ድለ

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፥ ሲኖዶስ ዛዕባ ምክልኻል ሕጻናት ክመክር ይጽውዕ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፥ ሲኖዶስ ዛዕባ ምክልኻል ሕጻናት ክመክር ይጽውዕ  (Vatican Media)

ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፥ ሲኖዶስ ዛዕባ ምክልኻል ሕጻናት ክመክር ይጽውዕ

ኣብዚ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡኽ ሽማግለ ምርምርን ስልጠናን ላቲን ኣመሪካ ንሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምጥፋእ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዘመዝገበቶም ምዕባለታት ኣጉሊሖም እኳ እንተነበሩ ንዝተቓልዑ ሰባት ንምሕላው ቀጻሊ ስጉምት ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቫቲካን ዝካየድ ሲኖዶስ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ተነቀፍትን ዘድሊ ግዜ ሂቡ ምእንቲ ሓለዋ ሕጻናት ክመያየጥ ጳጳሳዊ ሽማግለ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጻውዒት ከም ዘቕረበ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅድሚ እቲ ኣብ መባእታ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ጥቅምቲ ዝብገስ ሲኖዶስ፥ ብዛዕባ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብዕቱብ ክዝትየሉ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጻውዒት ከም ዘቕረበን፥ እዚ ብቋንቋ እንግሊዝይናን ጣልያንይናን ዝወጸ መግለጺ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ “እቲ ሓደስቲ ካርዲናላት ንምፍጣር ዝካየድ ጉባኤ ካርዲናላትን መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስን፥ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ዝምልከት ጉዳይ ስጉምቲ ክወስድ ጻውዒት ከም ዘቕረበን፡ እዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣካል ክኸውን ዝገበርዎ ግን እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ምሉእ ናጽነት ከም ዘለዎ ኣነጺሮም እዮም፡ እዚ ድማ ዘካይዶ ጻዕርታት ዝዕንቅፍ ከይህሉ እንክብሉ ሓላፍነት ኣልቢሶም ኣብ ዕዮታቱ ድማ ከም ዘተባብዑ ዝዝከር እዩ።

እቲ መግለጺ ናይ ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፥ ምስቶም ኣደዳ ግህሰትን ካብቲ ዝወረዶም ዓመጽ ዝደሓኑን ምሉእ ምትሕብባር ክሁሉ ሓቲቱ፥ ብተወሳኺ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኩሉ ቦታታት ምክልኻል ንምድንፋዕ ተወፋነትን ጸጋታትን ክውስኹ ሓቲቱ፥ ከምኡ እውን ኣብ ሲኖዶስ፥ ዛዕባ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ቀዳምነት ክወሃቦ ከም ዝሓተተን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ፥ ዘተ ክግበረሉ!

 “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም ጾታዊ ዓመጽ፥ ብዛዕባ ትምህርትን ኣገልግሎትን ቅዋማውን ምሕደራን ዝምልከት ምይይጥ ኣብ ዝገበረሉ እዋን ‘ዘይተርፍ ርእሰ ጉዳይ ኮይኑ ዘተ ክግበረሉን ከም ማሕበረሰብ ዝተዓረቑ ሰባት፥ ኣብ ቅዱስ ኣምልኾ ቤተ ክርስቲያን እውን እዚ መግለጺ ውድቀት ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ጉዳይ እኹል ምትእትታው ክረክብ ንሓትት ቢሉ፥ ስለዚ ኣብ ገለ ገለ እዋን ስብከት እውን ከይተረፈ ነዚ ዘሰክፍ ሕቶ መልሲ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ . . . ነቲ ኣብ ልዕሊ ምእዋጅ ወንጌል ተኣማንነት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሓደጋ ዘእትው ጉዳይ ብኹለ መዳያዊ መገዲ ምምላስ ክህሉ መታን በጃኹm ነዚ ብድሆ እዚ ካብ ምጋጥሙ ድሕር ከይበሃል ጻውዒት የቕርብ ዝበለ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኩሉ ኣገልግሎታት ቤተ ክርስቲያን ነቶም ብግህሰት ዝተጸልዉ ናይ ኣቀባብላ ርህራሄን ዕርቅን ቦታ ዝህብ ክኸውንን ነዚ ድማ ፍልዩ መዓልቲ ክህልዎ” ንሓትት ዝብል ሓሳብ ከም ዘቕረበ ኣፍሊጡ።

ኣብ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ዕላማ ምስራሕ

ኣባላት ጳጳሳዊ ሽማግለ ንምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ መግለጺኦም፥ “ኣብ እዋን ንሓደ ወይ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ምልኡ ስራሕ ሲኖድስ ኣብ ግምት ከእትውዎ ንነዊሕ እዋን ኣብ ዝጸንሕ ዕላማ ክትሰርሑ ንላቦ፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ልዕሊ ህጻናትን ተቓላዕትን ሰባት ዝፍጸm መዓት ጾታዊ ዓመጽ ንምምካት ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቕሪቦም ዝኾነ ይኹን ግህሰት ዝፍጽምን ነዚ ገበን እዚ ዝኽውልን ንግብኡ መቕጻዕቲ ዝዓለመ ትርጉም ዘለዎ ሕጊ ክወጽእ እውን ሓቲቶም እዮም። ኣብ ወርሒ ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንኹሎም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ኣባይቲ ምክርን ጉባኤታትን ጳጳሳት ኣብ መናብርት ኣብ ከባቢኦም ንዝፍጸም ግህሰት ንምፍታሕ ፈላማይ ዋዕላ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ጸዊዖም።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንልኡኽ ሽማግለ ምርምርን ስልጠናን ላቲን ኣመሪካ ንሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምጥፋእ ጾታዊ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዘመዝገበቶም ምዕባለታት ኣጉሊሖም እኳ እንተነበሩ ንዝተቓልዑ ሰባት ንምሕላው ቀጻሊ ስጉምት ክውሰድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

28 September 2023, 15:39