ድለ

2023.06.21 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ 2023.06.21 ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ  (Vatican Media)

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ

ርእሰ ብሔር ሉላ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰፊሕ ዘተ ዘካየድሎም ኣርእስታት፥ “ቃልሲ ኣንጻር ዘይማዕርነትን ጥሜትን” ዝብሉ ምንባሮም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ሰነ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፥ ሉላ ኣብ 2022 ዓ.ም. ርእሰ ብሔር ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ ንፈለማ ግዜ ዘካየድው ምብጻሕ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 21 ሰነ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ሉላ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2022 ዓ.ም. ንሳልሳይ ግዜ ብራዚል ንኽመርሑ ካብ ዝምረጹ ንፈለማ ግዜ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዑደት ከም ዘካየዱን፡

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ

ምዉቕ ሃዋሁ

ርእሰ ብሔር ሉላ ምስ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ኣካይዶም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ጳውሎስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ዝርከብ ንኡስ ጽርሓ ተራኺቦም ነርብዓን ሓሙሽተን ደቓይቕ ዕጹው ዘተ ከም ዘካየዱን፥ ኣስዒቦም እውን ገጸ በረኸት ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ዑደት ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ

ርእሰ ብሔር ሉላ ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብስራሕ ምኽንያት ካብ ሃገረ ቫቲካን ወጻኢ ስለ ዝርከቡ፥ ርእሰ ብሔር ሉላ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ርክባት ወጻኢ ብምኻድ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ጉዳያት ወጻኢ ሓፈሻዊ ጉዳያት ትኩእ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ኤድጋር ፔና ፓራ ከምእተራኸቡን፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ፥ “ኣብቲ ምዉቕ ክሌኣዊ ዘተ፡ ኣብ መንጎ ብራዚልን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ሰናይ ዝምድናን ኣብ ናይ ሓባራዊ ረብሓ ዘተኮረን ግብረ ገባዊ ክብርታት ኣብ ምንቅቓሕን ዝኣመተ ክልቲአን ሃገራት ኣዕጋቢ ርክብን ኣብ መንጎ ቤተ ክርስቲያንን መንግስትን ዘሎ ሰናይ ምትሕብባር ኣብነታዊ ምዃኑ” ከምእተሰመረሉን ከምኡ እውን ኣብ ማሕበረ ፖለቲካ ኩነታት እቲ ዞባ ዝተራእየ እወታዊ ምልውዋጥ ሓሳባትን ምድንፋዕ ስላምን ዕርቅን ቃልሲ ኣንጻር ድኽነትን ዘይምዕሩይነትን ምኽባር ደቀባትን ምክንኻን ካባብን” ኣብ ዝኣመስሉ ናይ ሓባር ረብሓ ኣብ ዝምልከቱ ኣርእስታት ከምእተመያየጡ ኣፍሊጡ።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ

ዕድመ ካብ ርእሰ ብሔር ብራዚል

ርእሰ ብሔር ሉላ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰፊሕ ዘተ ዘካየድሎም ኣርእስታት፥ “ቃልሲ ኣንጻር ዘይማዕርነትን ጥሜትን” ዝብሉ ምንባሮም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ርእሰ ብሔር ሉላ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ብራዚል ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ከምዝዓደምዎምን እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ኣብ 2013 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ኣብ ሪይ ደ ጃነይሮ ኣብ ብራዚል ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩን” የዘኻኽር።

ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ
ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ብራዚል ርእሰ ብሔር ልዊዝ ኢናሲዮ ሉላ ዳ ሲልቫ
22 June 2023, 15:35