ድለ

2023.09.27 Udienza Generale 2023.09.27 Udienza Generale  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ነቶም ተገዲዶም ዝስደዱ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዩክረይናውያን ንዘክሮም'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ድሕሪ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘቕረብዎ ቃል ሰላምታ፣ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ዝነበሩ ምእመናን፣ ነቶም ኣብ ዩክረይን ዝርከቡ ስቓይ ዝወረዶም ዘለዉ አሕዋትን አሓትን ጸሎት ክገብሩሎም ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ነቶም ሓገዝን ዕቝባን ስምረትን ዘድልዮም ዘሎ፣ ካብታ ብውግእ ዝዓነወት ዓዶም ክወጹ እተገደዱ ኣሕዋትኩምን ኣሓትኩምን ዩክረይናውያን ዘክርዎም።" ክብሉ ቅዱስ አቦና ምሕጽንታኦም አቕሪቦም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ አስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘቕረብዎ ጻውዒት ፣ ነቶም ተዛረብቲ ቋንቋን ፖሊሽ ዝኾኑ ምእመናን አብ ዘቕርብዎ ቃል ሰላምታ ነቶም ብሰንኪ ውግእ ካብ ሃገሮም ክስደዱ እተገደዱ ጐረባብቶም ዩክረይናውያን ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኣተባብዕዎም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ፖላንዳውያን ነጋድያን ድሕሪ ሰላምታ ምቕራቦም ውን ንመላእ እቲ ጉባኤ ቅድሚ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ምሃቦም "ኣብ ሃገርኩም ሓገዝን ውሕስነትን ሓልዮትን ደልዮም ንዝመጹኹም ስደተኛታት ከምቲ ናይ ክርስቶስ ብዝመስል ኣቀባብላ ጌርኩም ሓንጎፋይ ኢልኩም ተቐበልዎም፣” ክብሉ መዓድዎም።

ኣብ ዩክረይን ውግእ ካብ ዚጅመር ኣትሒዞም ካብ ለካቲት 2022 ቅዱስ ኣቦና ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ዩክረይን ንምሕጋዝ አብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ዩክረይንን ሩስያን ሰላም ንምምላስ ንዚግበር ኵሉ ጻዕርታት ንኸኻይዱ ማእለያ ዘይብሉ ልመና ከም ዘቕረቡ ዝዝከር ኢዩ ።

ሃገረ ፖላንድ ከአ ካብ መጀመርታ እቲ ውግእ ኣትሒዛ ንስደተኛታት ዩክረይን ሓንጐፋይ ኢላ ኣብ ምቕባልን ኣብ ምሕጋዝን ግንባር ቀደም ኰይና ትዓዪ ዘላ ኢያ ።

27 September 2023, 12:33