ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት እዩ

“ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተቓላዕቲ ስቓይ ከምቲ ቨሮኒካ ናይ ዝሳቐይ ክርስቶስ ገጽ ዝሓንሰሰት እሞ ኣብቲ ጨርቂ ናይ ክርስቶስ ምስሊ ተሓቲሙ ከም ዝተረፈ ናይ ዝሳቐይ ክርስቶስ ውጅሂ እንተንርኢ ዓለም ክንደይ ምተቐየረ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡካን ኣባላት ቤት ምኽሪ ላቲን ኣመሪካ ማእከል ምርምርን ሕንጸትን ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት፡ ዕለት 25 መስከረም ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምጥፋእ መዓት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘመዝገበቶ ምዕባለታት ኣጉሊሖም፥ ተቓላዕቲ ሰባት ንምሕላው ቀጻሊ ስጉምቲ ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

መዓት ጾታዊ ዓመጽ ብሓፈሻ ብሕብረተሰብ ክእለ ኣለዎ እንክብሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘገልግሉ ካህናትን ገዳምውያንን ገዳማውያንት ዘሰናደወ ንሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ላቲን ኣመሪካ ማእከል ምርምርን ሕንጸትን ኣባላት ተቐቢሎም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዘተሓሳሰቡን፡ “እዚ ንቤተ ክርስቲያን ዝጸለወ ግህሰት ንኹሉ ሰብኣውነት ዘሳትፍ ኣድላዪ ቆላሕታ ዘይተዋህቦን ዘሕዝን ክውንነት ፍሕሽው ነጸብራቕ እዩ።  

ወጅሂ ናይቲ ዝሳቐ ዘሎ ክርስቶስ

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ስቓይ ግህሰት ዝወረዶም ሕጻናትን ናይ ኩሎም ተቓላዕቲ ሰባትን ምስ ናይቲ ዝሳቐ ዘሎ ክርስቶስ ስቓይ ብምትእስሳር፥ ነቲ ብዕለት 25 መስከረም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስፐይን ዘብዓለቶ “ሰማዕት ሕጻን” ቅዱስ ክርስቶፈር ደ ላ ጓርዲያን ኣዘኻኺሮም፥ “ናይ ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ናይ ነፍሲ ወከፍ ተቓላዕቲ ስቓይ ከምቲ ቨሮኒካ ናይ ዝሳቐይ ክርስቶስ ገጽ ዝሓንሰሰት እሞ ኣብቲ ጨርቂ ናይ ክርስቶስ ምስሊ ተሓቲሙ ከም ዝተረፈ ናይ ዝሳቐይ ክርስቶስ ውጅሂ እንተንርኢ ዓለም ክንደይ ምተቐየረ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ሕብረተሰብ ንዘጋጥም መዓት ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ምእላይ

ቅዱስነቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ላቲን ኣመሪካ ማእከል ምርምርን ሕንጸትን ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ስለ ዕዮታቶም ኣመስጊኖም፥ እዚ ድማ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ምፍታሕን ምጥፋእን ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዘመዝገበቶም ምዕባለታታ ሓደ ካብቶም ሓያሎ ኣበርክቶታት ምዃኑ ኣመልኪቶም፥ “ንሕብረተሰብ እውን ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ክኸውን ኣለዎ፡ በዚ መገዲ እዚ ቤተ ክርስቲያን እትወስዶ ስጉምትታት ዓወታት ንካልኦት ትካላት ነዚ ናይ ሓልዮት ባህሊ ንምስፋሕ ድርኺት ክኸውን ኣለዎ” ክብሉ ኣስተብሂሎም። ነፍሲ ወከፍ ሕጻን ምስ ወጅሂ ክርስቶስ ከም ዘላልይ ምስሊ ብምምልካት ብተወሳኺ ቤተ ክርስቲያን ነዚ መዓት ንምምካት ኣትገብሮ ጻዕሪ፥ “ኣብ ምትግባር ወግዓዊ ውሳኔታት ጥራይ ዝተሓጽረ ዘይኮነስ፡ ብጸሎት ንኢየሱስ ከም ዝዓርግ እውን እዩ - ከምኡ እውን ኣብ ቅድሚ እቲ ተበጃዊ ንሕና እውን ኣብቲ ዝተገፍዐ ገጽ ነቲ ናይ ጭካነ ተግባር ዘስዓቦ መከራ ነስተንትኖ፥ ካብቶም ዝተሳቐዩ እንቕበሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ቃንዛ ዝረሓቅና ኮይኑ ከይስምዓና ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ነቲ ዓመጽ ዝፈጸሙ ሰባት ክልወጡ ምጽላይ

ቅዱስነቶም መደረኦም፥ ነቲ ገበናት እዚ ዝፈጸሙ ሰባት ክልወጡን ኣብ ግዳያት ዓይኒ ኢየሱስ ምእንቲ ክርእዩን በማላድነት ቅድስቲ ተረዛ ዘሊሰ ኩሉ ክጽሊ ዓዲሞም፥

ከምቲ ቁስልና ጉድለታትና ተኣፋፍነትናን ተቐቢልና ይቕረታን ምጽንናዕን ከም ዘድልየና ፈሊጥና ገዛእ ርእስና ከም እነፍቅር፥ በዚ መምዘኒ እዚ ንሓድሕድና ክንፋቐር ኢየሱስ ይዕድመና - ቅድስቲ ተረዛ ዘሕጻነ ኢየሱስ ከም እትምህረና፡ ኣብዘን ቅድሚ ዓመታዊ በዓላ ዘለዋ መዓልታት ነቶም ኣዚዮም ሕጉሳት ዘይኮኑን ተስፋ ዝቖረጹን ሓጥኣን ምእንቲ ክልወጡ ኣብ ካልኦት ኣዒንቲ እቲ ስለምታይ ተሳድዱኒ ቢሉ ዝሓተቶም ኢየሱስ ምእንቲ ክርእዩ ንጸሊ!

እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 September 2023, 16:18