይናታትን ሓኻይምን ንዝገበሩሎም ክንክን ጥዕናን ንዘርኣይዎም ሰብኣውነትን ናብቲ ናይቲ ቤት ህክምና ኣጎስቲኖ ጀመሊ ናይ ስነ ሕክምና መንበረ ጥበብ ማሕበር ኣቦ መንበር ማርኮ ኤለፋንቲ ዕለት 26 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስጋንኦም ከም ዘቕረቡ ኣፍሊጡ።

“ኣብቲ ኣብ ስቓይን ተስፋን ዝነበርኩሉ ቦታ፡ ድሕሪ ዝተገብረለይ መጥባሕቲ ንኽሓዊ ኣዚዩ ሓጋዚ ዝኾነ ናይቲ ቤት ሕክምና ሰራሕተይናታት ዘርኣይዎ ስድራ ቤታዊ ሕውነታውን ኣእንጋድን ሃዋህዉ” ከም ዘመስገኑ እቲ ናይቲ ቤት ሕክምና ዘውጸኦ ሓበሬታ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መላእ ኣባላትን ሰራሕተይናታትን ቤት ሕክምና ቅዱስነቶም ስለ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስጋና መግለጺ መልእኽቲ ሓጉስ ከም ዝፈጠረሎም የመላኽት።

27 June 2023, 16:09