ድለ

ር. ሊ. ጳ.፦ መንፈሳዊ ሓይሊ ‘ልቦና’ ናብ ቅድስና ይመርሓና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስ ብምቕጻል፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ውን ብዛዕባ ልቦና ብምትኳር፣ ከምኡውን ኢየሱስ 'መስተውዓልትን ቅዱሳን' ክንከውን መታን ጥንቁቓት ክንከውን ከም ዝጽውዓና ኣስተምሃሩ ።

ኣብ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ  ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፦

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ኢየሱስ ክርቶስ፣ ቅዱሳን ክንከውን ጥራይ ዘይኰነስ 'መስተውዓልቲ ለባማት' ክንከውንን፣ ብብልሓት ክንስዕቦ ውን ኢዩ ዝደልየና ።

ኣብ መኽፈቲ ኣስተንትኖኦም ቅድስ ኣቦና፣ እቶም ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር በዓል መዚ ዝዀኑ፣ ክቡር ኣባ ፔርሉጂ ጂሮሊ ከም ዝተሓጋገዝዎምን ነቲ ዘሰናድውዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዘንብቡሎም ኣመልከቱ ።

መንፍፈሳዊ ሓይሊ ልቦና

ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ነቲ ብተኸታታሊ ዝልግስዎ ዘለዉ ብዛዕባ መንፈሳውያን ሓይላትን ኣመላውያን ሓጢኣትን  ዝገልጽ ትምህርተ ክርስቶስ ቀጺሎም ። ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንገለ ሰሙናት ብዛዕባ ኣመላውያን ሓጢኣት ከስተምህሩ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሮም  ናብ መንፈሳውያን ሓይላት ብምስጋር፣ ኣብዛ ሰሙን እዚኣ ኸኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሓይሊ “ልቦና” ኣስተምሃሩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ ልቦና ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ መንፈሳውያን ሓይላት ኮይኑ ምስቶም መለኮታውያን ሓይላት ዝበሃሉ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ብሓባር "ነቶም ኣዕኑድ ምልኣተ ክርስትያናዊ ህይወርት" ዘቑሙ ባህርያት ኢያቶም ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብፍላይ ነቶም ምሳሌታት ኢየሱስ ክርስቶስ ብምጉላሕ፣ ኢየሱስ ወትሩ ግዜ  ንደቀ መዛሙርቱ ነዞም መንፈሳውያን ሓይላት እዚኣቶም ክኾንዎም ከም ዘለዎም የተባብዖም ነበረ ክብሉ ኣስተንተኑ ።

'ኣብ ተግባር ቅኑዕ ኣመክንዮ ምህላው'

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ እዚ ልቦና ዝተሰምየ መንፈሳዊ ሓይሊ ንምስትውዓልን፡ ንክእለትን፡ ገርሀይናነትን፡ ብልሓትን፡ ንግድላት ናይ ኩነታት ንምርዳእን ከምኡ ውን ነቲ መፍሔ ክኸውን ዝኽል መሚኻ ናይ ምኽኣል ኣስተውዕሎት ዘጠቃልል ባህሪ ኢዩ ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ መጻኢ ንዘድልየና ተኽእሎታት እናተጸበና፣ ካብ ሕሉፍ ተመክሮታት እተረኽበ ጥበብ ምዃኑ ብምምልካት፣ ነቲ ሊቅ ናይ ቤተክርስቲያን ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ዘኣኲኖ “ቅኑዕ ኣምክንዮ ኣብ ግብሪ” ክብል ከም ዝሰምዮ ኣዘኻኺሮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ መደምደምታ ምእመናን ኣብቲ ናብ ሰማይ ገጾም ዝገብርዎ ጕዕዞ፣ ልቦናን ምስትውዓልን ከም ዘድልዮም ብምትብባዕ ኣስተምህሮኦም ዛዘሙ ።

20 March 2024, 16:34