ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንጳጳሳት ኡምብሪያ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ንኽኾኑ ይዕድሙ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንጳጳሳት ኡምብሪያ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ንኽኾኑ ይዕድሙ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንጳጳሳት ኡምብሪያ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ንኽኾኑ ይዕድሙ

ዕለት 18 መጋቢት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሓዋርያዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ኢጣሊያ ዞባ ኡምብሪያ ጉባኤ ጳጳሳት ተቐቢሎም ንኣስታት ክልተ ሰዓተ ዝኣክል ከም ዘዘራረቡን፡ ቅዱስነቶም፥ ካብ ጳጳሳት ድሕሪ ዝቐረበሎም ሓበሬታ ዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡምብሪያ፥ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ምስ ቅዱስ ኣቦና ዝተኻየደ ርክብ ህያብ ጸጋ ኣምላኽ ንህዝብናን ንካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኡምብሪያ ንኣገልግሎታ ዘጽንዕ ንመላእ እቲ ዞባ ህዝቢ ዝሰጋገር በረኸት እዩ” እንክብሉ ናይ ኡምብሪያ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቦ መንበር ኣቡነ ረናቶ ቦካርዶ ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ “ዳርጋ ናይ ክልተ ሰዓት ኣኼባ” ምንባሩ ገሊጾም፡ "ብናጽነት ክትብልዎ እትደልዩን ከተካፍሉኒ ትደልይዎን ክሰምዕ ድልው እየ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ርክብ ከም ዘበገሱን ነፍሲ ወከፍ ጳጳስ ኩነታት ማሕበረሰቦም ገሊጾም፡ ንቕዱስነቶም ሕቶታቶም እውን ከም ዘቕረቡን በዚ ከምዚ ኣገባብ ድማ ካብ ቅዱስነቶም ቃለ ምዕዳን ከም እተወሃቦም የመላኽቱ።

እተን ኣርባዕተ “ከባቢታት”

ካብቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝህብዎ ለበዋታት፡ ጳጳስ ምስ እግዚኣብሔር ቀረባ ክኸውን ስለ ዘለዎ ናይ ጸሎትን ሰብ ክኸውን ይግባእ፥ ምስ እግዚኣብሔርን ኣብ መንጎ ጳጳሳት ሕውነታዊ ርክብ ክህልዎን ንካህናት ቀረባን ክኸውንን ኣቦን ሓውን ነፍሲ ወከፍ ካህናቱ ክኽውን ከም ዘለዎን ምኽንያቱ "እቲ ጳጳስ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ናይ ጸሎት ሰብ ክኸውን ኣለዎ"፤ ኣብ መንበረ ጵጵስና ሕውነታዊ ምቅርራብ፤ ከምኡ እውን ምስ ካህናት ምቅርራብ፣ ጳጳስ ንነፍሲ ​​ወከፍ እቶም ናይ ጳጳሳት ተሓባበርቲ ዝኾኑ ካህናት ኣቦን ሓውን ክኸውን ኣለዎ፣ ስለዚ በዚ ውስጠ ምቅርራብ እዚ መሰረት ድማ ጳጳሳት ነቶም ክጓስይዎም ዝተጸውዑሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ክኾኑን  እዚ ኸኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ምስ ወደ መዝሙሩ ጢሞቴዎስ ክዛረብ ከሎ፡ ነቲ ካብ ኣዲኡን ዓባዩን ዝረኸቦ እምነት ከም ዝጠቐሰ ዘኪሮም" . . . "እምነት ካብ ሕዝበ ክርስቲያን፡ ካብ ስድራ ቤትና ኢና ተቐቢልና ስለዚ ምስኦም ዘለና ቅርበት ከነረጋግጽን ጽኑዕ ክንገብሮን ይግባእ" ከም ዝበሉን ድሕሪ እቲ ንክልተ ሰዓት ዝተኻየደ ዘተ ቅዱሰነቶም ሰላምታ ኣብ ዝሃብሉ እዋን፡ ንካህናት ፍቕሮም ቅርበቶምን ብምርግጋጽ ንጳጳሳት ዞባ ኡምብሪያ ናይቲ ዞባ ካህናት ንመዓልታዊ ኣገልግሎት ዝገብርዎ ተወፋይነት ምኽንያት ምስጋናኦምን ንናይቲ ከባቢ ህዝበ እግዚኣብሔር ድማ ቡራኬኦም ከብጽሑሎም ከም ዝሓተቱ ኣቡነ ቦካርዶ ገሊጾም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንጳጳሳት ኡምብሪያ ንሕዝበ እግዚኣብሔር ቀረባ ንኽኾኑ ይዕድሙ
19 March 2024, 14:24