ድለ

ር. ሊ. ጳ. ህያብን ይቕረ ምባልን ንኽብሪ ኣምላኽ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ናይ ሓምሻይ ሰንበት ዘመነ ዓቢይ ጾም ምርኩስ ብምግባር ስብከት ቃል ኣምልኽ ለጊሶም ።
ር. ሊ. ጳ. ኣብ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ መስቀል ክብሪ ኢየሱስን ክብሪ እግዚአብሔር ኣቦን ንርኢ፣ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ንምስታፍ ኣብ ቅርኣት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ለጊሶም ።

ቅዱስ ኣቦ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል ናይ ሓምሸይቲ ሰንበት ዘመነ ጾም እንከስተንትኑ ኢየሱስ "ክብሪ ንኣምላኽ ምስ ኣሳልጦን ዝናን ወይ ህቡብነትን ደቅሰብ ከም ዘይመዓራረ ከገንዝበና ኢዩ ዝደሊ ።... ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብሪ ማለት ህይወትካ ኣሕሊፍካ ክሳዕ ምሃብ ምፍቃር ማለት እዩ" ድማ በሉ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ኸምዚ በሉ - "ኢየሱስ ንምሕረት ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ብምግላጽ ገጽ ምልኣተ ፍቕቲ ኣምላኽ ገለጸልና፣ ነዚ ድማ ህይወት ብምሃብን ከምኡውን ነቶም ዝሰቐልዎ ይቕረ ብምባልን፣ ኣብ መስቀል ኮይኑ ብዘየማትእ መገዲ ኢዩ ገሊጹልና።"

ውህበትን ይቕረ ምባልን ማለት ክብሪ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዕብ ኣቢሎም ኢየሱስ ካብ መስቀል "ውህበትን ይቕረታን መንነት ክብሪ ኣምላኽ ከምዝኹኑን ። እዚ ኸኣ ንዓና መገዲ ህይወት ምዃኑ" ኣስተምሃረና በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ከም ዝገለጽዎ እዚ መለክዒ እዚ ኻብቲ ዓለምለኻዊ ኽብሪ ንምርካብ ዜድሊ መለክዒታት እተፈልየ ምዃኑ ኢዩ ። ወሲኾም ድማ "ክብሪ ዓለም ሓላፊ ኢዩ፣ ኣብ ልቢ ወድ-ሰብ ውን ሓጐስ ኣይሓድግን ኢዩ፣ ናብ ምፍልላይን ባእሳን ቅንእን እምበር ናብ ሓባራዊ ጥቕሚ ኣየምርሕን እዩ።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምእመናን ገዛእ ርእሶም ክምርምሩ ነዚ ሕቶታት ኣቕረቡሎም "ብዛዕባ መጻኢየይ ዝምነዮን፣ ንገዛእ ርእሰይን ንህይወተይን ዝምነዮ ኽብሪ እንታይ ዓይነት እዩ ? " ዓለማዊ ኽብሪ ድዩ ? ወይስ መገዲ ውህበትን ይቕረታን ዝኾነ መገዲ መስቀል ክርስቶስ ኢዩ? ውይስ  ኣብ ዓለም ንኣምላኽ ብምምስካርን፣ ጽባቐ ህይወት ከም ከም ዘንጸባርቕ ብምግባርን፣ ብተኣማንነት ምውፋይ ዘይደክም ሰብ ድየ ? ከመይሲ ምስ እንህብን ይቕረ ምስ እንብልን ኢዩ ክብሪ ኣምላኽ ኣባና ከንጸባርቕ ዝርከብ ።" ድማ በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ኣብ ጸሎት መልኣኸ እግዚአብሔር ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ኣብ መወዳእታ "እታ ንኢየሱስ ብእምነት ኣብ ግዜ ሕማማቱ ዝሰዓበቶ" ድንግል ማርያም "ህያው ነጸብራቕ ፍቕሪ ኣምላኽ ንክንከውን ክትሕግዘና" ንለምና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

18 March 2024, 16:23