ድለ

ጻውዒት ዝተፈላለያ ሃይማናታት ንማዕቅፍ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ጻውዒት ዝተፈላለያ ሃይማናታት ንማዕቅፍ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን 

ጻውዒት ዝተፈላለያ ሃይማናታት ንማዕቅፍ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን

ኩለን ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ሃይማኖታዊ ትካላት መራሕትን በርገሳውያን ማሕበራትን “ተጠራኒፈን ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ምክንኻንን ምሕላውን ተፈጥሮ - ናይ ሓባር ቤትና ንምዕዋት ቀንደይና ተዋሳእቲ ክኾና”

ዕለት 29 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዳይና ኣብደልሳላምን ናይ ኤሚራት ዓረብ ሰበ ስልጣናትን ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዘኻየደ ርክብ፡ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ንምምካት ግብራዊ ፍታሕ ኣብ ምድንፋዕ ግደ ኵለን ሃይማኖታት ንምዕባይ ዝዓለም ተበግሶ ኣገዳሲ ምዃኑ ከም እተሰመረሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፖለቲካ ወይ በርገሳዊ ማሕበረሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ሃይማኖታት ከይተረፋ ብግብራዊ ደረጃ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምክንኻንን ምክልኻልን ምድሪ ክኾና ኣለወን፥ እዚ ናይቲ ዕለት 29 ግንቦት ምስ መሓመድ ዓብደልሳላም ዋና ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ሽማግለ ሃይማኖት ምስልምና ከምኡ እውን ምስ ዋና ሓላፍን ፍሉይ ወኪል ኣቦ መንበር ማዕቅፍ ውዕል ሕቡራት ሃገራት ዛዕባ ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ኣብ ኤሚራት ዓረብ ካብ ዕለት 30 ሕዳር - 12 ታሕሳስ ናይ ዝካየድ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ልኡካን ተቐቢሎም ናይቲ ዘካየድዎ ዘተ ዕላማ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ዝተኻየደ ርክብ “ንመሰናድኦን ብምኽንያትን ንለውጢ ከባቢ ኣየር ዝምልከት ሓባራዊ ተበግሶ ንምጅማር ዝሓቀነ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ዝመክር ናይ ውድብ ሃገራት ዓለም መበል 28 ዋዕላ፡ ኵለን ናይ ሃይማኖት ትካላትን መራሕቲ ሃይማኖታትን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ምምካት ምዝባዕ ከባቢ ኣየር ዕላማታት ብንጥፈት ክዋስኡ ጻውዒት ከም ዝቐረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

 በዚ መንጽር ኩለን ካብ መላእ ዓለም ዝመጻ ሃይማኖታዊ ትካላት መራሕትን በርገሳውያን ማሕበራትን “ተጠራኒፈን ነቲ ናይ ሓባር ዕላማ ምክንኻንን ምሕላውን ተፈጥሮ - ናይ ሓባር ቤትና ንምዕዋት ቀንደይና ተዋሳእቲ ክኾና” እቲ ዝተኽያደ ርክብ ዓዲሙ እቲ ተበግሶ “ኣብ መንጎ ኣህዛብ ባህልታትን ውልቀሰባትን ናይ ዘተ ድልድን ኣብ ምፍጣር ተራ ሃይማኖታት ንምዕባይን ከባቢ ኣየር ካብ ብከላ ንምድሓን ንዝግበር ስጉምቲ ሓድሽ ኣድማስ ንምኽፋትን ዝዓለመ” ኮይኑ፡ ኣብዚ ውጥን እዚ “ንሃሳዪ ሳዕቤትናት ለውጢ ከባቢ ኣየር ንምግጣም ግብራዊ ፍታሕ ኣብ ምድንፋዕ ተራ መራሕቲ ሃይማኖታትን ትካላትን ኣገዳስነቱ ጽኑዕ እምነት ከም ዘሎ” እቲ ርክብ ከም ዘስመረሉን ኣብ መበል 28 ዓለም ሓቆፍ ዋዕላ ማዕረ ማዕሪኡ ዛዕባ ከባቢ ኣየር ኣብ መንጎ ሃይማኖታውን ኣብ መንጎ ባህልታትን ምይይጥ ዝካየደሉ መድርኽ ናይ ምፍጣር ተኽእሎ እውን ተሓሲቡ ከም ዘሎን እዚ ቦታ እዚ ንብሩህ ሃይማኖታዊ ዘተ ኮይኑ ዘገልግልን ወሳኒ ተራ ሃይማኖታዊ ኣረኣእያን ክብርታትን ኣብ ምምካት ቅልውላው ከባቢ ኣየር ዘጉልሕ ክኸውን ከም ዝኽእል” ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተወሃበ መግለጺ ከም ዘመላኽቶ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

01 June 2023, 16:15