ድለ

መንእሰያት ማሕበር ገበርቲ ሰላም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም መንእሰያት ማሕበር ገበርቲ ሰላም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም 

መንእሰያት ማሕበር ገበርቲ ሰላም ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተራኺቦም

ኣብ መላእ ዓለም ካብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ኣባላት ጉጅለ ገበርቲ ሰላም ኣብ ሓደ ዘራኽብ ኮይኑ፥ ካብ ሩሲያን ዩክረይንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስ ዝመጹን ዝርከብዎ

መንእሰያት ኣባላት ጉጅለ ገበርቲ ሰላም ዕለት 31 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዝለገስሉ እዋን ከም እተራኸቡን፥ እቲ ማሕበር ገበርቲ ሰላም ኣብ ቺታደላ ኣብ ዝካየድ መደብ ህንጸት ንስላም ተሳታፊት ቦስኒያዊት መንእሰይ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፥ ኣገዳስነት ፈጠራዊ ለውጢ ዘጉለሐ ርክብ እዩ ነየሩ ኢላ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብቲ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ “ከም ጸላእቲ ዘይኮነስ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክትበሩ ወሲንኩም ኣለኹም። ኣብነትኩም ንፖለቲካውያን ኣካላት ሓላፍነቶም ሰላም ምፍጣር ምዃኑ ዘተሓሳስብ እዩ” ከም ዝበሉ ይሕብራ።

ኣብ መላእ ዓለም ካብተን ውግእ ዝካየደለን ሃገራት ዝመጹ መንእሰያት ኣባላት ጉጅለ ገበርቲ ሰላም ኣብ ሓደ ዘራኽብ ኮይኑ፥ ካብ ሩሲያን ዩክረይንን ካብ እስራኤልን ሊባኖስ ዝመጹን ዝርከብዎ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቺታደላ ብሓባር ክዝትዩን ኣብ ለውጢ ዓመጽን ህንጸት ሰላም ኣብ ዝወሃብ ትምህርቲ ክሳተፋ ከም ዝኾናን፥ እታ ዝእከቡላ ከተማ እውን ቺታደላ እተሰምየት ኮይና እቲ ማሕበር መንእሰያት ገበርቲ ሰላም ኣብ ዓለም ስምምዕን ሰላምን ንምፍሳሕ ዘካይዶ መደብ መጸውዕ ከም ዝኾነ እውን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን እቶም ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዝመጹ መንእሰያት፡ ናይ ዘተ ጥበብን ማሕበራውነትን ንኽነብሩ ዕድል ከም ዝኾኖም እውን ዜና ቫቲካ ኣመላኺቱ፥

ርክብ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

እታ ካብ ቦዝንያን ሄርዘጎቪና ዝመጸት ጓል 27 ዓመት ብትምህርቲ ስነ ኣእምሮ ምርቕቲ ሩዚካ፥ እቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየደ ርክብ ንሰላም ዘነቓቕሕን ቅዱስነቶም ምእንቲ ሰላም ዘቕርብዎ ጻውዒትን ምዕዳንን ሰላም ኣብ ምስፋሕ ዘለዎም ተወፋይነት ነቲ ጉጅለ ገበርቲ ሰላምን ንዘካይዶ መደብ እውን ኣብዚ እዋን እዚ ኣስተንፎ ከም ዝኾነን ብመሃዝነት ንሰላም ኩሉ ውጥረትን ግጭትን ምብዳህን ምእላይን ዘተባብዕ እውን እዩ እንክብላ ነቲ ምስ ቅዱስነቶም ዝተኻየደ ርክብ በዚ መልክዕ እዚ የንብበኦም።

ናይ ሰላም ልኡካን

ናይ መወዳእታ ናይቲ ጉጅለ መደብ እቶም ኣብቲ ጉጅለ ገበርቲ ሰላም ኣብ ቺታደላ ኣብ ዘዳልዎ መደብ ተሳተፍቲ መንእሰያት ዓዶም ተመሊሶም ኣብኡ ንሰላም ክነጥፉ ዘተባብዕ ምዃኑ ሩዚካ ሓቢራ፥ ገለ ካብኣቶም ከምአን ኣብቲ መደብ ሕንጸት ንሰላም ንሓደ ዓመት ዝጸንሑን ገሊኦም ድማ ክልተ ዓመት ዝጸንሑ ምዃኖም ሓቢረን፥ እቲ ዝካየድ መደብ ሕንጸት እውን ኣብ እዋን ግጭት ሰላም ናይ ምህናጽ ጥበብን ግጭት ብኸመይ ክፍታሕ ከም ዘለዎን ብሓፈሻኡ “ብስነ ምሕደራ ግጭትን ሰብኣዊ ተግባርን” ብዝብል ትምህርቲ እውን ብዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ደረጃ ዘመርቕ ምዃኑ ሓቢረን ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይዛዝማ።

01 June 2023, 16:19