ር. ሊ. ጳ.፦ 'ኣብ ማርሴል ውዕዉዕ ስምዒትን ተጸምዶን ረኺበ እየ'
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
"ኣብ ማርሴል ውዕዉዕ ስምዒትን ተጸምዶን ረኺበ ኽብል እኽእል እየ፣" ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነብሩ ምእመናን ብዛዕባ እቲ ንስደትን ፍልሰትን አመልኪቶ ጳጳሳትን መንእሰያትን ሃገራት ማእከላይ ባሕሪ ዝገበርዎ ጉባኤ ንምዝዛም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቅዱስነቶም ናብ ደቡባዊት ከተማ ሃገር ፈረንሳ ዝኾነት ከተማ ማርሴል ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዘኪሮም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት አብቲ ንክልተ መዓልቲ ዝጸንሐ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዝረኸብዎ አብነታዊ ዝኾነ ኩነታት ጠቒሶም ፣ ኣብታ ናይ ፈረንሳ ወደባዊት ከተማ ንጓሳ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ብጹዕ ካርዲናል ዣን-ማርክ ኣቨሊንን ፡ ካህናትን ፡ ሰብ ውፉይ ሕይወትን ፣ ንኣገልግሎት ግብረ ሰናይን ምምህርናን እተወፈዩ ምእምናንን ምእመናትን ፣ ከምኡውን ኣብቲ ኣብ ሜዳ ስፖርት ቬሎድሮም ዝዓረገ መስዋዕተ ቅዳሴ "ዓብዪን ድሙቕን መንፈሳውነት ዘርኣዩ" ህዝቢ ኣምላኽን ረኺቦም ከም ዝተመልሱ ገሊጾም።
ቅዱስ አቦና ንዅላቶምን ንርእሰ ብሔር ሪፓብሊካዊት ሃገረ ፈረንሳ ዝኾኑ ኣማንወል ማክሮንን ኣመስገንዎም ።
መጸዋዕታ ማእከላይ ባሕሪ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ነቲ ከመሓላልፍዎ ዝደለዩ ሕልሞምን ተስፋኦምን እንክገልጹ "ማእከላይ ባሕሪ ነቲ ክኾኖ ዘለዎ ጸዕታኡ ከም ቤተ ምርምር ስልጣኔን ሰላምን ዳግም ምእንቲ ክኾኖ እዩ" ክብሉ ገሊጾም።
"ማእከላይ ባሕሪ መበቈል ስልጣነ ወደሰብ እዩ፣ መበቈልነቱ ኸኣ ንህይወት እዩ! መቓብር ኪኸውንን ናይ ውግእን ግጭታትን ቦታ እውን ኪኸውን የብሉን ።"
ቅዱስነቶም ከም ዝገልጽዎ ማእከላይ ባሕሪ "ኣንጻር እቲ ኣብ መንጎ ስልጣነታት ዝኸውን ዘሎ ግጭታትን፣ ውግእን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደዊ ሰባትን ዝካየዶ ከም ምዃኑ፣" ኣብ ክንድኡስ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን እስያን ኤውሮጳን ማለት ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ምብራቕን ምዕራብን ዘለዉ ሰባትን ባህልታትን ህዝብታትን ቋንቋታትን ፍልስፍናታትን ሃይማኖታትን ዘሎ "መራኸቢ ነቑጣን ድልድልን" ምዃኑ አትሪሮም ገለጹ።
ቅዱስ አቦና አብ መግለጺኦም ባሕሪ ወትሩ ክስገር ዘለዎ ሓደገኛን ፈታናን መዓሙቕ ከም ምዃኑ ዝፍለጥ እኳ እንተ ኾነ ቅድሚ 2,000 ዓመታት አቢሉ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ማእከላይ ባሕሪ ወንጌል ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንዅሎም ንህዝብታት ክስበኸሎም ከም ዝጀመረ ዘኪሮም ።
ናይ ርክባት ታሪኽ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ከተማ ማርሴል እተገብረ ጉባኤ ማእከላይ ባሕሪ ድሕሪ እቲ ብ2020 ኣብ ከተማ ባሪ ኢጣልያ፣ ከምኡ ውን ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ከተማ ፊረንሰ ኢጣልያ እተገብረ ተመሳሳሊ ጉባኤታ ተኸቲሉ ዝተኻየደ ከም ምዃኑ "ንቕድሚት ገጽና ንምስጓም ዘቐጽለና ደአ እምበር ንበይኑ ነጺልካ ዝርአ ፍጻሜ" ከም ዘይነበረ ገሊጾም። እዚ ዓይነት ጉባኤ እዚ መቐጸልታ ናይቲ ከንቲባ ናይ ከተማ ፊረንሰ ዝነበረ ጆርጅዮ ላ ፒራ ኣብ መወዳእታ 1950ታት "ዘተ ማእከላይ ባሕሪ" ቢሉ ዘበገሶ ሓሳብ ከም ምዃኑ ቅዱስነቶም አመልኪቶም።
በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ አብታ “ምዕባለ ኣሕዛብ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘበገስዎ ጻውዒት ውን ምላሽ ዝህብ ከም ምዃኑ እንክገልጹ፣ “ኩሉ ክህብን ክቕበልን ዝኽእለሉ ዝያዳ ሰብአዊት ዝኾነት ዓለምን ማሕበረሰብን ንምድንፋዕ ከምኡ ውን ንኻልኦት ብምጉዳእን ብዋጋ ካልኦትን ምዕባለን ስልጣኔን ካልኦት ዘይዕደገሉ ንምግባር” ዝዓለመ ጉባኤ ከም ዝነበረ ገሊጾም።
ቀጺሎም ድማ ከምዚ በሉ - "እቲ ኣብ ጉባኤ ማእከላይ ባሕሪ ዘሎ ኣረኣእያ ሰብኣዊ ደኣ እምበር ስነ - ሓሳባዊ ወይ ሜላዊ ወይ ፖለቲካዊ ቕኑዕ አተሓሳስባ ወይ ድማ ንውልቃዊ ረብሓ ዝዓለም ኣይኰነን ክበሃል ዝከአል ኢዩ ፣ ማለት ንሰብአውነት ክንብል እንከሎና ንዅሉ ዘጠቓለለ ብፍላይ ድማ ነቲ ክትመን ዘይከአል ዋጋን ክብርን ወድሰብን ነቲ መዳእግቲ ዘይብሉ መንነቱን ኬመልክት ይኽእል እዩ።"
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ርእሲ እዚ ሰብኣዊ ኣረኣእያ እዚ፣ እዘን ዕለታት ናይዚ ጉባኤ ተስፋ ዘስንቃ ከም ምዃነን ውን ገሊጾም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ "ኣሕዋትን ኣሓትን፣ እዚ ተስፋ እዚ ኺሃፍፍ ኣይክእልን እዩ፣ ኪሃፍፍ እውን የብሉን" ክብሉ ኣትሪሮም አመልኪቶም ። አስዒቦም ድማ “የግዳስ ነዊሕን ማእከላይን ሓጺርን ስጕምቲ ብምውሳድ ክንውደብን ክንሰርሓሉን አሎና፣" ክብሉ ተማሕጺኖም።
ክትስደድ ወይ ከይትስደድ ዘሎ ምርጫ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ "ሰባት ምሉእ ክብረቶም ሓልዮም ኪስደዱ ወይ ከይስደዱ ምእንቲ ኺመርጹ" ምዕያይ ማለት እዩ ፣ እዚ ኸኣ ፍረ ነገር ናይቲ አብ ቀረባ እዋን ዝኸብር ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ከም ዝኾነ ዘኪሮም ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኤውሮጳ ነቲ ዘለዋ ባህግን ውዕዉዕ ስምዒትን እንደገና ከተሐድሶ ኸም ዘለዋ ብምግላጽ፣ ሕብረተሰብ ኤውሮጳ ብፍላይ ከኣ እዞም ሓደስቲ ወለዶ ተስፋኦም ዳግም ኪምለስ ከም ዘለዎ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና አብ መወዳእታ "እታ ህዝቢ ማርሴል ኖተር ዳም ደ ላ ጋርድ ኢሎም ዚጽውዕዋ እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ፣ እዚ ዞባ እዚ ኸምቲ ዅሉ ሳዕ ዝጽበይዎ፡ አርማ ስልጣነን ተስፋን ምእንቲ ኪኸውን ምእንቲ ጕዕዞ ህዝብታት ማእከላይ ብሕሪ" ብምጽላይ መደረኦም ዛዘሙ ።