ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንስነ ጥበባውያን፥ ስኒት ኣብ ዓለም ዝያዳ ህልው ክኸውን ንስኻትኩም ደገፍተይ ኢኹም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቤተ ጸሎት ሲስቲና ምስቶም ኣብ ጽምብል መበል 50 ዓመት ምረቓ ቤተ መዘክር ቫቲካን “ክፍሊ ቤተ መዘክር ዘመናዊ ስነ ጥበብ “ ኣብ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ ንዝሳተፉ ስነ ጥበባውያን ተቐቢሎም፥ ነቲ “ምክልኻል ሕይወት” ዝብል ኩብር ዋጋ ዘጠቓልል ኣብ ልቦም ብኣኽብሮት ዝሕዝዎ ክብሪ ሰብኣውነት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ኵላትና ኣሕዋትን ሓልዮት ንናይ ሓባር ቤትና” ዝብል ክረጋገጽ ኣብ ዝገብርዎ ጻዕሪ ክሕግዝዎም ሓቲቶም፥ ነቶም ስነ ጥበባውያን ዘመዛዝን ንቑሕ ሕልና ሕብረተሰብ ኮይኖም ክዓዩ ድማ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓለምና “ዝያዳ መትከል ስኒት ክህሉ” የድልየና። ንስኻትኩም ስነ ጥበባውያን ዓቢ ስኒት ኣምላኽ ቦታ ክንህብ ክትሕግዙና ትኽእሉ ኢኹም። ንብዙሓት ንልበይ ቀረባ ዝኾኑ፥ ከም ምክልኻል ሰብኣዊ ሕይወት ማሕበራዊ ፍትሒ ሓልዮ ንናይ ሓባር ቤትና ኩላትና ኣሕዋት ምዃንና ዝብሉ ክቡራት ዋጋታት ኣብ ምኽዋኑ ክትሕግዙኒ እላበው። . . .

ስነ ጥበብኩም ብመንፈስ እትምራሕ ጀልባ ተምሳል እዩ

ቅዱስነቶም ብቐዳምነት ቤተ ክርስቲያን ምስ ስነ ጥበባውያን ወትሩ “ሊሚ እውን ተፈጥሮኣውን ፍሉዩን ዝምድና ከም ዝነበራን ከም ዘለዋን ይዝክሩ፡ ተፈጥሮኣዊ ምኽንያቱ እቲ ስነ ጥበባዊ “ነቲ ደረት ኣልቦ ዓሚቝ ህላወ፥ ህይወትን ዓለምን ዋላ እውን ኣብ ተጋራጫውነትን ዘሕዝን መዓታዊ ጉድኑን እውን ይኹን ብዕቱ የስተንትኑዎ፡”

እቲ ስነ ጥበባዊ ንኹሉ እቲ እንንቀሳቐሰሉ ሸነኽ ዋላ እውን ኣብ ዘይነስተውዕለሉ እዋን ናይ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ የዘኻኽረና፥ ስነ ጥበብ ከምታ ብንፋስ እትምራሕ ጀልባ እዩ።”

ንዓለም ብሓድሽ ክውንነት ኣሀብትሙዋ

ኣብ መንጎ ስነ ጥበባውያንን ቤተ ክርስትያንን ዘሎ ምሕዝነት እውን ፍሉይ እዩ፡ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ብዙሓት ክፋላት ታሪኽ ብሓባር ዝተጓዕዙ ምዃኖም ይዝክሩ። ሎሚ ድማ ኣብ ግዜና እውን እንተኾነ ኣብ ናይ ምስማዕ ሃዋህው ሓድሽ ፍረታት ንጽበ ኣሎና፡ እዚ ድማ ናጽነትን ምክብባርን ማለት እዩ፡ እዞም ፍሉያት ፍረታት እዚኣቶም የድልዩና እዮም። ከምኡ እውን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ኢጣሊያዊ ሮማኖ ጓርዲኒ፥ ስነ ጥበባዊ ክፍጠር እንከሎ ከም ቆልዓ ምርኣይን ገርሃዊ ኣጠማምታን ናይቲ ቀዳማይ ዝሓስቦን ንቕሓት ናይቲ ካልኣይ ክውንነት ዝሕዝ እዩ እንክብል ዘስመረሉ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ከም ቆልዓ ኣብ ምህዞ ዘፍጥረት ይንቀሳቐስን በዚ መገዲ እዚ ድማ ቅድም ተራእዩ ዘይፈልጥ ነገር ናብ ዓለም የምጽእ - ንኸምጽእ ይንቀሳቐስ።

ንስኻትኩም ስነ ጥበባውያን ነዚ እትኽውንዎ መበቆላውነትኩም ብምርግጋጽ እዩ፡ ኩሉ ግዜ ንነብስኹም ኣብ ስነ ጥበባዊ ስራሕኩም ኣእትዉዋ . . . ውህበት ክሕግዘኩም እንከሎ ነቲ ዘይርአይ ዝመስል ናብ ብርሃን ተምጽኡ . . . ንዓለም ብሓድሽ ክውንነት ተሀብትሙ!

ካብ ሓይሊ ሰብ ሰርሖ ጽባቔ ምርሓቕ

ቅዱስነቶም “እነሆ ሓድሽ ነገር እፈጥር ኣለኹ . . . ሓድሽ ነገር እገብር ኣለኹ” ዝብል መጽሓፍ ነቢይ ኢሳያስን ዮሓንስ ራእይን ጠቒሶም፡ ስለዚ ናይ ስነ ጥበባዊ ምህዞኣዊ ዕዮ ኣብቲ ናይ እግዚኣብሔር ግብረ ምፍጣር ዝሳተፍ እዩ ዝመስል ቢሎም፥ መሓዙት ውዕዉዕ ሕልሚ ኣምላኽ ኢኹም! ሓደስት ነገራት ናብ ዓለም ናይ ምምጻእ ክእለት - ውህበት ዘለኩም በዚ ኸኣ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ነቢያትን ትመስሉ። ምኽንያቱ ነገራት ብዕምቆትን ብርሑቕን ምጥማት እተፈልጡ ብምዃንኩም። ኣብ ኣድማስ ክንየው ኣድማስ ተማዕድዉ . . . በዚ ድማ ካብቲ ቁጠባዊ ኣገባባት መሰረት ካብ ዝምንጭው ኣብ ዓለም ዝስበኽ ናይ ሓሶትን ሰብ ሰርሖ ዘይማዕርነት ዝፈጥር ኣመለካኽታ ጽባቔነት ክትርሕቑ ትጽውዑ።

ከም ነቢያት ንተንኮል ስልጣን ንቐፉ

ካብታ ኣብ መመልክዒ ቤት “ሞይታ ካብ እትውለድ ጽባቔ” ብመጸባበቒ ንምጽባቕ ዝግበር ጻዕሪ ካብ ዝፈጥሮ ምልኩዕነት ረሓቑ፥ ስነ ጥበብኩም ከም ነቃፊ ሕልና ህብረተሰብ ኮይኑ ክዋሳእ ኣለዎ፡ ኣመዛዛኒ ሕልና ሕብረተሰብ ይውክል፥”

ከምቶም መጽሓፍ ቅዱሳውያን ነቢያት ናይ ሎሚ ናይ ሓሶት ነበርያ ነበረ ሓደስቲ ጣዖት ከንቱ ዝኾነ ዘረባን መጻወድያ ሃልኪ ተንኮላት ስልጣን እናነቐፍኩም ኣብ ቅድሚ እዚ ክውንነት እዚ ተምጽኡና!

ንብዙሕ ነቲ ኣብ ልበይ ዘሎ ነገራት መሓዙት ኮይንኩም ትስምዑኒ

ኣብቲ ነቢያትን ሓለውቲ ነቐፍቲ ሕልና ምዃንኩም፥

ንብዙሕ ንልበይ ቀረባ ዝኾነ ከም ምክልኻል ህይወት ወዲ ሰብ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ሓባራዊ ቤትና ምክንኻን ኵላትና ኣሕዋትን ንዝብሉ ክብርታት መሓዙት ኴንኩም እዩ ዝስምዓኒ፥ ሰብኣውነት እዩ ዘገድሰኒ . . . ምኽንያት ሰብኣውነት እቲ ዓቢይ ናይ እግዚኣብሔር ኒሕ ድማ ስለ ዝኾነ

ስነ ጥበብ ንሕልና ዘንቅሕ እምበር ዘደቅስ ኣይኮነን

ኣስዒቦም፥ ስነ ጥበብ እውን ቁሩብ ዘሰክፍ ምዃኑ ይዝክሩ። ስነ ጥበብን እምነትን ንነገራት ከም ዘለውዎ ክገድፉ ኣይክእሉን እዮም፥ ይቕይሩን ይለውጡን ይሕድሱን ይንቀሳቕሱን፥

ስነ ጥበብ መደንዘዚ ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ፡ ሰላም ይህብ፡ ንሕልና ዘየደቅስ ንቑሕ ዝገብሮ እዩ። ስነ ጥበባውያን ብዙሕ ግዜ ነቲ ትሕቲ መሬት ኩነት ወዲ ሰብ ዓዘቕቲ ጽልሙት ክፋላት ክትምርምሩ እትፍትኑ ኢኹም. . .

ምኽንያቱ ኣብ ጸልማት ሰብኣውነትን ውልቃውነትን ዘይምግዳስን ብርሃን ተስፋ ምብራህ ስለ ዘድሊ፡ ነቲ ብርሃን ነቲ ዘድሕን ጽባቐ ክንርእይ ሓጋዙና፡ ስነ ጥበብ ንህዋሳት ይትንክፍ ብጽባቔ ኣቢሉ ድማ ንመንፈስ ህያው ይገብር፥

ስነ ጥበብ ሓቀይና ናይ ኣምላኽ ጽባቔ ናፍቆት ክስምዓና ይገብር ፡ ብዙሓት ስነ ጥበብ ጽባቐ ክስዕቡ ተስፍ ይገብሩ . . .

እንክብሉ ዘስምዕዎ መደረ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ንስነ ጥበባውያን፥ ስኒት ኣብ ዓለም ዝያዳ ህልው ክኸውን ንስኻትኩም ደገፍተይ ኢኹም
24 June 2023, 15:52